📖 ምሳሌ 4፣5 / ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ #ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን #ኣይትዘምብል።።
ሓቂ ዝመስል ሓሶት ናይ ምሕባል ሓይሊ ኣለዎ እዩ። ሄዋን ነቲ ትኹል ሓቂ ፈሊጣቶ ነይራ ክነሳ፣ ግናኸ በቲ ንሓቂ ኣዝዩ ዝመስል ረቒቕ ሓሶት ናይ ዲያብሎስ እያ ነታ ዝተቐበላታ ሓቂ ሸይጣታ። ነታ ብኣምላኽ ዝተነግራታ ትኽልቲ ሓቂ፣ ካብታ ብዲያብሎስ ዝመጸት ነታ ሓቂ ኣዝያ እትመስላ ሓሶት ፈላልያ ክትፈልጣ ኣይተኻእላን እሞ ተጠሊፋ ወደቐት። ብመሰረቱ፣ ካብ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶት ዘሎ ፍልልይ ፈሊኻ ምፍላጥ ንላዕሊ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ንሓቂ ኣዝዩ ዝመስል ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ኣዝዩ ልቦናን ምስትውዓልን ይሓትት። ንኣብነት፣ ዲያብሎስ ከምዚ ንሂዋን ንምዉዳቕ ዝተጠቐመሉ ብልሓት ገይሩ፣ ኣብቲ በረኻ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ማለት ካብ ኣብ መዝ 91፣11–12 ዘሎ ጥቕሲ ጠቒሱ ንጎይታ ካብታ ትኽልቲ ሓቂ ከዉጽኦ ፈተኖ። ናይ ጎይታ ምላሽ ድማ ዘይከም ናይ ሂዋን ከምዚ ዝስዕብ እዩ ነይሩ:–
📖 ማቴዎስ 4፣6–7
6፤ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። 7፤ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ።
እቲ ቐዳማይ ኣዳም፣ በዛ ንሓቂ ኣዝያ እትመስል ፍሕሶ ዲያብሎስ ኣብ #ገነት ኤደን ተጠሊፉ ክወድቕ እንከሎ፣ እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ግና፣ ኣብቲ #በረኻ ኣጻምእ፣ ነታ ንሓቂ እትመስል ሓሶት ማለት ነታ ዝመጸቶ ፍሕሶ ሰይጣን፣ “ድማ ጽሑፍ ኣሎ” ብምባል እዩ ስዒርዋ። ሃሌሉያ! እወ በቲ ጽሑፍ እንተ ተመሊእኻ፣ ነቲ ጽሑፍ ብትኽክል ናይ ምትርጓም ልቦናን ምስትዉዓልን እዩ ዝህልወካ። ኣነ ዝገርመኒ፣ ሎሚ ክብሃል እንከሎ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስና እንኣምኖ ኣመንቲ ብዙሓት ኢና። እቲ መጽሓፍ ቅዱስና እንታይ ኢሉ ከም ዝምህር ኣድቒቅና እንፈልጦ ግና ኣዚና ሒደት ኢና። ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዘድለያትና ጥቅሲ ብሞባይል ተደጊፍና ደሊና ስለዝረኸብናያ፣ በቃ ነታ ቃል ፈሊጥናዮ ማለት ኣይኮነን። ሰበኽቲ መምሃራን ጥቕስታት ክዛረብዎ ስለዝሰማዕናዮ ድማ በዓላትና ኣንቢብናዮን ምስ ህይወትና እዉን ኣወሃሂድናዮ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ብጣዕሚ ጽቡቕ ምሳሌ ክኾኑና ዝኽእሉ፣ እቶም ደግታት ሰብ ቤርያ እዮም። ምኽንያቱ፣ ነቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝኣክል ዝሰብኮም ዝነበረ ቃል እኳ ከይተረፈ፣ ኣብ በይኖም ኾይኖም “ከምኡ ሙዃኑን ዘይሙዃኑን” መጽሓፎቶም ገንጺሎም የነጻጽርዎ ነይሮም እዮም። በቓ ምርኡይ ሰብ ንዝተዛረቦ ዘበለ ዂሉ ናይ ምጉሳም ልምዲ ኣይነበሮምን።
📖 ግብ 17፣11
ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ #ጽሑፋት #እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም #ተቐበልዎ።
እምብኣር ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ፣ እቲ ሓሶት መልክዑ ለዊጡ “ንሓቂ ኣዝዩ ዝመስል” ኾይኑ እዩ ዝመጽኣና ዘሎ። እቲ ነዚ ነገር`ዚ ፈላልዩ ከለልዮ ዝኽእል ሰብ፣ እቲ ብቃል ኣምላኽ ዝመልኤ ብልሂ ለባም ኣስተዉዓሊ ሰብ ጥራይ እዩ። ስለዚ ቅዱሳን ኣሕዋተይ፣ ከምቲ ንቤቱ ኣብ ከዉሒ ዝሰረተ ብልሂ ሰብኣይ ክንመስሎ ይግብኣና። ሽዑ እቲ ደምሳሲ ዉሒዝ ደሪኹ ደፊኡ ምእንቲ ከዉድቐና እኳ እንተ መጸ፣ ካብቲ ኣቐዲምና ዝተሰረትናሉ ትዂል ሓቂ፣ ምንቕናቕና ፍጹም ክስኣኖ እዩ። በቲ እንኮ ሓቂ ንመላእ እሞ፣ በታ ንሓቂ ኣዝያ እትመስል ሓሶት ኣይክንምላእን ኢና።
እምብኣር፣ ቐጻሊ ብህዱእ መንፈስ ምስ ቃል እግዚኣብሄር ጊዜ እንሕልፈሉ ልምዲ ክህልወና ይግባእ። እዚ ልምዲ ድማ ብዝኾነ ምኽንያት ምእንቲ ከይሰናኸል፣ ቐጻሊ ክንሕልዎ እንኽእለሉ ጸጋ ተዉሂቡና ከምኡ`ውን ድልዉ እዩ። ሕጅስ ከም ሓብትና ማርያም ነታ እንኮ እተድልይ ሓንቲ ነገር ከምኡ`ውን ካባና ዘይትዉሰድ ጽብቕቲ ግደ ድኣ ንሕረይ። ኣብ እግሪ መንፈስ ቅዱስ እንተድኣ ተቐሚጥና፣ ካብ ኣፉ ንህይወትና ዝኾነና ቓል ክንቕበል ኢና። ንሱ ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ በዓሉ ብቓሉ ከዕብየና እዩ። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ኣብታ መገዲ ሓቂ ዝመላለሱ ጥበበኛታት እምበር፣ ኣብታ መገዲ ሓቂ ዝወድቑ መፍረስቲ እታ ሓቂ ኣይክንኸዉንን ኢና። ብዝተረፈ እዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ይጠቕማና እየን እሞ ነንብበን።
📖 ሆሴእ 14፣9
መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ጻድቃን ይመላለስሉ፣ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፣ ነዚ #ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ #ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ፡
📖 ሉቃስ 6
47፤ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየ፥ 48፤ ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ #ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ #ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። #ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ #ምንቕናቓ ሰኣነ።
መደምደምታ
========
2ይ ቆረ 11፣13–15
13፤ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14፤ ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። 15፤ ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ