ዉህበት ምዝራብ ቋንቋታት

📖 ማር 16:17 / ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ #ብሓድሽ_ልሳን ከኣ #ኪዛረቡ፡
ሓበሬታ:– ሻሎም ቅዱሳን ጥዕና ይሃበለይ። እዚ ብሰፊሑ ዘቕርቦ ዘሎኹ ምህሮ “ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት” ብምኽንያት ገለ ቅዱሳን ሓቲትኩምኒ ዝነበርኩም እሞ፣ ተስፋ ኣትየልኩም ዝነበርኩ፣ ቃለይ ምእንቲ ከኽብር ኢለ እየ። ስለዚ እዚ ጽሑፈይ ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ልጥፎይ መጺኡ ዝነበረ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣይኮነን። ንዝኾነ ዓይነት ክትዕ እዉን ኣየተባብዕን እየ። ናብቲ ዝጠምረና ዓብይ ስእሊ እንዳርኤና፣ በበቲ ዝበጻሕናዮ ክንመላለስ ተረዳዲእና ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ንኣሼር ሓወይ Asher Reda Semere ከምኡ`ውን ንፓስተር ዓወት Awetino Tadesse Hagos ሓወይ ጐይታ ይባርኽኩም ክብል እፈቱ። ጽቡቕ ጊዜ ዓዲግካ ናይ ህድእ ኢልካ ምንባብ ይግበረልኩም።

መእተዊ
=====
ብመንፈስ ቅዱስ ከም እንኣምን መጠን፣ ኣብ መንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን ዝተመስረተ ምህሮ ይኹን ምንቕስቓስ፣ መለለዪ ናይ ሰረት እምነትናን እዩ። ግብሪሃዋርያት እንተ ነቢብናዮ፣ ሓንቲ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንዳተቐጻጸለት፣ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እተስፍሕ ሃዋርያዊት ቤተክርስትያን ኢና እንረክብ። ብድሕሪ ሃዋርያትን ቐዳሞት ኣቦታትን ዝነበረት ማሕበር ክርስቶስ ግና፣ ንመንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን ቦታ ብምኽላኣ፣ እቲ መዓልታዊ ዝግለጽ ዝነበረ ግብሪ መንፈስ ቅዱስን ኣስተርእዮታትን ዉህበታቱን ኣጥፊኣቶ ነይራ እያ።

እንተኾነ ግና፣ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዝተወልዔ ተሓድሶ፣ እቲ ተቐቢሩ ዝነበረ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስን ግብርታቱን ብምዉጻኡ፣ ቤተክርስትያን ዳግማይ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ወንጌል ክተስፍሕ መንፈሳዊ ብቕዓት ክትረክብ ከኣለት። ሕጂ`ውን እዉን እንተኾነ፣ ቤተክርስትያን ኣብዛ ብሰይጣን ተታሒዛ ዘላ ዓለም፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን ጥራይ እያ ብሓይሊ እንዳጠሓሰት ክትደምቕ እትኽእል። ብተወሳኺ፣ ቤተክርስትያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን ቐጻሊ ኣድህቦ ሂባ ክትምህርን ንኣባላታ ብግቡእ ከተዕጥቕን ይግብኣ። ምኽንያቱ፣ እቶም ዝተዋህብዋ ዉህበታት ኪግለጹ እንከሎ እዩ፣ ነፍሲወከፍ ኣባል በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ብሓይሊ ከገልግል ዝኽእል።

ካብዚ ዝተላዕለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ 9ተ ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ ብዝምልከት ሓጺር መእተዊ ሓሳብ ርኢና ከምዝነበርና ይፍለጥ። ኣብ መዕጸዊ እቲ ጽሑፈይ ድማ፣ ንዉህበታት መንፈስ ቅዱስ ብዝምልከት፣ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ከምዘለዉ ርኢና ነይርና። ንኣብነት፣ እቶም ዉህበት ትንቢትን ምዝራብ ቛንቋታትን ደዉ ኢሉ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ካብ ዘምጽዎ ጥቅሲ እዛ እትስዕብ እታ ኣዉራ ናይ መማጐቲኦም እያ እሞ ሕጂ ክንርእያ ደስ ይብለኒ:–
📖 1ይ ቆረ 13:8
ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ #ኺውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡
ኣብዛ ጥቅሲ “ኺስዓር” ከምኡ`ውን “ኺዉዳእ” ዝብላ ቓላት ኣለዋ። ካብዛ “ኺዉዳእ” እትብል ቃል ተበጊሶም እዮም ድማ፣ እቲ ትንቢት ይኹን ብቛንቋታት ምጽላይ ደጊም ኣብቒዑ ዝብሉ። ግና ኣብቲ ዓዉዲ ንባቡ ኸይድና፣ ከምቲ ዝብልዎ መልእኽቲ ድዩ ዘለዎ፧ ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ብመሰረት እቲ ዓዉዲ ንባቡ፣ እቲ እንረኽቦ ምላሽ ያእ ኣይፋሉን ዝብል እዩ ዝኸዉን። ምኽንያቱ፣ እቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝዛረበሉ ዓዉዲ ንባብ ብሰፊሑ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ። እዚ ድማ እቲ ናይ ፍቕሪ ምዕራፍ ተብሂሉ ዝፍለጥ ምዕራፍ እዩ። ኣብኡ ኣብቲ ምዕራፍ 13፣ እቲ “ምልኣት ዘመን” ዝብል ቓል፣ ነቲ ደሓር ኣብ መወዳእታ ንጐይታ የሱስ ብዋግዋጐ ዘይኮነስ ብምልኣት እንርእየሉ ዘመን እዩ ዘመልክት። ሽዑ ብርግጽ ኩሉ ትንቢት ይኹን ምዝራብ ቛንቋታት ከስዓርን ክዉዳእን እዩ። ግናኸ እታ ፍቕሪ ብዘይምቑራጽ ክትቕጽል እያ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። ብዝበለጸ 1ቆረ 13:8–13 ይነበብ። ስለ`ዚ እቲ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ወዲኡ እዩ ዝብል ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾኑ ምጉቶም፣ ርትዒ–ኣልቦ ኾይኑ ኢና እንረኽቦ። እቲ ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ ሕጂ`ውን ኣለዉ! ኣይተወድኡን! ኣይተሳዕሩን!

ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ
==============
ቅድሚ ዘሊለ ናብ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ምኻደይ፣ ብዛዕባ እቶም 5ተ ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ሓጺር ዝኾነ ድህሰሳ ከቕርበልኩም እፈቱ። ምኽንያቱ፣ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሓደ ኣማኒ ብዝምልከት፣ እዞም ዝስዕቡ ዝተፈላለዩ ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ክንፈልጦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኾይኑ ረኺበዮ ኣሎኹ። እቲ ኣብ መንጐ እዞም ኣስዒብና እንርእዮም ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ዘለዉ ፍልልያት ዘይምፍላጥ፣ ብዙሕ ምድንጋርት ከምጽእ ይኽእል እዩ። እዞም 5ተ ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም:–

1⃣ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መደብ ምድሓንና (PLAN)
==================================
እዚ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣባል ናይ ስላሴ ሙዃኑ መጠን፣ ኣብቲ ካብ ቅድሚ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝተመደበ መደብ ምድሓን ወዲ ሰብ፣ ምስ ኣቦን ወድን ኾይኑ፣ ሓደ ዓይነት ፍታውን ፍቓድን ሃልይዎ፣ ንናይ ዕዮ ምደባን ሕርየትን ከምዝነደፈ ዘመልክት ደረጃ ወይ ዕዮ እዩ። ማለት ወዲ ሰብ እዉን ኮይኑ ምእንቲ ናይ ምድሓንና ዕዮ ኽዓይይ፣ እቲ መሎኮት ዝኾነ ወዲ ኣብ ማህጸን ማርያም ሰብ እዉን ኾይኑ ንክጥነስን ክዉለድን፣ ክመዉትን፣ ክትንስእን፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ድማ ነቲ ኽቡር ደሙ ከቕርብን፣ መንፈስ ቅዱስ በዓሉ ብመሪሕነት ዝተሳተፎ ዕዮ ዘካተተ እዩ።

2⃣ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕተም ምድሓንና (SEAL)
===================================
እዚ ነቲ እንድሕነሉ ወንጌል ምስ ሰማዕና እሞ ምስ እተቐበልናዮ፣ ናይ ምድሓንና መረጋገጺን ተስፋን ዝኾነ ሰማያዊ ዕርቡን፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ መንፈስና ምሕታም የመልክት። ደጊም ዉሉድ ኣምላኽ ሙዃንና፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ዳግማይ ዝተወልደ መንፈስና “ኣባ ኣቦ” ኣቢሉ ዘጸዉዕ ምስክር ዉልድነት ምግባሩን ምዝራቡን ዘመልክት ዕዮ እዩ። ብተወሳኺ እዉን፣ ብዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምሕታምና፣ መንፈስ ቅዱስ በዓሉ ንስጋና ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕደር ገይሩ ኣባና ንሓዋሩ ምሕዳሩ ዘመልክት ዕዮ ወይ ደረጃ እዩ። ስለ`ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ምስ ደሓነ፣ ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ተሓቲሙ፣ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዉን እዩ። እምብኣር፣ እቲ ብክርስቶስ ዘሎ ዘበለ ኩሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣለዎ፣ ኣብኡ ሓዲሩን ይነብርን ኣሎ ማለት እዩ (ዮሃ 14:17, ኤፈ 1:13–14, 1ቆረ 3:16, 1ቆረ 6:19–20, 2ቆረ 5:5, 6:16, ሮሜ 8:9, ሮሜ 8:14–15, 1ጴጥ 1:2 ተወከስ)።

3⃣ ዕዮ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ (BAPTISM)
==============================
እዚ ድሕሪ ምድሓንና፣ ብኡብኡ ኣብቲ ስጋ ክርስቶስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምእንቲ ክንኸዉን፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ስጋ እንጥመቆ ናይ ኣካል ጥምቐት ዘመልክት ዕዮ ወይ ደረጃ እዩ። ብተወሳኺ፣ ነቲ ጐይታ የሱስ ኣብ ምድሪ ክንዓዮ ዝሓደገልናን ዝሃበናን ፍሉይ ዕላማ፣ ምሉእ ብምሉእ ብሓይሊ ምእንቲ ክንምልኦ፣ ብዘይ መስፈር ኣብ ዉሽጢ መንፈስ ቅዱስ እንቅበሮ ወይ እንጥሕሎ ጥምቐት እዉን ዘመልክት ፍሉይ ተሞክሮ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ፣ ከምቲ ጐይታ የሱስ በዓሉ ኣብ ማር 16:17 ኢልዎ ዘሎ፣ እዚ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ፣ ነቶም ብእኡ ኣሚኖም ዳግም ተወሊዶም፣ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ንዝኾኑ ድማ ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ዝቕበልሉን፣ ናይ ምቕባሎም መረጋገጺ ዝኸውን ድማ ብሓድሽ ልሳን ዝዛረብሉ ዕዮ ዘመልክት እዩ።
ኣስተብህል:–
ገሊኦም ነዚ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቶም፣ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ፣ ነቲ ምስ ድሓንና ብኡብኡ ናብ ስጋ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ እንጥመቆ ናይ ኣካል ጥምቐት ጥራይ`ዩ ዘመልክት ኢሎም ዝምጉቱ ኣለዉ እዮም። እዚኣቶም እቶም ነቲ ኩሉ ኣብ ግብሪሃዋርያት ዘሎ ምልክት ምቕባል ዉህበት መንፈስ ቅዱስ፣ ምስ ናይ ኣካል ጥምቐት ጥራይ ገይሮም ዘተሓሕዝዎ እዮም። እቲ ዘገርም፣ ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰማርያ (ግብ 8:4–22) ይኹን ኣብ ኤፌሶን (ግብ 19:1–6) ዝኾኑ ፍጻሜታት ግና ሓንቲ ቃል እኳ ክዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። ምኽንያቱ፣ እቶም ናይ ሰማርያ፣ ፊሊጶስ ክርስቶስ ሰቢኹሎም ምስ ድሓኑ፣ ብኡብኡ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ተጠሚቆም ነይሮም እዮም። ደሓር ግና፣ ሃዋርያ ጴጥሮስን የሃንስን ካብ ዮርሳሌም መጺኦም ኣእዳዎም ምስ ኣንበሩሎም እዮም ኩሎም ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም።

እቶም ናይ ኤፌሶን ደቂመዛሙርቲ ድማ፣ ምስ ደሓኑ ብኡብኡ ናብ ኣካል ክርስቶስ ተጠሚቆም ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግና፣ ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ኣይተቐበሉን ነይሮም። ስለዚ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ኢዱ ኣንቢሩ ምስ ጸለየሎም፣ ኩላቶም ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም፣ ብኡብኡ ድማ ምዝራብ ቛንቋታትን ትንቢት ምዝራብን ጀሚሮም። ስለዚ እዚ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ነዘን ዝስዕባ 3ተ ነገራት እዩ ዘጠቓልል:–
▶ ናይ ኣካል ጥምቐት
▶ ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ምቕባል
▶ ብሓድሽ ልሳን ምጽላይ
እምብኣር፣ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ፣ ድሕሪ ምድሓንና እንቕበሎ ዉህበት ጸጋ እዩ። ማለት ብእምነት ምስ ድሓንና ብቕጽበት ብኡብኡ ናብ ኣካል ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕና፣ ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ብምቕባልና፣ ከምኡ`ውን ብቛንቋታት ምዝራብን እዩ ዘመልክት። እቲ ናብ ሰጋ ክርስቶስ እንጥመቆን፣ እቲ ዉህበት መንፈስ ቀዱስ ተቐቢልና ብሓድሽ ልሳን ንመጀመርያ ጊዜ ክንዛረበሉ እንጅምረሉን፣ ናይ ሓደ ጊዜ ተሞክሮ ጥራይ እዩ። ንኹሉ ኣማኒ ድማ ብመዓረ ዝምልከቶ ጉዳይ እዩ። ኣብ ገለ ኣመንቲ፣ ንኣብነት ኣብ እንዳ ቐርኔሎስ፣ እቲ ናብ ኣካል ክርስቶስ ምጥማቅን እቲ ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ምቕባልን (ቛንቋታት ምዝራብ) ኣብ ሓደ ጊዜ ይኸውን። መብዛሕትኡ እዋን ግና፣ መጀመሪያ እቲ ናይ ኣካል ጥምቐት ይኸውን እሞ ስዒቡ ድማ እቲ ምዝራብ ቛንቋታት (ምቕባል ዉህበት መንፈስ ቅዱስ) ይኸዉን። ክልቲኦም ፍጻሜታት ድማ ኣብዚ ዕዮ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ እዮም ዝምደቡ (ማቴ 3:11, ማር 1:8, ሉቃ 3:16፣ 24:49, የሃ 1:33, ግብ 1:4–5,8, ግብ 8:4–22, ግብ 19:2 ወዘተ ተወከስ)። ብዝበለጸ፣ ብዛዕባ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ብሰፊሑ ኣብቲ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ክንርእዮ ኢና።
ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ እዚ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ መዓስ እዩ ዝኸውን፧ ንዝብል ሕቶ ብዝምልከት ድማ እዞም ዝስዕቡ 4ተ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለዉ እሞ ንርኣዮም:–

ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ መዓስ እዩ ዝኸውን፧
============================
እቶም ብጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ዝኣምኑ ቤተ–እምነታት፣ እቲ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ #መዓስ እዩ ዝኸዉን፧ ኣብ ዝብል ሕቶ ናብ 4ተ ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት እዮም ፋሕ ኢሎም ዝኽፈሉ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም:–
➡ ሓደ ህጻን ብማይ ጥምቐት ክጥመቅ እንከሎ፣ ሽዑ እዩ ብመንፈሰ ቅዱስ ዝጥመቕ ዝብሉ ኣለዉ። እቲ ህጻን ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሔ ድማ፣ ብመገዲ ትህድስቲ ወይ መሊሱ ብመንፈስ ቅዱስ ይምላእ ወይ ድማ ነቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ የሕድሶ ይብሉ። ካብዞም ከምዚ ዝብሉ፣ ከም በዓል ቤተ እምነት ካቶሊክ፣ ኦርቶዶክስ፣ ኣንጄሊካል፣ ሉተራን ወዘተ ይርከብዎም።
➡ ሓደ ሰብ ኣሚኑ ምስ ደሓነ፣ ብኡብኡ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰጋ ክርስቶስ ዝጥመቕ ዝብሉ ኣለዉ። ግናኸ፣ እቲ ሰብ ብድሕሪኡ ቐጻሊ ብመንፈስ ቅዱስ ምምላእ የድልዮ እዩ ይብሉ። ካብዞም ከምዚ ዝብሉ፣ ከም በዓል ቤተ እምነት ወንጌላዊያን፣ ቫቭቲስት፣ ተሃድሶ (Reformed) ይርከብዎም።
➡ ሓደ ብጹሕ ሰብ ብእምነት ምስ ደሓነ (Salvation)፣ መዓልታዊ ብቅዱስ ዝኾነ ህይወት ይመላለስ (Sanctification)፣ ብድሕሪኡ ጥራይ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ክጥመቕ (Baptism) ዝኽእል ዝብሉ ኣለዉ። ማለት እቲ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ምስ ምድሓንን ምስ ቅዱስ ንብረትን እቲ ሰብ ምትሕሓዝ ኣለዎ እዮም ኢሎም ዝኣምኑ። ሰብ ከይደሓነ ብመንፈስ ቅዱስ ኣይጥመቐን እዩ ዝብል ተሪር መርገጺ ድማ ኣለዎም። ካብዞም ከምዚ ዝብሉ፣ ከም በዓል ቤተ እምነት ነዘራዊያን (Nazerene)፣ ሜቶዲስት ወዘተ ይርከብዎም።
➡ ሓደ ብጹሕ ሰብ ብእምነት ምስ ደሓነ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ይሓድርን ብመንፈስ ቅዱስ ይሕተምን። ብኡብኡ ወይ ድማ ጽንሕ ኢሉ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ይጥመቕ ይብሉ። እቲ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ድማ ምስ ምድሓን እቲ ሰብ ጥራይ`ዩ ዝትሓሓዝ ይብሉ። ሰብ ኣሚኑ ከይደሓነ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይጥመቐን እዩ ዝብል ተሪር መርገጺ ኣለዎም። ካብዞም ከምዚ ዝብሉ፣ ከም በዓል ቤተ እምነት ኩሎም ጴንጠቆስታል ወዘተ ይርከብዎም።
ኣስተብህል:–እዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና 4ተ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት፣ ብዛዕባ እንታይነት ጥምቐት መንፈሰ ቅዱስ ኣዝዩ ዝተፈላለዩ ትርጉማት እዮም ዘምጽኡ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ፣ ብቛንቋታት ምጽላይ ጭራሽ ዘይድግፍዎን፣ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ እዉን ኣይኮነን እዮም ዝብሉ።

4⃣ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ (FILLING)
=========================
እዚ ነቲ ድሕሪ ደሓንካ፣ ክርስቶሳዊ ዝኾነ ናብራ ምእንቲ ክትመርሕ፣ ቐጻሊ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ መንፈስካ እትድረኾ ድርኺት ዘመልክት እዩ። ማለት ኣኣብ ጊዜኡ፣ ብሓይሊ ንኣምላኽ ዘኽብር ህይወት ምእንቲ ክትነብር፣ ካብ መንፈስካ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኸዉን ናይ ምእማን፣ ናይ ምሕላን፣ ናይ ምዉሳን፣ ከምኡ ናይ ምግባር መስርሕ ዘመልክት እዩ።

5⃣ ዕዮ ክብሪ ፍረ መንፈስ ቅዱስ (FRUIT)
===========================
እዚ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ናብቲ ዘልኣለማዊ ኽብሪ ምእንቲ ክንበጽሕ፣ ንኽብሪ ጐይታ ከም ብመስትያት እንዳርኣና፣ ብፍቕሪ፣ ብለዉሃት፣ ብህድኣት፣ ብትዕግስቲ፣ ብሰላም፣ ብይኣኽለኒ ምባል፣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ኣርኣያ ምስሊ ክርስቶስ፣ ብመንፈስ ቅዱስ እንሕገዞ፣ እንልወጦ፣ ንክርስቶስ እንርእዮን ንእኡ ፍጹም እንመስሎን ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ኽብርና ምብጻሕ ዘመልክት ዕዮ መንፈስ ቅዱስ እዩእዩ (ሮሜ 8: 22–23, 2ቆረ 3:17–18, 1ዮሃ 3:2 ወዘተ)።
እምብኣር ነዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና 5ተ ደረጃታት ዝሓዘ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ብምድህሳስና፣ ሓደ ንጹር ስእሊ ረኺብና ክንከዉን ተስፋ እገብር። ሕጂ ቐጺልና ናብ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ክንሰግር ኢና።

ምዝራብ ቛንቋታት
===========
ብዛዕባ ዕላማን ጥቕምን ምዝራብ ቛንቋታት እንታይ ሙዃኑ ብቐጻሊ ክልዓልን ብዙሕ ዓይነታት ምጒት እዉን ዘልዕል ጉዳይ እዩ። ማለት እቲ ምዝራብ ቛንቋታት ብኸመይ ሸነኹ እዩ ምስ መዓልታዊ ህይወት እታ ማሕበር ክርስቶስ ይኹን ምስ ሓደ ኣማንን ክትሓሓዝ ዘለዎ፧ ዝብል ነገር፣ ናይ ብዙሓት ተመሃሮ ስነመሎኮት፣ መንፈሳዊያን መራሕቲ፣ ከምኡ`ውን ምእመናን ኣቛልቦ ዝስሓበን ዝወሰደን ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ናይቲ ምጒት ኣዉራ ጠንቂ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት፣ እቶም ክልተ፣ እዞም ዝስዕቡ ቐንዲ ኾይኖም ይስምዑኒ:–
1⃣ ናይ ሃዋርያ ጳዉሎስ ቅዲ ኣዘራርባ ወይ ኣጸሓሕፋ ነቲ ዘንብብ ሰብ ቅሩብ ንጹርነት ዉሕድ ይብል። ኣብ ሓደ ዓዉዲ ንባብ ብዛዕባ ሓደ ዝመስሉ ግናኸ ዝተፈላለዩ ነገራት ይዛረብ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምፍላጥ፣ ሓደ ዓሚቑን ጽጹይን ዝኾነ መጽናዕቲ ስለዘድልዮ።
2⃣ ኣብ መንጐ ናይ ግብሪሃዋርያት ፍጻሜታትን ናይ 1ቆረ 12–14 ሓሳባትን ዘሎ ምትሕሓዝን ፍልልይን ተጠንቂቕካ ፈሊኻ ካብ ዘይምፍላጥ።
3⃣ ነቲ ምዝራብ ቛንቋታት ዘለዎ ዓዉደ ንባባት ብሰረተ–እምነት እቲ ዘሎናዮ ቤተ–እምነት ክንትርጉሞ ሓኮት ስለእንብል።
ብዝኾነ፣ ምዝራብ ቛንቋታት ዝብል ትርጉም ካብ ናይ ግሪኽ #ℓαℓєó_gℓóѕѕαιѕ ዝብሉ ክልተ ቃላት ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ድማ መንፈስ ቅዱስ፣ ንሰባት ኣብ መንፈሶም ብዝፈጥረሎም መንፈሳዊ ድርኺት፣ እቶም ሰባት ብዘይፈልጥዎም ቛንቋታት፣ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎም መንፈሳዊ ነገራት፣ ብፍሉይ ኣገባብ ምዝራቦም ዘመልክት እዩ። ኣብዚ እቲ ልሳንን ድምጽን ናይቲ ተዛራቢ፣ መሳርሒ መንፈስ ቅዱስ ይኸውን። እቲ ኣእምሮኡ ግና ብዘይፍረ ስለዝኸውን ምንም ግደ ኣይህልዎን። ስለዚ፣ እዚ ምዝራብ ቛንቋታት፣ ኣመንቲ ብዘይፈልጥዎን ብዘይዝተዓለምዎን ቋንቋታት ምእንቲ ክዛረቡ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝህቦም ናይ ምዝራብ ዉህበት ወይ ክእለት እዩ። እቲ ቛንቋታት ድማ ወይ ናይ ምድሪ፣ ወይ ናይ መላእኽቲ፣ ወይ እዉን መንፈስ ቅዱስ ከምዝደለዮ ካልእ ፍሉይ ቛንቋታት ክኸዉን ይክኣል።
ካብ ጽሑፋት ሓዉና ሉቃስ (ግብሪሃዋርያት) ከምኡ`ውን ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ (1ቆረ 12–14) እንተተወኪስና፣ ምዝራብ በበይኑ ብዝኾኑ ቛንቋታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንዝተፈላለዩ #ዕላማን #ጥቕምን ክዉዕሉ ኢና እንግንዘብ። ገለ ካብቶም ዕላማን ጥቅምን ምዝራብ በበይኑ ብዝኾኑ ቛንቋታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ንረክብ:–
1⃣ ንማሕበር ክርስቶስ ንምህናጽ
2⃣ ንዘይኣመንቲ ወንጌል ንምስማዕ ምልክት ንሙዃን
3⃣ ንኣመንቲ ምልክት ምቕባል መንፈስ ቅዱስ ንሙዃን
4⃣ ገዛእ ርእስኻ ንምህናጽ
5⃣ ብዛዕባ ሕቡእ ጉዳይ ብምምላድ ንምጽላይ
ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፣ ሓዉና ሉቃስ ኣብ ጽሑፋቱ ዝመዝገቦም ብርክት ዝበሉ ፍጻሜታት ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣስተርእዮታት ምቕባል ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ፣ ከምኡ`ውን ምዝራብ በብበይኑ ዝኾኑ ቛንቋታት ኣለዉ። ኩላቶም እቶም ሉቃስ ጠቂስዎም ዘለዉ ፍጻሜታት ግና ሓደ ዓይነት ፍጻሜ ስለዘይኮኑ፣ በበቲ ዘለዉዎ ዓዉዲ ንባቦም ዕቱብ ዝኾነ ምዕዛብን (observation) ቅኑዕ ምቱርጓምን (interpretation) የድልዮም እዩ። ስለዚ ናይ ሉቃስ ዕላማ መጽሓፊኡ፣ ነቶም ድሕሪ ጐይታ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ዝኾኑ፣ ብዛዕባ ምዉራድ መንፈስ ቅዱስ፣ ምቕባል መንፈስ ቅዱስን ምዝራብ በብበይኑ ብዝኾኑ ቛንቋታት፣ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ብኢድ ሃዋርያት ዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ንምትራኽ እዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ን2ቆረ 12–14 መጽሓፊኡ ዕላማ ድማ ብዛዕባ ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ (ብብዝሒ ብዛዕባ ትንቢትን ምዝራብ ቛንቋታት)፣ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ስርዓትን ኣገባብ ኣጠቓቅማኦምን እዩ። ስለዚ ንኽልቲኦም ጽሓፍቲ፣ ኣብቲ ብዛዕባ ምዝራብ ቛንቋታት ክዛረቡ እንከለዉ፣ በበቲ ኣቶኪሮም ዝዛረብሉ ዓዉዲ ወይ ሓሳብ ክንርድኦም ክንፍትን ኣሎና። ምኽንያቱ፣ ንኽልቲኦም ጽሓፍቲ ፈጺሞም ሓደ ገይርካ፣ ወይ ድማ ፈጺሞም ሓደ ዘይኮኑ ገይርካ ምዉሳድ፣ ናብ ዝንቡዕ ናይ ጽሑፋት ኣቶሮጓግማ ይወስደና እዩ።
እምብኣር፣ ኣነ ብዉልቐይ ናይ ግብሪ ሃዋርያት (ብሕልፊ ግብ 2:1–11፣ 10:46፣ 19:6)፣ ናይ 1ቆረ 12–14 (ብሕልፊ 12:10,38፣ 13:1,8፣ 14:1–40) ከምኡ`ውን ማር 16:17, ይሁዳ 1:20, ሮሜ 8:26–27, ኤፌ 5:19፣ 6:18, ቆሎ 3:16 ሓርፋፍ ድህሰሳ ድሕሪ ምግባረይ፣ ምዝራብ በብበይኑ ብዝኾኑ ቛንቋታት፣ ንዝተፈላለዩ ዕላማን ጥቕምን ክዉዕል ተገንዚበ ኣሎኹ። ካብዚ ዝተላዕለ፣ ኣብዚ ጽሑፈይ እቲ ምዝራብ በበይኑ ብዝኾኑ ቛንቋታት (one essence) ንዝተፈላለዩ 4ተ ዕላማን ጥቕሚን (four purposes) ክዉዕል እንከሎ ተንቲነ ከቕርቦ ክፍትን እየ። ምናልባት ኣብዚ ሓደ ነገር ኣቐዲመ ብንጹር ኣስሚረ ክሓልፍ ይግብኣኒ እዩ። ንሱ ድማ፣ መጽሓፍ ቅዱስና ብንጹር 4ተ ዓይነት ምዝራብ ቛንቋታት ኣሎ ስለዝበለ ኣይኮንኲን ከፋፊለ ዘቕርቦ ዘሎኹ። ግናኸ ከምቲ ዝብሎ ዘሎኹ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፣ እቲ ምዝራብ በበይኑ ቛንቋታት ኣብ 4ተ ዝተፈላለዩ ጥቅምታትን ዕላማታትን ክዉዕል ብምግንዛበይ እዩ። በዚ ንሳቶም ድማ እነሀለዉ:–

4ተ ዓይነታት ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት
=========================
Ⅰ. ንጥቕሚ #ምልክት ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
Ⅱ. ንጥቕሚ #መልእኽቲ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
Ⅲ. ንጥቕሚ ርእስኻ #ምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
Ⅳ. ንጥቕሚ #ምምላድ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት

Ⅰ. ንጥቕሚ ምልክት ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
==============================
📖 1ይ ቆረ 14:22
“ስለዚ ቛንቋታት ነቶም #ዘይኣምኑ #ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን።…”
እዚ ዉህበት፣ መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮ እቲ ተዛራቢ ሓሊፉ፣ እቲ ሰብ ብኻልእ ዘይፈልጦን ዘይተዓለሞን ናይ ምድሪ ቋንቋታት ንኽዛረብን ዝድርኾን ዝገብሮን እዩ። እዚ ክንዮ ተሞክሮና፣ ትምህርትና፣ ፍልጠትና፣ ብመንፈስ ቅዱስ እንዛረቦ፣ ኣብቶም ሰማዕቱ ድማ ምንም ምቱርጓም ዘየድልዮ ናይ ምልክት ቛንቋ እዩ። እቶም ሰማዕቱ፣ እቲ ተዛራቢ ጭዋን ብዛዕባ እቲ ዝዛረቦ ዘሎ ቛንቋ ድማ ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ ክነሱ፣ ብዛዕባቲ ዓብይ ግብርታት እግዚኣብሄርን ክብሩን ብዘገርም ምልኪ እቲ ቛንቋ እቲ ሰማዒ ገይሩ ክዛረብ ብምስማዖም፣ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሰብን ኣብቲ ኣኼባን ብህልዉናኡ ከምዘሎ ዘይክሕድዎ ምልክት ክኾኖም ዝገብር ምዝራብ ቛንቋታት እዩ። ኣድህቦ ናይቶም ሰማዕቲ ዝስሕብ ከምኡ`ውን ብልቦም ወንጌል ምእንቲ ኽቕበሉ ዝደፋፍኦም እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ እምብኣር፣ “ንምልክት ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት” ተብሂሉ ዝፍለ። እዚ ዉህበት ብሕልፊኳ ኣብዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
📖 ግብሪ ሃዋ 2
11፤ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን #በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። 12፤ ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ።
ብዛዕባ እታ ጳዉሎስ ኣብታ 1ይ ቆረ 14:22 “ስለዚ ቛንቋታት ነቶም #ዘይኣምኑ #ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን።…” ዝብላ ጥቅሲ ግና፣ ክልተ ርእይቶታት ኣለዋ። እቶም ቐዳማይ ወገን፣ እወ እዛ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝዛረበላ ዘሎ ሓሳብ ምስ እዛ ግብ 2:11–12 ሓደ ዓይነት ሓሳብ እየን ይብሉ። እቶም ካልኣይ ወገን ድማ፣ ኣይፋል እዚ ሃዋርያ ጳዉሎስ “ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ” ዝበለሉ ምኽንያት ነቲ ናይ ግብ 2:11–12 ከጽንዓሎም ደልዩ ዘይኮነስ፣ ከምቲ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ዘይምእዛዞም ናብ ጓና ዝኾነ ህዝቢ ኣሶር ንፍርዲ ኣሕሊፋ ዝሃቦም፣ ንስኻትኩም ድማ፣ እቲ ሰማዒ ክሰምዖ ብዘይኽእሎ ቋንቋታት ብምዝራብኩም፣ እቲ ሰማዒ ንፍርዲ ዝተመደበ ኣይምሰልኩም። ንጥቅሲ 22—23 ወሲኾም፣ እኳ ድኣ ንስኻትኩም ኢኹም ብዘይቶርጓማይ ብምዝራብኩም ንምዕንቋፍ ምኽንያት እትኾንዎ ዘሎዂም ኢሉ እዩ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝገንሖም ዘሎ ኢሎም፣ ነቲ ሓሳብ ይትርግምዎ።
ኣብዚ ኣነ ብዉልቐይ ፣ እቲ ምዝራብ ቛንቋታት፣ ነቶም ሓደ ሰማዕቲ ከምቲ ናይ ግብ 2:11ዝተወለደሉ ቋንቋ እንተኾይንዎም፣ “ኣወንታዊ ምልክት” እዩ ዝኸውን ዘሎ። ነቶም ኻልኦት ሰማዕቲ ፍጹም ዘይርድእዎ ቋንቋታት እንተኾይንዎም ግና “ኣሉታዊ ምልክት” እዩ ዝኾኖም ኢለ ክወስዶ ይመርጽ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣመንቲ ዘይርድእዎ እንተኾይኑ፣ ተቶርጊሙ ጥራይ`ዩ ንምድሓን “ኣወንታዊ ምልክት” ዝኾኖም። ስለ`ዚ እዩ ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ እቲ ተዛራቢ ብዘይ ተርጓሚ ቋንቋታት ኣብቶም ዘይኣመንቲ ስቕ ይበል ክብል ዝምዕድ ዘሎ ኢለ ወሲደዮ ኣሎኹ።
ኣስተብህል:–
⬆ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፣ እዛ ናይ ግብሪሃዋርያት ምዕ.2 ተሞክሮ ክትድገም ኣይንርእያን ኢና። ግናኸ ኣብ ናይ ህይወት ምስክርነት ብዙሓት ኣቦታትን ካልኦት ቅዱሳንን፣ እዚ ናይ ግብ 2:11–12 ፍጻሜ ብዙሕ ጊዜ ተራእዩን ይርኣይን ከምዘሎን፣ ንብዙሓት ድማ ብወንጌል ንኽኣምኑ ዝድርኾም “ኣወንታዊ ምልክት” ይኸውን ከምዘሎ ይፍለጥ። ማለት፣ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት እዚ ዓይነት ምዝራብ ቛንቋታት፣ ልቦም ንወንጌል ከፊቶም ነቲ ብስራት ወንጌል ሰሚዖምን ብጐይታ ኣሚኖም ይድሕኑ እዮም።
⬆ ብመሰረት ግብ 2:11–12 ጥራይ፣ ኣብዚ ንምልክት ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ነቲ ቛንቋታት ንምቱርጓም፣ ዉህበት ምቱርጓም ቐንቋታት ፈጺሙ ኣየድልይን እዩ። ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ተዛረብቲ እዉን ድሩት ኣይኮነን። ንኣብነት፣ ኣብ ግብ 2 እቶም እኩባት ኣስታት 120 ሰብኡት ዝኾኑ እዮም ነይሮም፣ ብግምት ድማ ብኣስታት 15 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ቛንቋታት እዮም ዝዛረቡ ነይሮም።
⬆ ብመሰረት ግብ 10:44–46፣ ምዝራብ ቛንቋታት ንኣመንቲ እዉን ምልክት እዩ። ምኽንያቱ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ በቲ ሰማያዊ ምርሒት ናብ ወገን ኣህዛብ ቤት ቆርኔሌዎስ ኸይዱ ወንጌል እንዳሰበኸሎም እንከሎ፣ ኩሎም እቶም ቤት ቆርኔሌዎስ ብቛንቋታት ምጽላዮም፣ ንበዓል ሃዋርያ ጴጥሮስ እቶም ኣህዛብ እዉን ከማታቶም ዉህበት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሉ ምልክት ኾይንዎም እዩ። ብዝበለጸ ነዚ ጥቅሲ ንርኣዮ:–
📖 ግብሪ ሃዋ 10
44፤ ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።
⬆ እዚ ንምልክት ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ንዉሱናት ኣመንቲ ምበር ንኹሎም ኣመንቲ ዝዉሃብ ዉህበት ኣይኮነን።

Ⅱ. ንጥቕሚ መልእኽቲ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት
===============================
📖 1ይ ቆረንቶስ 12:10
ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።
ኣብዚ ጥቕሲ፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ገለ ካብቶም ማሕበር ንምህናጽ ተብሂሎም ካብ ዝዉሃቡ ዉህበታት እዩ ዝጠቕስ ዘሎ። ስለ`ዚ እዚ “ንሓደ በብዓይነቱ ቛንቋታት፣ ነቲ ሓደ ኸኣ ምቱርጓም ይዉሃቦ” ዝብሎ ዘሎ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርያ ዝርኣናዮ ንምልክት ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት ዘመልክት ፈጺሙ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ብዛዕባ እታ ማሕበር ክትእከብ እንኮላ ንምህናጻ ተቶርጊሙ ንመልእኽቲ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ብዛዕባ እቲ ምስ ዉህበት ቱርጓም ቛንቋታት ተጸሚዱ ዝኸይድ ምዝራብ በብዓይነቱ ቛንቋታት እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እዚ በብዓይነቱ ቛንቋታት ተብሂሉ ዘሎ፣ ካብ ሰማይ ነታ ማሕበር፣ ወይ ብዘይፈልጥዎ ናይ ምድሪ ቛንቋታት፣ ወይ ብናይ መልኣኽቲ ቛንቋታት፣ ወይ እዉን መንፈስ ቅዱስ ብዝደለዮ ካልእ ቛንቋ ዝመጽእ መንፈሳዊ መልእኽቲ እዩ። እቲ ናይ ዉህበት ምቱርጓም ቛንቋታት ዘለዎ ድማ፣ በቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡን ከናፍሩን ቶርጊሙ ዘቐመጠሉ ሓሳብ፣ ነታ ማሕበር ትርጉም ናይቲ መልእኽቲ የመሓላልፈላ።
ኣስተብህል:–
⬆ ኣብዚ ንመልእኽቲ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ቛንቋታት እቲ ተዛራብን እቲ ሰማዕን ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን እዮም። ስለዚ ነዚ ብመልክዕ ዘይፍለጥ ቛንቋታት ዝመጽእ ዘሎ ሰማያዊ መልእኽቲ፣ ዝቱርግሞ ሰብ ብግዲ የድልይ እዩ። እቲ ዉህበት ምቱርጓም ዘለዎ ቶርጓማይ እንተዘየለ፣ እቲ ተዛራቢ ስቕ ክብል መጽሓፍ ቅዱስና ይእዝዝ:–
📖 1ይ ቆረ 14:
28፤ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።
⬆ ኣብዚ ንመልእኽቲ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት ስርዓትን ኣገባብን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ቶርጓማይ እንተሎ፣ እቶም ንመልእኽቲ ዝኸዉን ቛንቋታት ዝዛረቡ ሰባት፣ እንተበዝሑ 3ተ ጥራይ እዮም ክኾኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይእዝዝ። ብተወሳኺ፣ ክዛረቡ እንከለዉ ድማ በብተራ ክዛረቡ ይግብኦም። ንሓንቲ ዝመጸት መልእኽቲ ድማ ሓደ ሰብ ጥራይ`ዩ ክትርጉማ ዝፍቐደሉ። እቲ ቶርጓማይ ድማ፣ ነቲ ብዘይተፈልጠ ቛንቋታት ዝተባህለ ቃል ብቃሉ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቦ መልእኽቲ ናይቲ ዘረባ (Interpretation) ጽማቚ ሓሳቡ እዩ ዘቕርቦ።
📖 1ይ ቆረ 14:
27፤ ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ።
⬆ እዚ ንመልእኽቲ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ንዉሱናት ኣመንቲ ምበር ንኹሎም ኣመንቲ ዝዉሃብ ዉህበት ኣይኮነን። እዚ ነታ ብጉባኤ ደረጃ እተኣከበት ኣካል ክርስቶስ ንምህናጽ ተብሂሉ፣ ንዝተወሰኑ ኣመንቲ ዝዉሃብ ዉህበት ከም ዝኾነ መጠን፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ነዚ ዉህበት ምስቶም ካብቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሰርዑ ናይ ሃዋርያነት ህያብ፣ ናይ ነብይነት ህያብ፣ ናይ ምምህርና ህያብ…ወዘተ ገይሩ ክጠቕሶ ንርእዮ። ሽዑ ጸኒሑ ድማ፣ ነዚ ንምህናጽ ጉባኤ ዝኸዉን ንመልእኽቲ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት ኣመልኪቱ ድማ ፣ ከምቲ ኩላቶም ሃዋርያ ወይ ነብያት ዘይኮኑ፣ “ኩላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧” እንዳበለ ነቲ ምላሽ ምሃብ ዘይድልዮ ርዱእ ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ከቕርቦ ንርእዮ (ብዝበለጸ 1ቆረ 12:28–30 ይነበብ):–
📖 1ይ ቆረንቶስ 12
29፤ ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30፤ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧

Ⅲ. ንጥቕሚ ርእስኻ ምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
===================================
📖 1ይ ቆረ 14:
2፣ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ #ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ #ሓደ_እኳ #ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ #ንኣምላኽ እምበር፡ #ንሰብ_ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። 4፤ ቋንቋታት ዚዛረብ #ንርእሱ_ይሃንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽ።13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። 15፤ እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ #ብመንፈስ_ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።
ከምዚ ኣብዞም ጥቕስታት ክንግንዘቦ እንኽእል፣ እዚ “ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት” ፣ ልክዕ ከምቶም 2ተ ዝጠቐስናዮም፣ ማለት “ንምልክት” ዝኸዉን ወይድማ ነታ እክብቲ ማሕበር “ንምህናጽ” ዝዉሃብ ምዝራብ ቛንቋታት፣ ፈጺሙ ኣብ እኩብ ህዝቢ ብዘይስማዕ ድምጺ ዝዝረብ ቛንቋታት ፈጺሙ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፣ እዚ እቲ ዝዛረብ ሰብ ኣብ ናይ ዉልቁ ስፍራ ጸሎቱ፣ መንፈሳዊ ህይወቱ እንተ ብቛንቋታት እንዳጸለየ፣ እንተ ብቛንቋታት እንዳዘመረ ጸሎት ዝሃንጸሉ እዩ። ማለት፣ ኣብዚ እቲ ተዛራቢ ዝዛረቦ ቛንቋታት ንኣምላኹ ምስ ኣምላኹን እምበር ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ። ኣብ ናይ ጽሞና ጊዜኡ፣ ምስ ኣምላኹ ፍሉይ ሕብረት ንምግባር ተብሂሉ ብመንፈስ ቅዱስ ንኹሉ ኣማኒ ብጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ኣድልዎ ዝዉሃብ፣ ኩሉ ኣማኒ ድማ ብእምነት ክቕበሎ ዘለዎ ዉህበት እዩ።
ኣብዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ እታ #ኩሎም ብእምነት ብጐይታ ዝድሓኑ ኣመንቲ ክቕበልዎ ዘለዎም ምዝራብ ቛንቋታት ሙዃኑ፣ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ጥቕስታት የመላኽቱና እዮም። እዚ ማለተይ ግና “ኩሎም እቶም ዝድሓኑ ይጽልይዎ ኣለዉ ማለተይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ ድሒኖም ክነሶም ነዚ ዉህበት ዛጊት ብእምነት ዘይተቐበልዎ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ገለ ስፍራ ዝበልክዎ፣ እቶም ኣመንቲ ክነሶም ነዚ ቛንቋታት ግና ብዘይምጽላዮም፣ ምስ ምድሓኖም ይኹን ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ምሕዳሩ ፈጺሙ ምትሕሓዝ የብሉን። ነዚ ነገር መጢጦም ክሳዕ ምስ ምድሓን ዘተሓሕዝዎ ህርግድ ዝብሉ ሰባት ግና ዓገብ እብል። ካብቲ ክርስቶስ ኣብ መስቐሉ ንምድሓንና ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝዳረግ ገለ`ኳ የልቦን። ግናኸ ኩሎም ኣመንቲ ምስ ደሓኑን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዉን ምስ ኮኑ፣ ብጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ርእሶም ዝሃንጽሉ፣ ምስ ኣምላኾም ድማ ምስጢራት ክዘራረብሉ ዉዱእ ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ዝድለ ነገር ግና፣ ነቲ ቓል ምቅባሉ፣ ነቲ ዉህበት ሃረር ኢልካ ምድላዩ እዩ።
እዚ ኣብ ጊዜ ጥምቐት መንፈስ ቅዱስ ዝዉሃብ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት፣ በዞም ዝስዕቡ መገድታት ብእምነት ክንቕበሎ ይከኣል:–
① ቓል እንዳነበብካ ወይ እንዳሰማዕኻ እንከሎኻ
② ጸሎት እንዳጸለኻ እንከሎኻ
③ ብኢድ ኣንብሮት ቅዱሳን
④ ካልእ መገድታትን
እዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ንኹሎም ብጐይታ ዝኣመኑ ሙዃኑ ኣብዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ንርኣዮ እሞ፣ ዝተረፈልና ርትዒ ንዉሰድ:–
📖 ማርቆስ 16
17፤ ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ #ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡
📖 ግብሪ ሃዋ 2
38-39፤ ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ #ህያብ መንፈስ ቅዱስውን #ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
📖 ግብሪ ሃዋ 8
15-16፤ ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም። 17፤ ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ #ተቐበሉ።
📖 ግብሪ ሃዋ 10
44፤ ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።
📖 ግብሪ ሃዋ 19
2፤ ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ።
6፤ ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
ኣስተብህል:–
⬆ እዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት ማንም ዓይነት ሰብ ከስተዉዕሎን ክትርጉሞን ኣይክኣሎን እዩ። ምኽንያቱ: –
① ኣምላኽ ጥራይ ዝፈልጦ ሚስጥር ስለዝኾነ
② ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ድማ ስለዘይኮነ
⬆ በዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት እዉን ምዝማር ይክኣል`ዩ። ምኽንያቱ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምቲ ብኣእምሮ ዝዝምሮ “ብመንፈሰ እዉን ክዝምር እየ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ብዙሕ ርግጸኛ እኳ እንተዘይኮንኩ፣ እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ምስዚ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ቆረንጦስ ዝዛረበሉ ዘሎ ብቛንቋታት ምዝምር ምትሕሓዝ ዘለዎም ኾይኖም ይስምዑኒ :–
📖 ኤፌሶን 5:
18-19፤ ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
📖 ቆሎሴ 3
16፤ ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
⬆ እዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ማንም ዓይነት ሰብ ከስተዉዕሎ ኣይከኣሎን ስለዝብል፣ ኣነ ብዉልቐይ እዚ ዓይነት ቛንቋ ብማንም ካልእ ሰብ ዘይቱርጐም ሰማያዊ ቋንቋ፣ ማለት ወይ ናይ መላእኽቲ ወይድማ ስላሴ ጥራይ ዝፈልጥዎ ካልእ ዓይነት ሰማያዊ ቛንቋ እዩ በሃላይ እየ። ናይ ምድሪ ቛንቋ ፈጺሙ ከምዘይሙኻኑ ግና ርግጸኛ እየ ክብል እደፍር እየ።
⬆ እዚ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ንጐይታ ብዝሓሸን ዝበለጸን መገዲ ምእንቲ ከተመስግኖን ከተምልኾን ንመንፈስካ ብፍሉይ ዝድርኽን ዘዛርብን እዩ። ምኽንያቱ፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ 1ቆረ 14:17 ነቲ በዚ ቛንቋ ዝዛረብ ሰብ “ንስኻስ #ጽቡቕ ጌርካ #ተመስግን (ѵεɾเℓყ ɠเѵεรƭ ƭɦαɳҡร)ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን።” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።

Ⅳ. ንጥቕሚ ምምላድ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት
================================
📖 ሮሜ 8
26፤ መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ (#ɠɾσαɳเɳɠร) ዚልምነልና (#íղԵҽɾcҽssíօղ)። 27፤ እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ ንድኻምና ዝድግፍ ጴራቂላጦስ እዩ። ጴራቂላጦስ ዝብል ቃል፣ ሓደ ኣካል ኣብ ጐድንኻ ደዉ ብምባል፣ ዝድግፈካን ምጽንናዕ ዝኾነካን ንምባል የመልክት። ጴራቂላጦስ ከም ስሙ፣ ኣብ ድኻምና ማለት እንታይ ኢልና፣ መዓስን ክንጽልይ ዘይንፈልጥ ብሙዃንና፣ እንታይ ይኸውን ዘይንፈልጥ፣ ከምኡ`ውን ብምኽንያት ብዙሕ ጉዳያት ኣብ ዉሽጥና ብቓላትና ክንገልጾ ንዘሽግረና ክብደት ልቢ እዉን ክህልወና እንከሎ ዘጸልየናን ምሳና እህህህ ዝብልን እሙን ደጋፊ እዩ። ኣብ ዙርያና እንታይ ይግበር፧ እንታይ ይሕሰብ፧ ብዛዕባ ኣሕዋትና ወይ ስድራቤትና፣ ደቕና ወዘተ እንታይ ይኸዉን፧ እንታይ ክኸውን እዩ እዉን ዘይንፈልጥ ኢና። ንሱ ግና ንመዓሙቕ ኣምላኽ ዝፈልጥ፣ ንኩነታት መንፈስና ድማ ዝርዳእ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣቦ ንሓሳብ ጴራቂላጦስ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ እዩ።
እዚ ኹሉ እንብሎ ዘሎና ነገር፣ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ናብ ሓደ ጥሙር ስምረት ንምምጻእ እምብኣር፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ መንፈስና ዝፍጠር ናይ ዘይንገር እህህታ ድርኺት ይፍጠር እዩ። እዚ ንብሎ ዘሎና ድራኸ ድማ እንትርፎ ንመንፈስና፣ ንኣእምሮና ብዙሕ ኣይፍለጦን እዩ። ካብዚ ምድራኽ መንፈስ ቅዱስ ንመንፈስና ዝተላዕለ፣ መንፈስና ምስ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እቲ ዘይንፈልጦን ዘይርድኣናን ሰብን ጉዳይን ብቛንቋታት ምጽላይን እህህ ምባልን ንጅምር። ነዚ ድማ፣ ዝኾነ ሰብ መጺኡ፣ እዚ ማለት እዚ እዩ ክብሎ ዘይኮነሉ እዩ። ግናኸ ጴራቂላጦን ኣቦን ዝረዳድኡሉ እዩ። ምናልባት ደሓር ነቲ ጸላይ እዉን እንተኾነ፣ ብዛዕባ ምንታይ መንን ከምዝነበረ እቲ ዘይንገር እህህታ፣ ገለ ብዋግዋጐ ዝግምቶ ወይ ዝፈልጦ ጭብጢ ርትዒ ወይ ምርዳእ፣ ኣብ ዉሽጡ ክተርፈሉ ይኽእል እዩ በሃላይ እየ (ካብ ተሞክሮይን ብዙሕ ዝሰምዖ ምስክርነትን)።
እዚ ንምምላድ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት፣ ካብቲ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት ዝተፈለየ እዩ። እዚ ንምምላድ ዝኸዉን ቛንቋታት ሓይሉ ኣብ ምምላድን ቅልዉላዉን ጻዕርን ዘድሃበ እዩ። እቲ ርእስኻ ንምህናጽ ዝኸዉን ቛንቋታት ግና፣ ብብዝሒ ናብ ምስጋናን ኣምልኾን ዘድሃበ እዩ። ብተወሳኺ፣ እዚ ንምምላድ ዝኸውን ምዝራብ ቛንቋታት ብብዝሒ እቲ ጸላይ ብመንፈስ ኣብ ዝመላለሰሉ፣ ከምኡ`ውን ኣብ ጸሎት ዓለም ኣዕሚቑ ኣብ ዝኣትወሉ ጊዜ ክመጽእ ዝኽእል ተሞክሮ እዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስን ይሁዳን ብኸምዚ ምኽንያት ይኾኑ ኢለ ይግምት፣ ከምዚ ዝስዕብ ዝበሉ:–
📖 ኤፌሶን 6
18፤ ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ #ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ #እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡
📖 ይሁዳ 1
20፤ ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም #እናሀነጽኩም፡ #ብመንፈስ_ቅዱስውን #እናጸሌኹም፡
ኣስተብህል:– እዘን ኣብዚ “ንጥቕሚ ምምላድ ዝኸዉን ምዝራብ ቛንቋታት ኣምጸየን ዘሎኹ ናይ ሮሜ 8:26–27, ይሁዳ 1:20, ኤፌ 6:18 ጥቕስታት፣ ምስ ብቛንቋታት ምጽላይ ንጹር ምትሕሓዝ ይሃልወን ኣይሃልወን ብዙሕ ክትዕ ዝፈጥራ ጥቕስታት እየን። ኣነ ግና እወ ኣለወን ኢለ ወሲደየን ኣሎኹ።

ረብሓታት ብቛንቋታት ምጽላይ
==================
እምብኣር ድሕሪ ብዙሕ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብና፣ ብቛንቋታት ምጽላይና ረብሓታት ኣለዎ እዩ። ከምቲ ጐይታ ዝደገፈኒ መጠን፣ ብጸጋኡ ካልእ ጊዜ ብሰፊሑ ከቕርቦም እየ። ንምጥቃስ ዝኣክል ግና፣ ብቛንቋታት ምጽላይና እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኣለዉዎ:–
1⃣ ምስ ጐይታ ንዘሎና ሕብረት ይሃንጾ
2⃣ ንዉሽጣዊ ሰብና ይሃንጾን የሕድሶ
3⃣ ከም ሓሳብ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ክንጽልይ ይገብር
4⃣ ክንዮ ድኻምና፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ክንጽልይ ይገብር
5⃣ ንእምነትና የብርትዖ
6⃣ ካብ ክብደት ሸኽሚ ልብና ዕረፍቲ ይህበና
7⃣ ብዝበለጸ ንጐይታ ከነመስግኖ የኽእለና
8⃣ ነቲ ሕቡእ ሚስጥር ኣምላኽ ክንጽልዮ ይገብረና
9⃣ ኣብ መንፈስና ድማ መንፈሳዊ ምሕዳስ የምጽኣልና
መደምደምታ
========
📖 1ይ ቆረንቶስ 14:18
18፣ #ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። 39፣ ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ #ኣይትኸልከሉ። 40፤ ግናኸ ኲሉ #ብስርዓትን #በጋባብን ይኹን።
እምብኣር፣ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ዓቕመይ ብዘፍቐዶ ብዝገብርክዎ መጽናዕቲ፣ ንባብ፣ ከምኡ`ውን ምዉካስን፣ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ኣብ 4ተ ክፋላት ፈላልይና ንምርዳእ ምእንቲ ክሕገዘና ኢለ፣ ንኹሉ ቅልል ብዝበል መልክዕ ከቕርቦ ፈቲነ ኣሎኹ። ዛጊት ንዘይኣመንቲ ይኹን ንኣመንቲ ምልክት ንሙዃን፣ ተቶርጊሙ ማሕበር ንምህናጽ፣ ኣብ ብሕትኻ ርእስኻ ንምህናጽ፣ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዘይተፈልጠ ጉዳይን ሰብን፣ ከም ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድን ድሌትን ንምምላድ ዝኾኑ ዉህበት ምዝራብ ቛንቋታት ርኢና ኣሎና።
ምስዚ ኣቕሪበዮ ዘሎኹ ምህሮ ድማ ኩሎም ቅዱሳን ክሰማምዕሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የብለይን። ኣነ`ውን ጊዜ ወሲደ ናይ ዉልቐይ ርትዒ እየ ኣንቢረ ዘሎኹ። ደጊም ንኽትዕ ዝኸውን ጊዜ ፈጺሙ የብለይን። ብዓብዩ ነዚ ጉዳይ ሰማይ እዩ ዝፈትሖ። እንተኾነ ግና፣ እቶም ከም ሰብ በርያ፣ ብዛዕባ እዚ ምህሮ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቲ ትኹል ቃል ኮይንኩም፣ ኣየናዩ እዩ እቲ ሓቂ፧ ኢሎኩም መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጽናዕቲ እትገብሩ፣ ካብዚ ኢለዮ ዘሎኹ ዝበለጸ ሚዛን ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርትዕን ርዲእትን ከም እትዝሕዙ ርግጸኛ እየ። ስለዚ ድሕሪ ነዚ ጽሑፍ ምንባብኩም፣ ቅድሚ ናብ ክትዕ ምስጓምኩም፣ ናይ ገዛእ ርእስኹም ዓሚቚ ዝኾነ መጽናዕቲ ክትገብሩ ይላወበኩም ኣሎኹ።
ኣብ መወዳእታ፣ ናይ ሎሚ በዓል ሓምሳዊያን ኣባይተ ክርስትያናት ድማ፣ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን፣ ከምታ ቐዳመይቲ ናይ ሃዋርያትን ነብያትን ማሕበር፣ ብሓይሊ ነኸተገልግል፣ ነቲ እንዳተረስዔ ዝኸይድ ዘሎ “መንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን” ዝብል እንኣምኖ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ፣ ኣድቂቕና ክንፈልጦን ቐጻሊ ድማ ደጋጊምና ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓት #ክንነብረሉን #ክንጥቐመሉን ከንምህረሉን፣ ከምኡ`ውን ክንሰብከሉ የድልየና ኣሎ ክብል እፈቱ። ከምኡ እንተገበርናስ፣ እቲ ዝትክእ ወለዶ፣ መንፈስ ቅዱስ እኳ ከምዘሎ ዘይፈልጥ ወለዶ ፈጺሙ ኣይክኸዉንን እዩ።
📖 1ይ ቆረንቶስ 14
18፤ ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።

ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Message

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *