ኣብዘን ሒደት ዓመታት፣ ቁጽሪ ናይ ሰበኽቲ ወንጌል ብርክት ኢሉ ይዓብይ ኣሎ። ዳርጋ ኩሎም እዞም ዝትንስኡ ዘለዉ ሰበኽቲ ድማ ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ስብከቶም ብስም የሱስ እኳ ዝጅምሩ እንተኾኑ፣ ግናኸ ኩሎም ብጅምላ፣ ሓቐኛታት ዓየይቲ ወንጌል እዮም ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና።
ከምኡዉን፣ ሎሚ ኣብዚ ጽሑፍ፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና “ናይ ሓሶት ነብያት” ተብሂሎም ዘለዉ ከመይ ዝበሉ ከምዝኾኑ፣ ካብ ናይ ሓዉና ዎች ማኒ ጽሑፍ ኣሕጺርና ክንርእይ ኢና።
#ሕቶ:– እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና “ናይ ሓሶት ነብያት” ተብሂሎም ዘለዉ ከመይ ዝበሉ እዮም? ብኸመይ ዝበለ መገዲ‘ኸ ክንፈልጦም ወይ ክንፈልዮም ንኽእል?
#መልሲ ፦ ነዛ ቐሪባ ዘላ ኣገዳሲት ሕቶ፣ ሓዉና ዎች ማኒ ከምዚ ክብል ይምልሳ። እቶም ናይ “ሓሶት ነብያት” ከመይ ዝበሉ ሰባት ሙዃኖም እንተፈሊጥናዮም፥ ከመይ ገይርና ከም እነለልዮም ድማ ኣይክንሽገርን ኢና። ስለዚ ኣቐዲምና ካብ መጽሓፍ ቅዱስና ከመይ ዝበሉ ሰባት ሙዃኖም ንርኣዮም።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፣ ብዛዕባ እቶም ብኻልእ መንፈስ ዝመጹ ናይ ሓሶት ነብያትን መምሃራንን ከመይ ዝበሉ ሙዃኖም፣ ጐይታ የሱስ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ፣ ሃዋርያ ዮሃንስ፣ ይሁዳ፣ ከምኡ`ውን ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ዝስዕቡ ኢሎም ኣለዉ:–
▶ ጐይታ የሱስ
📖 ማቴዎስ 24:24
24፤ ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
▶ ሃዋርያ ጴጥሮስ
📖 2ይ ጴጥ 2:1
ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።
▶ ሃዋርያ ዮሃንስ
📖 1ይ ዮሃንስ 2:4
ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
▶ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ፣ ይሁዳ 1:2–16 ዘሎ ይነበብ
▶ ሃዋርያ ጳዉሎስ ( 1 ጢሞ. 4; 2 ጢሞ.3 ይነበብ)
📖 ግብ 20:29–30
ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም። ክብሉ ተዛሪቦም ኣለዉ።
መለለዪ ናይ ሓሶት ነብያት
================
፨ ካብቲ ሓደ ዓብይ መለልዪ ናይ ሓሶት ነብያት፥ ሓሶት እዩ። ማለት:–
✔ ኣምላኽ ዘይበሎም ክነሶም፣ ሓስዮም ካብ ርእሶም
ይዛረቡ። (ኤር 14:14; 23:25; 27:10, 14;
ህዝ 13:8) ይነበብ።
✔ ካብቶም ጽሑፋት ወጻኢ ይዛረቡ። ነቶም ጽሑፋት እዉን
ይነጽግዎ (ኤር. 5:13; 23:16, 26, 30; 29:9; ህዝ.
13:3, 6, 17) ይነበብ።
✔ ነቲ ዝሰምዖም ህዝቢ፣ ርግጽነት ዘይብሎም ወይ እዉን
ባዶ ዝኾኑ ናይ ምብልጻግ ከንቱ ተስፋታት ይህብዎም
(ኤር. 6:14; ህዝ. 13:19; ኤር. 14:13, 15-16;
23:17, 21; 27:9; 28:16) ይነበብ።
✔ ኣዝዮም ስሱዓት እዮም (ኤር. 6:13; ሚክ 3:11) ንበብ።
✔ እቲ ዝምህርዎ ምህሮ ጥዑም ይመስል፣ ግናኸ ንሰብ
ኣብ ህይወቱ፣ ሸለልትነትን ካብ ቅድስና ወጻኢ ዝኾነ
ናብራ ንኽነብር ዘተባብዕ ወይ ዘለማምድ ምህሮ
ይምህሩ (ኤር. 5:31; 23:14, 27, 32; ህዝ. 13:22)
ይነበብ።
እወ ሎሚ ክብሃል እንከሎ እዉን፥ እቶም “ነብያት ኢና በሃልቲ” ንርእሶም ከም ኣብ ሓደ ካልኦት ዘይበጽሕዎ ላዕለዋይ ደረጃ ዝበጽሑ ገይሮም እዮም ዝስእልዋ። ካብዚ ዝተላዕለ፣ እቲ ካልእ ኣማኒ ኣብ ቅድሜኦም ክርኤ እንከሎ፥ ከም ሓደ ቕሩብ ድሕር ኢሉ ዘሎ ሰብ ኮይኑ እዩ ዝቁጸር። ወረ ኣይዉረድ እምበር፣ ነቲ ዝብልዎ ዘበለ ኩሉ ምዉሓጥ ይኣብየካ ምህላዉ እንተድኣ ፈሊጦም ድማ ፥ ከም ሓደ ፈጺሙ ብኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ ገይሮም እዮም ዝፈርዱኻን ዝመዝኑኻን።
፨ ብሓፈሻኡ ፣ እዞም ናይ ሕጂ ናይ ሓሶት ነብያት እዉን:–
✔ #ሓሰዉቲ እዮም
📖 2ይ ጴጥሮስ 2:15
ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ።
✔ #ጠወይቲ እቲ ቃል እዮም። ማለት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ፣ ከምዘለዎ ብምሉኡ ንኽቕበልዎ ኣዝዮም ዝሽገሩ ሰባት እዮም
📖 2ይ ጴጥሮስ 3:16
,,,,,,,,,, እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ።
✔ ዓየይቲ #ርእሶም እዮም። ሰባት ምስቲ ንሳቶም ዝብልዎ ምእንቲ ክሰማምዑ ናብ ርእሶም ዘቶኮረ መዋዕዉዒ ይገብሩ።
📖 2ይ ቆረንቶስ 11:13
ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።
✔ ናይ #ሓሶት_ተስፋ ዝህቡ እዮም። ማለት ፈጺሞም ዘይኾኑ ወይ እዉን ፍጹም ዘየለዉ ተስፋታት ይህቡ።
📖 2ይ ጴጥሮስ 2:19
እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ።
✔ ክብሪ ርእሶምን #ተድላን ዝደልዩ እዮም። ማለት ካብ ሰብ ፍሉይ ክብርን ዝናን ንኽቕበሉ ብርእሶም ኣዝዮም ዝተተሓዙን፣ ተድላ ዝባህቶኦምን እዮም ።
📖 ይሁዳ 1:16
እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።
📖 2ይ ጢሞቴዎስ 3:4
ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።
✔ ካብቲ ስሩት መሰረት ኣዝዮም ዝርሓቁ ክነሶም፣ መስረትን ሰብ ራእይን ኢና ብምባል፣ ቦታን ክብርን እቲ መስራቲ ማሕበሩ ዝኾነ ክርስቶስ ይወስዱ።
📖 1ይ ቆረንቶስ 3:10–11
ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን ,,,,,
መደምደምታ
========
ጎይታ የሱስ፣ ኣብ ወንጌላት ንጸላእትና ከነፍቕሮም፥ ንዝሰጒና እዉን ክንምርቆም ከምዝግብኣና ብንጹር ምሂሩና ኣሎ። እንተኾነ ግና፣ ብዛዕባ እቶም “ነታ ሓቂ ብሓሶት” ንኽቕይርዋ ብኻልእ መንፈስ ዝመጹ ናይ ሓሶት ነብያትን መምሃራንን ግና፣ ስቕ ኢልና ምእንቲ ከይንርእዮም ፣ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ከምዚ ዝበሉ ምዕዶታት ንረክብ፦
📖 2 የሃ 1፡10
ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ።
📖 ይሁዳ 1፡4
ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።
ዂላትና እሙናት ክንኸዉን ጐይታ ይደግፈና!
ካብ ናይ ዎች ማኒ ዝበሎ ጽሕፍቲ ዝተወከስክዋ፣ ከምኡ`ውን ገለ ገለ ሓሳባት በዓለይ ዘስፋሕኩላን ጽሕፍቲ እያ።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ