ፍጹም ኣምላኽነት ክርስቶስ

📖 ዮሃ 1:1, 14 / ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቃል ስጋ ኾነ።
ኣብዚ ካብቲ ዝሓለፈ ክፋል ዝቐጸለ ድማ፣ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ብንጹር ንምርግጋጽ፣ እቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ ዘብልዎ ናይ ኣምላኽነት ገጸ–ባህርያቱ ኣሕጺርና ክንርእዮም ኢና። ኣቐዲምና ግና፣ ነዛ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘሎና ጥቕሲ (የሃ 1:1,14) ዓሚቚ ዝኾነ መንፈሳዊ ሚስጥር ከምዘለዎ ከነስተብህለሉ ይግባእ። ማለት:–
➡ እቲ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ዝብል ንዘልኣለማዉነት
የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገልጽ።
➡ እቲ “እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ነበረ” ዝብል ንኣምላኽነት
የሱስ ክርስቶስ ይገልጽ።
➡ እቲ “እቲ ቃል እዉን ኣምላኽ ነበረ” ዝብል ቃል ንመሎኮትነት የሱስ ክርስቶስ ይገልጽ።
➡ እቲ “እቲ ቃል ስጋ ኾነ” ዝብል ቃል ድማ ንሰብኣውነት የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገልጽ።
ሕጂ እምብኣር ኣስዒብና እቶም ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ፣ ኣምላኽ እዩ ዘብልዎ 5ተ ኣገደስቲ ናይ ኣምላኽነት ገጸ–ባህርያቱ ክንርእዮም ኢና። እዞም ገጸ–ባህርያት ድማ ናይ ኣምላኽ ፍጽምና እዮም ዝገልጹ። ንርኣዮም:–

1⃣ ዘልኣለማዉነት (Eternity)
===================
ዘልኣለማዉነት ሓደ ፍጽምና ናይ ኣምላኽ ዘመልክት ገጸ–ባህርይ እዩ። እቲ “ብመጀመሪያ ቃል ነበረ” ዝብል ቃል ንዘልኣለማዉነት ክርስቶስ የሱስ እዩ ዘመልክት። የሃንስ መጥመቕ 6ተ ወርሒ ቅድሚ የሱስ ተወሊዱ ክነሱ፣ ብዛዕባ የሱስ ግና “እቲ ቕድመይ ዝነበረ” ኢልዎ ኣሎ (ዮሃ 1:15)። ጐይታ የሱስ በዓሉ ኣብዚ ምድሪ እንከሎ እዉን ብዛዕባ ንዘልኣለማዉነቱ ይዛረብ ነይሩ እዩ። ሓደ ጊዜ ቕድሚ ንናይ እምነት ኣቦና ኣብርሃም ንሱ ምንባሩ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ነይሩ “ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።” (ዮሃ 8:58)። ሱሳን ሽዱሽተን ዓመታት ድሕሪ ትንሳኤኡ እዉን ኣብ ራእይ ዮሃንስ፣ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ብዝብል መንነት ተገሊጽሉ እዩ:–
📖 ራእይ 22:13
ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።
ንሱ፣ እቲ ኣልፋ ማለት መጀመርያ፣ ንሱ እቲ ኦሜጋ ማለት መወዳእታ እዉን ዝኾነ ጐይታ፣ ብገዛእ ርእሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘልኣለማዊ ህልዉና ከምዘለዎ እዩ ዘመልክት።

2⃣ ኣብ ኩሉ ስፍራ ምህላዉ (Omnipresence)
===============================
ኣብ ኩሉ ስፍራ ምህላዉ ድማ እቲ ካልእ ክርስቶስ የሱስ ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ገጸ–ባህርይ እዩ። የሱስ በዓሉ፣ ኣብ ብስሙ ዝተኣከብሉ ኩሉ ቦታ ዘበለ ከምዘሎ ወይ ብህልዉናኡ ከምዝርከብ ኣመልኪቱ ኣብ ማቴ 18:20 “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡” ኢሉ ኣሎ። ብዘይካ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታ ክርከብ ዝኽእል የልቦን። ጐይታ የሱስ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ ምዃኑ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣብ ማቴ 28:20 ኣረጋጊጽሎም እዩ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”።
ሰለዚ፣ ኣብ ኩሉ ብስሙ ዝተኣከበ ይዕበ ይንኣስ ሕብረት ምህላዉ፣ ከምኡ`ውን ኣብ ኩሉ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዝግበር ናይ ወንጌል ምዝርጋሕ ዕዮ ናይ ምህላዉ፣ ናይ ጐይታ የሱስ ናይ ኣምላኽነቱ ገጸ–ባህርይ እዩ።

3⃣ ኩሉ ፈላጥነት (Omniscience)
=======================
ኩሉ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ እዉን ሓደ ካብቶም ንኣምላኽነት ጐይታ የሱስ ዝገልጽ ገጸ–ባህርይ ወይ ፍጽምና እዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ኣመልኪቱ ብኣፉ ንጐይታ የሱስ ከምዚ ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ” (ዮሃ 21:17)። ጐይታ የሱስ በዚ ናይ ኣምላኽነቱ ፍጽምና እዉን ንይሁዳ ኣስቆረታዊ ሰይጣን ኢልዎ ኣሎ። ንይሁዳ ከምቲ ጐይታ ዝፈልጦ ወይ እዉን ክሓስቦን ኽጥርጥሮን ዝኽእል ማንም ፍጡር ኣይነበረን። ከምኡ`ውን ንናትናኤል “ገርሂ እስራኤላዊ” ኢልዎ ኣሎ።
ብዘይ ናይ ኩሉ ምፍላጥ ፍጽምና፣ ማንም ፍጡር ንልቢ ሰብን ንኣምላኽን ብምልኣት ዝፈልጦ የልቦን። ጐይታ የሱስ ንኹሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሓብኤ ይፈልጦ ከምዝነበረ፣ ኣብ ዮሃ 2:24–25 “የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።” ዝብል ጽሑፍ ንረክብ። ከምኡ`ውን ኣብ ራእ 2:23 “ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን።” ይብል። ንኻልኣይ ደረጃ ድማ ንኣቦ ብምልኣት ምፍላጥ ድማ ዝኽእል ፍጡር የልቦን። ጐይታ የሱስ ግና “ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ።” ይብል (ዮሃ 10:15)። ነቲ ዘይምርመር ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጦ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

4⃣ ኩሉ–ኸኣልነት ( Omnipotence)
========================
ኩሉ–ኸኣልነት ሓደ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ዝኾነ ፍጽምና ወይ ገጸ–ባህርይ እዩ። ኩሉ ዝኽእል ፍጡር ፈጺሙ የልቦን! መጽሓፍ ቅዱስና ግና ንናይ ጐይታ የሱስ ኩሉ–ኸኣልነት ብዙሕ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ጐይታ የሱስ፣ ብገዛእ ስልጣኑን ስሙን ምዉታት ኣተንሲኡ እዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ንኹሉ–ከኣልነት ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል “ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።” (ፊሊጲ 3:21)። ኣብ ራእ 1:8 እዉን ጐይታ የሱስ ንርእሱ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
ጐይታ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ከም ፍጹም ኣምላኽ–ሰብ እንከሎ እዉን እንተኾነ፣ መዓረ ናይ ኣቦ ኩሉ–ኸኣልነት ስለዝነበሮ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ “ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።….. ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።” (ዮሃ 5:19, 21)። እዚ ማንም ዘይኽልክሎ ሓይሊ፣ እቲ መሎኮታዊ ናይ ኩሉ–ኸኣልነት ሓይሊ እዩ። ስለዚ የሱስ መሎኮት እዩ።

5⃣ ለዉጢ–ኣልቦነት ( Immutability)
========================
ዘይምልዉዋጥ ድማ ንናይ ጐይታ የሱስ ኣምኽነት ዘመልክት ናይ መጨረሻ ፍጽምና ወይ ገጸ–ባህርይ እዩ። ሰማይ ይኹን ምድሪ ኩሉ ክሓልፍን ከምዘይነበረን ክኸውን እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ብዛዕባ ጐይታ የሱስ ግና “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።” እዩ ዝብል (እብ 13:8)። “..ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን..።” (መዝ 102:25–27)። ነዚ ናይ መዝሙር 102 ሓሳብ ብዛዕባ ኣምላኽነት ጐይታ የሱስ ከም ዝዛረብ ናይ እብራዊያን ጸሓፊ ከምዚ ገይሩ የነጽሮ
📖 እብራውያን 1:10–12
10፤ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11፤ እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኵሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። 12፤ ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል።
መደምደምታ
========
የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ኣምላኽ እዩ!!!
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Short Input

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *