ትዂል መሎኮታዊ ሓቂ ብዛዕባ ክርስቶስ የሱስ

1ይ ዮሃንስ 4፣9
ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና።
መእተዊ
=====
ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስጋ ሰብ ምልባሱ ትስብእቲ ዘለዎ መሎኮት እዩ ነይሩ። ከም ትስብእቲ ዘለዎ መሎኮታዊ ቃል ኾይኑ ድማ፣ ንኹሉ ብኣዒንትና ዝርኣዩን ዘይርኣዩን ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። ንሱ መጀመርያ መዓልቲ የብሉን፣ መወዳእታ መዓልታት እዉን የብሉን።
ኣስታት ቅድሚ 2000 ዓመታት ድማ ነቲ ዝወደቐ ዘርኢ ኣዳም ምእንቲ ከድሕን፣ንሱ እቲ ብመጀመርያ ዝነበረ፣ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረ፣ ኣምላኽ እዉን ዝኾነ፣ ብፍታው ፍቓዱ ኣብ ስጋ ሰብ ክሓድር ፈተወ። ስጋ ሰብ ብምዉሳዱ ድማ፣ ኣብ ስጋ ዝሓደረ ምልኣት መሎኮት እዩ ኾይኑ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ እቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነን ትስብእቲ ዘለዎ መሎኮታዊ ቓልን ስጋ ሰብ ብምዉሳዱ ፍጹም ኣምላኽ–ፍጹም ሰብ እዩ ኾይኑ።

ጥንታዊ ህላዌ ክርስቶስ የሱስ
===================
ብመሰረት እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት፣ የሱስ ክርስቶስ ሓደ ትስብእቲ/ኣካል መሎኮት ናይ ኣምላኽ እዩ። ከም ኣምላኽ መጠን ድማ መጀመርያ መዓልታት የብሉን። ነብይ ሚክያስ፣ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ብስጋ ምዉላዱ፣ ኣብ ቑጽሪ ዘይብሉ ጥንታውያን መዓልታት ከይተረፈ ምንባሩ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:–
ሚክያስ 5 (Micah)
1፤ ኣቲ ጓል ጭፍራ፣ ጭፍራኺ ኣክቢ፣ ብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።
2፤ ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ_ጥንቲካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።
🔴 ሃዋርያ የሃንስ እዉን፣ እዚ ወዲ ኣምላኽ ተብሂሉ ዝፍለጥ ትስብእቲ ዘለዎ መሎኮታዊ ቃል፣ ምስ ኣቦ ሓደ መዓልታት ከም ዘለዎ ከምዚ ይብል:–
ዮሃንስ 1 (John)
1፤ ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 2፤ እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። 3፤ ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
🔴 ጐይታ የሱስ በዓሉ እዉን ነዘን ጥንታውያን መዓልታቱ ኣመልኪቱ፣ ቅድሚ ኣቦና ኣብርሃም ምንባሩ ከምዝነበረ በዓሉ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ:–
ዮሃንስ 8፣58
የሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
ዮሃንስ 17፣5, 24
ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። 24፤ ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ።
🔴 ሃዋርያ ጳዉሎስ እዉን፣ ጐይታ የሱስ ቕድሚ ዂሉ ምንባሩ፣ ፈጣሪ ዂሉ ሙዃኑ፣ ከምኡዉን ንዂሉ ኣጽኒዑ ሒዚ ዘሎ ንሱ ምዃኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንረኽቦ (ቆሎ 1፣15–18, እብ 1፣1–3, 8, 2፣10, ኤፌ 3፣9)።

መሎኮትነት የሱስ ክርስቶስ
=================
እዚ ጥንታውያን መዓልታት ዘለዋኦ፣ ብወዲ ኣምላኽ እዉን ዝፍለጥ ትስብእቲ ዘለዎ መሎኮት ንሱ ድማ ክርስቶስ የሱስ እዞም ዝስዕቡ መሎኮት ኣምላኽነቱ ዝገልጹ ስማት ኣለዉዎ:–
▶ ኣምላኽ (የሃ 1፣1, 20፣28, ግብ 20፣28)
▶ ኣማኑኤል (ማቴ 1፣23)
▶ ጎይታ (ሉቃ 9፣34, ግብ 3፣36)
▶ ጎይታ ዂሉ (ግብ 10፣36)
▶ ጎይታ ኽብሪ (1ቆረ 2፣8)
▶ ግሩም፣ መካር፣ ንጉስ ሰላም (ኢሰ 9፣6–7)
▶ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ዘልኣለማዊ ኣቦ (ኢሰ 9፣6–7)
▶ ቅቡእ እግዚኣብሄር (ሉቃ 2፣26)
▶ ወዲ ኣምላኽ (ማቴ 4፣3,14፣33, ሉቃ 22፣70, የሃ 1፣34)
▶ ወዱ (ማቴ 22፣45, የሃ 3፣16–18)
▶ ወደይ (ማቴ 3፣17)
▶ እቲ እንኮ ሓደ ወዱ (የሃ 1፣18, 3፣16–18, 1የሃ 4፣9)
▶ እቲ ቐዳማይን ዳሕራዋይን (ራእ 22፣12–13, 16)
▶ እቲ ኣልፋን ኦሜጋን (ራእ 22፣12–13, 16)
▶ እቲ መጀመርያን መወዳእታን (ራእ 22፣12–13, 16)
▶ እቲ ጎይታ (ግብ 9፣17)
▶ ወዲ እቲ ልዑል (ሉቃ 1፣32, ማር 14፣61)
▶ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ (ግብ 4፣29–30)
▶ እንጌራ ኣምላኽ (የሃ 6፣33)
▶ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ (ማር 1፣24)
▶ ንጉስ ነገስታት ጎይታ ጎይቶት (ራእ 19፣16)
▶ ጎይታን መድሓኒን (2ጴጥ 3፣2)
▶ ቃል ኣምላኽ (ራእ 19፣13)

🔴 እዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና ስማት፣ ንናይ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ፍጹም መሎኮታዊ ኣምላኽነቱ እዮም ዝገልጹ። ብተወሳኺ እዉን ንመሎኮታዊ ኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ዝገልጹ መሎኮታዊ ዕዮታት ኣለዉ እዮም። እምብኣር ንእኡ በይኑ ዝተዋህቡ መሎኮታዊ ዕዮታት/Offices ኣስዒብና ክንርእዮም ኢና።

ንመሎኮታዊ ዕዮታት የሱስ ዝተዋህቡ ስማት
============================
▶ ፈጣሪ (የሃ 1፣3, ቆሎ 1፣16, እብ 1፣1–3)
▶ ማእከላይ (1ጢሞ 2፣4–5, እብ 8፣6)
▶ ርእሲ ማሕበር (ኤፌ 1፣22, ቆሎ 1፣16–24)
▶ መድሓኒ (2ጴጥ 3፣2)
▶ ፈራዲ (2 ጢሞ 4፣1)
▶ ንኹሉ መጽንዒ (እብ 1፣1–3)
▶ ወሃቢ ህይወት (የሃ 10፣28, 17፣2)
▶ ጎይታን ክርስቶስን (ግብ 2፣36)
▶ ትንሳኤን ህይወትን (የሃ 11፣25)

🔴 እዞም ንዕዮ ክርስቶስ ዝገልጹ ስማት እዉን ብተወሳኺ ንናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መሎኮታዊ ኣምላኽነቱን መዓረ ኣቦ እዉን ምዃኑ ዝገልጹ እዮም። ብዝበለጸ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ምዉካሰ ብጣዕሚ ሓጋዚ ክኸዉን እዩ (ዘካ 13፣7, የሃ 5፣17–23, 10፣30–38, 17፣10)።

መሎኮታዉን ሰብኣውን ፍጽምና/ባህሪ ክርስቶስ
===============================
ከም ባህርይ ድማ፣ የሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ዓይነት ሰብኣዊ ይዂን ኣምላኻዊ መዓቐኒታት፣ ካብ ዝኾነ ኣሉታዊ ዝብሃል ባህርይ ነጻን መዓንቐፊ ወይ ጎደሎ ዘይብሉን ኾይኑ እዩ ተረኺቡ። ንኣብነት
🔴 ክርስቶስ የሱስ:–
。ብናይ ሓጢኣት ስጋ ዘይተጠንሰ ቅዱስ እዩ (ሉቃ 1፣35)
。 ፍጹም ጻድቅ እዩ (ኢሰ 53፣11, እብ 1፣9)
。 ፍጹም እሙን እዩ (ኢሰ 11፣5, 1ተሰ 5፣24)
。 ፍጹም ሓቂ እዩ (የሃ 1፣14, 14፣6)
。 ፍጹም ቅኑዕ እዩ (የሃ 5፣30)
。 ፍጹም ብዘይ ተንኮል/ጽያፍ እዩ (1ጴጥ 2፣22)
。 ፍጹም ሓጢኣት ኣልቦ እዩ (2ቆረ 5፣21)
。 ፍጹም ብዘይ ገለ ኣበር እዩ (1ጴጥ 1፣19)
。 ፍጹም ንጹህ እዩ (ማቴ 27፣4)
。 ፍጹም ብዘይ ኽፍኣትን ርኽሰትን እዩ (እብ 7፣26)
。 ፍጹም ምእዙዝ እዩ (የሃ 15፣10, እብ 5፣8–10, ሉቃ 2፣51)
。 ፍጹም ብልቢ ትሑት እዩ (ማቴ 11፣29, ፊሊ 2፣5–11)
。 ፍጹም ምሕረተኛ (እብ 2፣17)
。 ፍጹም ትዕግስተኛ እዩ (ኢሰ 53፣7)
。 ፍጹም ደንጋጺ እዩ (ማቴ 15፣32)
。 ፍጹም ጽቡቕ ዝገበረ እዩ (ግብ 10፣38)
。 ፍጹም ፈቓር እዩ (የሃ 15፣13)
。 ፍጹም ንርእሱ ዘይነበረ እዩ (2ቆረ 8፣9)
。 ፍጹም ምሕረተኛ እዩ (ሉቃ 23፣34)
。 ፍጹም ፍቓዱ ዝሃበ እዩ (ሉቃ 22፣42)

ስም የሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ይጥቐስ
====================================
የሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ትስብእቲ ዘለዋ ኣባል ናይ ስላሴ እዩ። ስሙ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምስ ኣቦን መንፈስ ቕዱስን ብሓባር ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ተሰምዩን ተጸዊዑን ንረኽቦ:–
。ማቴ 28፣19, የሃ 5፣19–23, 14፣1, 23, 17፣3, ሮሜ 1፣7, 2ቆረ 13፣14, 1የሃ 5፣7–8, ራእ 5፣13, 7፣10, 20፣6።

ንኣምላኽነት ክርስቶስ ዝተዋህበ ኣምልኾ
==========================
ኣብ መጨረሻ ድማ፣ የሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽ መጠን ኣምልኾ ተዋሂቡን ተቐቢሉን እዩ። እዚ ንጎይታ የሱስ ዝተዋህበ ኣምልኾ ድማ ካብ መላእኽቲ ሰማይን ካብ ደቂ ሰብን ሙዃኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንረኽቦም ኢና:— ማቴ 4፣9–10, 14፣33, 28፣9, ሉቃ 24፣52, የሃ 5፣23, 14፣14, ግብ 7፣59, ሮሜ 10፣9–13, እብ 1፣6, ፊሊጲ 2፣10–11, ራእ 5፣12–14
🔴 እቲ ዘገርም፣ እዞም ንክርስቶስ የሱስ ኣምልኾ ዝሃብዎ መላእኽቲ ሰማይን ሰባትን፣ ከምኡ ዝዓይነቱ ኣምልኾ ንኽቅበሉ ብቑዓት ከም ዘይሙዃኖም ንሳቶም በዓላቶም ማለት ሰባትን መላእኽትን ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ተኣሚኖም ኣለዉ:–ግብ 10፣25–26, እብ 1፣6, ራእ 22፣8–9)። የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ–ሰብ እዩ!!! ስሙ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።

ኣ ⇨ ሜ ⇨ ን
。。。† † † የሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ † † † 。。。
📖 እብራውያን 13፣8
የ ሱ ስ ክ ር ስ ቶ ስ
☜ ትማል 👇ሎምን ☞ ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።

ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Apologetics, Teaching

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *