📖 ዘካርያስ 4:6–7 / ሽዑ ንሱ መለሰ፣ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፣ #ብመንፈሰይ እምበር፣ #ብኽእለትን #ብሓይልን ኣይኰነን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
#ኣታ_ዓብዪ_ኸረን፣ #መን ኢኻ፥ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል #ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። #ጸጋ፣ ጸጋ ንእኡ፣ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፣ ኢሉ ነገረኒ።
ኣብ ማእከል እቶም መዓልታዊ ብህይወትና እንሰግሮም ዘሎና ዓበይቲ ኣኽራናት፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይሉን ጸጋኡን ገሊጹ ንኽብሩ ይጥቐመሎም እዩ። ሓደ እዋን፣ ዘሩባቤል ዝብሃል ሓዉና፣ ብጎይታ ዝተዋህቦ ፍሉይ ዕዮ ነበረ። ከምኡ`ውን ነቲ ዕዮ እትኸዉን መለክዒት ገመድ ኣብ ኢዱ ተዉሂባቶ ነበረት። ጸላኢ ድማ ነዚ ነገር ምስ ረኣየ ክድቕስ ኣይክኣለን። ኣብ ህይወት ዘሩባቤል፣ንእኡ ደዉ ኬብሎ ዚኽእል ዓቢ ኸረን ኪሰርሕ ጀመረ። እዚ ዓቢ ኸረን እምብኣር፣ ዘሩባቤል ነዚ ዕዮ ጀሚሩ ምእንቲ ከይዉድኦ፣ ምስሊ እቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝተላዕሉ ከበድቲ ብድሆታት ናይ ህይወት እዩ ነይሩ።
ካብኡ ዝተላዕለ፣ እቲ ነገር ንዘሩባቤል ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንዳኸበደ ይኸይድ ነይሩ። ዘሩባቤል፣ “ከመይ ኢሉ ድኣ እዚ ኹሉ ክስገር እዩ፧ ክሰግሮ ድማ ኣይክእሎን እየ!” ብምባል ደዉ ኢሉ ዝነበረ ባርያ እግዚኣብሄር እዩ። ዘሩባቤል ኣብ ቕድሚ እቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዚርእዮ ኸረን፣ ደዉ ዝበለሉ ጊዜ ክንደይ ሙዃኑ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ግናኸ ኣዝዩ ሓጺር ጊዜ ኣይነበረን። ዘሩባቤል፣ በታ ጎይታ ኣብ ኢዱ ዘትሓዞ መዓቐኒት ገመድ ዕዮኡ ክዓይይ ክብገስ እንከሎ፣ ሰይጣን ድማ ብዝተፈላለየ መገድታት ወይ ኹነታት ወይ ሰባት ተጠቒሙ፣ ይዓግቶን ይማጎቶን ነይሩ።
ግናኸ፣ እዚ ነገር መዓስ ከምዚ ፈጢጡ ስቕ ይብል ኾይኑ! እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ዉሽጢ ከምዚ ዝበሉ ኣሸገርቲ ዂነታት ንርእሱ፣ ብሓይሊ መንፈሱን ጸጋኡን ይገልጽ እዩ። ጎይታ ኣብቲ ዝኸበደን ዝፈጠጠን ጉዳይና ኣብ መንጎ ኪምእክል ይኣትዉ እዩ። ብሓንቲ ቃሉ ገይሩ፣ ነቲ ዓብይ ኸረን ሜዳ ይገብሮ እዩ። ዘሐጉሰኒ ነገር እንተሎ፣ ጎይታ ከም ናይ ያእቆብ፣ ዘሩባቤልን ሙሴን፣ ኣብ ክንዳና ኰይኑ ባዕሉ ኣንጻር ጸላኢና ይማጐተልና ሙዃኑ እዩ።
✔ ኣብ ናይ ያእቆብ፣ በታ ያእቆብ ካብ ጭቖና ላቫን ዝሃደመላ ለይቲ፣ ብናይ ድቃስ ሕልሚ፣ ላቫን ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኢዱ ምእንቲ ከይዝርግሕ፣ ጎይታ ንላቫን ኣጠንቒቕዎ ነይሩ እዩ። እዚ ነገር’ዚ ግና ብጀካ እግዚኣብሄርን ላቫን፣ ያእቆብ ይፈልጦ ኣይነበረን። ዘፍ 31:24
✔ ኣብ ናይ ሙሴ፣ ኣሮንን ሚርያምን ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተላዒሎምሉ ዝነበረሉ ጊዜ፣ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ክንዲ ሙሴ ባርያኡ ኾይኑስ ተማጒትዎም እዮም። ነዚ እዉን ሙሴ ኣይፈልጦን ነይሩ። ዘሁ 12:1–16
✔ ኣብ ናይ ዘሩባቤል ድማ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘሎኹ እዩ። ንዘሩባቤል ዝማጎቶን ደዉ ከብሎ ፈጢጡ ዝቃለሶ ዝነበረ መን ሙኻኑ ብንጹር ኣይፍለጥን እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር በዓሉ፣ ኣብ ክንዲ ዘሩባቤል ኾይኑ፣ ነቲ ዓቢ ኸረን ኪማጐቶን ኣብ ልዕሊኡ ቃል ኪዛረቦን ንርኢ። ነዚ እዉን ዘሩባቤል ይፈልጦ ኣይነበረን። ዘካ 4:6–10
ስለዚ፣ ዝኸበርካ/ኪ ሓወይ ሓብተይ ብብርቱዕ ዝኾነ ብድሆታት እትሓልፍ ክትህልዉ ዝክኣል እዩ። ገሌና፣ ምኽንያቱ ምርዳእ ኣቢዩና እንሽገር ዘሎና ክንህሉ ይከኣል እዩ። ገሌናኸኣ፣ ኣብ ህይወትና ገለ ክቡር ነገር ክንገብር እንዳተበገስና እንከሎና፣ ግናኸ ጽዑቕ ቓልሲ ዝበዝሓና ሰባት ክንህሉ ዝክኣል እዩ። ገሌና ድማ፣ ነቲ ጎይታ ዝሃበና ክቡር ዕዮ ምእንቲ ከይንዓዪ፣ ሰይጣን ብሰባትን ኹነታትን ኣቢሉ ምስራሕ ኪኸልኣና፣ ወይ’ውን ንምስልና ብሓሶት ዘጸልሞ ክንህሉ ዝክኣል እዩ። ገሌና እዉን፣ ነቲ ብጎይታ ዚተዋህበና ዕዮ ምእንቲ ከይንፍጽም፣ ጸላኢ ብዝተፈላለየ መገድታት፣ ኣብ ቤትናን ደቅናን ተላዒሉናስ ጽብብ ዝበለና ክንህሉ ዝክኣል እዩ።
ግናኸ፣ ሕጂ ሓንቲ ነገር ንፈልጥ፣ ጎይታ ኣብ ክንዳና ኾይኑ ነቲ ሕሱም ጸላኢ #ይማጐተልናን #የጠንቕቐልናን ኣሎ እዩ። እቲ ፍትሒ ካብ ገጹ እዩ ዝወጽእ። ስለዚ እቲ ንኣኽራን ከይፈለጡ ዘግዕዞም፣ ከምኡ`ውን ብቑጥዓኡ ዘጥፍኦም እግዚኣብሄር፣ ሕጂ ነቲ ምስጋር ኣብዩና ዝጸንሔ ዓብቲ ኸረን፣ ከይተፈለጦ ሜዳ ገይሩ መርገጺ እግርና ኪኸውን ይምድምዶ ከምዘሎ ክንኣምን ይግብኣና። ስለዚ ከመይ ተቢሉ ከምዝስገርሲ፣ ጎይታ ባዕሉ እዩ ዝፈልጠሉ እምበር ብሓይልናን ብኽእለትናን ኣይኮነን እሞ ብእምነት ምሱጓም ጥራይ! ንሕናኳ እንተዘይፈለጥና፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ግና ስሌና ብስዉር ይሰርሕ ኣሎ። ጉዳይና ካብ ጎይታ ኣይሓለፈን ኣሎ። ጎይታ ባዕሉ፣ ነቲ ዓብዪ ኸረን ተማጒቱ ሜዳ ይገብሮ ኣሎ። ንመርጌታ ብመሰንቆ! ኣሜን
መደምደምታ
========
📖 ዘካርያስ 4:9–10
ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ። ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ፡ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጒሰን ኪርእያኣ እየን።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ