#ሰረተ–ትምህርቲ #ክርስቶስ

📖 ዮሃ 1, 14 / 1፤ ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 14፤ እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
ሰረተ–እምነት ወይድማ ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ሓደ ካብቶም ናይ ክርስትናና ዓንዲ ሕቆ ዝኾነ ትምህርታት እዩ። ክርስቶስ ዘይብሉን ዘየማእኽሎን እምነት፣ ሃይማኖት እምበር ክርስትና ፈጺሙ ኣይኮነን። ክርስቶስ የልቦን ማለት እቲ ሓቐኛ ክርስትና የልቦን ማለት`ዩ። ስለ`ዚ ክርስቶስ ናይ ኩሉ #ማእከልን #ርእስና ብሙዃኑ፣ ትምህርቲ ክርስቶስ ድማ ቐንዲ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ።

ካብ ትዕዝብተይን ዉሱን ተሞክሮይን ክዛረብ ወይ ክጽሕፍ እንተድኣ ኾይነ፣ ኲሉ እቲ ኣብ ዘመንና ዘሎ እሞ፣ እምነት ብዙሓት ድማ ኽገማጥልን ዝርእዮ ምህሮ እንተሎ እቲ:–
#⃣ ንፍጹም ኣምላኽነት ወይ ንፍጹም ሰብነት ክርስቶስ
ዝጻረር
#⃣ ንዘልኣለም ዉሉድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝጻረር
#⃣ ክርስቶስ ብስጋ ምግላጹ ዝጻረር
#⃣ ክርስቶስ ብስጋ ሙማቱ ብመንፈስ ግና ህያው ሙዃኑ
ዝጻረር። ……ወዘተ ዝበለ ምህሮ እዩ።

ድሕሪ ሃዋሪያት፣ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን እዉን፣ ኩሉ እቲ ኣብ መንጐ እቶም ናይ እምነት ኣቦታት ዝነበረ ዘይምርድዳእ፣ ምስ “መንነትን ኣምላኽነትን ክርስቶስ” ዝተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ጊዜ፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ንጹር ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢት ምሓዝ ማለት ኣዝዩ ወሳኒን ኣዉራ ነገርን እዩ።
ብዛዕባ “መንነት፣ ዕዮን፣ኣምላኽነትን ክርስቶስ” ሓቐኛ ዝኾነ ርድኢት ምሓዝ ማለት፣ ኣብ ሓደ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈሳዊ ብስለት ወይ ብጽሕና ምብጻሕ ማለት እዩ። ስለዚ ኣስዒብና፣ ነቲ መእተዊ ዝኾነና ሓሳብ ቅድሚ ምርኣይና፣ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ብጸጋ ጐይታ እንድህስሶም ኣርእስትታት ድማ ኣፋሊጠኲም ምእንቲ ክጸንሕ እነዉ:–

0⃣1⃣ መእተዊ
0⃣2⃣ ስብእና ናይ ክርስቶስ (Personality)
0⃣3⃣ ስማት ናይ የሱስ (Names)
0⃣4⃣ ቅጽል–ስማት ናይ የሱስ (Titles)
0⃣5⃣ ሓድነት ስብእና ናይ የሱስ (United personality)
0⃣6⃣ መሎኮት ናይ የሱስ (Diety)
0⃣7⃣ ሰብነት ናይ የሱስ (Humanity)
0⃣8⃣ የሱስ ከም ማእከላይ (Centrality)
0⃣9⃣ የሱስ ከም ዳሕረዋይ ኣዳም (Last Adam)
1⃣0⃣ ናይ የሱስ ነብይነት ኦፊስ (Prophet)
1⃣1⃣ ናይ የሱስ ሊቐ–ክህነት ኦፊስ (Priest)
1⃣2⃣ ናይ የሱስ ንግስነት ኦፊስ (King)
1⃣3⃣ የሱስ ከም ፈራዲ (Judge)
1⃣4⃣ ናይ የሱስ ዉዱእ ዕዮ ምድሓን (Finished Work)
1⃣5⃣ ናይ የሱስ ምዉራድ (Humiliation)
1⃣6⃣ ናይ የሱስ ትስብእትነት (Incarnation)
1⃣7⃣ ናይ የሱስ ሓጢኣት ዘይምግባር (Sinlessness)
1⃣8⃣ ናይ የሱስ ኬኖሲስ (Kenosis)
1⃣9⃣ ናይ የሱስ ብድንግልና ምዉላዱ (Virgin Birth)
2⃣0⃣ ትምህርተ ማርያም (Maryology)
2⃣2⃣ ናይ የሱስ ምእዛዝ (Obedience)
2⃣3⃣ ናይ የሱስ ሞት (Death)
2⃣4⃣ ናይ የሱስ ጸበባ (Suffering)
2⃣5⃣ ስነ–ሓሳባት በጃነት (The Atonement Theory)
2⃣6⃣ ስፍሓት/ዓቐን በጃነት (Scope of atonement)
2⃣7⃣ ናይ የሱስ ናብ ሲኦል ምዉራዱ (Jesus in hell)
2⃣8⃣ ናይ የሱስ ምኽባር /ኽብረት (Exaltation)
2⃣9⃣ ናይ የሱስ ትንሳኤ (Resurrection)
3⃣0⃣ ናይ የሱስ ዕርገት (Ascension)
3⃣1⃣ ናይ የሱስ ኣብ የማን ኣቦ ምቕማጥ (Sitting)
3⃣2⃣ ናይ የሱስ መንጎኝነት (Mediation)

1⃣ መእተዊ
=======
ሰረተ–ትምህርቲ ስብእናን ዕዮን ናይ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ጐይታ የሱስ ዘልኣለማዊ ቃል ምንባሩን ስጋ ሙዃኑን፣ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ንናይ ምድሓንና ዕዮ ክብል፣ ካብ ትስብእቱ ክሳዕ ኣብ የማን ኣቦኡ ዝተቐመጦ መስርሕ ዘጠቓለለ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ።
ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፣ ሰረተ–ትምህርቲ ክርስቶሎጂ (ማለት ስነ–መሎኮት ክርስቶስ)፣ እቲ ማእከላይ ሰረተ–እምነት ክርስትና ኾይኑ፣ ንኹሉ መሎኮትነት፣ ትስብእትነት፣ ከምኡ`ውን ንዕዮ ምድሓን ክርስቶስ፣ ብዕሞቆት ዘርእይ ወሳኒ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ስነ–መሎኮት ክርስቶስ፣ ካብቶም ግቡእ ምላሽ ዝረኽቡ ገለ ብዙሓት ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም :–
#⃣ ክርስቶስ ብኸመይ መምዘኒታት እዩ ከድሕነና ዝኽእል?
#⃣ ክርስቶስ ኣብ ምድሓንና ከመይ ዝበለ ኣበርክቶ ኣለዎ?
#⃣ ክርስቶስ ኣብ ምድሓንና እንታይ ዝበለ ኦፊስ ኣለዎ?
#⃣ ክርስቶስ ኣብ ምድሓንና፣ ኣብ ክንዳና ኾይኑ ዝኾኖን

ዝገበሮን እንታይ እዩ?

ክርስቶስ ሓደ ካብቲ ሰለስተ ኣካልነት ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽ ብሙዃኑ፣ ብዛዕባ “ክርስቶስ” ምጽናዕ ማለት፣ ብዛዕባ “ኣምላኽ” ምጽናዕ ማለት እዉን ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን። እቲ ዝመጸ እሞ ንዕዮ ምድሓንና ሰሪሑ ዝወድኤ፣ ንሱ “ምሉእ ኣምላኽ” ከምኡ`ውን “ፍጹም መሎኮት” እዩ። ንምድሓንና ክብል ግና መልክዕ ሰብ ዝወሰደ፣ ሰብ እዉን እዩ። ግናኸ፣ ክርስቶስ፣ ናብ ናይ መሎኮትነት ባህሪ ዝተሓወሰ ባህሪ ሰብ ጥራይ ኣይኮነን። ንሱ እቲ ካልኣይ ኣባል ወይ ኣካል ናይ ስላሴ እዩ። ንሱ እቲ እንኮ ፍጹም መድሓንን፣ እቲ እንኮ ፍጹም ሓደ ማእከላይን ሙዃኑ ብዕምቈት ምርዳእ የድሊ።

እዚ ማእከላይነት/ መንጐኛነት ናይ ክርስቶስ፣ እቲ ሓደ ኣብ ምድሓንና ዝተገልጸ ናይ #ነብይነት ኦፊስ ናይ ክርስቶስ እዩ። እቲ ክርስቶስ ኣብ መንጎ መሎኮትነትን ሰብእነትን ኾይኑ፣ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምትዕራቕ ስርሑ ድማ እቲ ናይ #ሊቐ_ክህንነት ኦፊሱ ጐሊሑ ይርኤ። እቲ ንኹሉ መሰልን ነገርን ሰብ ወዲኡ፣ ኣብ የማን ኣቦ ከም ዝመጽእ ፈራዲ ኾይኑ ምቕማጡ ድማ፣ እቲ ናይ #ንግስነት ኦፊሱ ይግለጽ።

መደምደምታ
========
እምብኣር ነዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ናይ እምነት ኣቦታትና (Apostles’ Creed) ከይተረፉ ኣብ ጊዜኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ሓጸርቲ ቓላት ገይሮም ክጸምቕዎ ፈተኒኖም ነይሮም እዮም:–
“ንሕና ብየሱስ ክርስቶስ ንኣምን። ንሱ እንኮ ወዲ ኣምላኽ ከምኡ`ውን ጐይታና እዩ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠንሰን ዝተወልደን፣ ኣብ ኢድ ኣህዛብ ዝተሳቐየ፣ ብምኽንያት ሓጢኣትና ዝተሰቕለ፣ ኣብ ክንዲ ሞትና ሞት ዝጥዓመ፣ ዝተቐብረ፣ ንጽድቕና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተንስኤ፣ ናብቲ ናይ ዘልኣለም ኽብሩ ዝዓረገ፣ ሕጂ ድማ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐሚጡ ዝርኣየልና፣ ደሓር ድማ ዳግም ብኽብሪ ዝግለጽ እዩ! “። ዝብል እዩ። ኣሜን! “እወ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ሞተን ተንስኤን ዓረገን ተቐመጠን” ዝብል ስነ–መሎኮት፣ ብዂሉ መዓቐኒ፣ እቲ ዝጸረየ ከምኡ`ውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ መሰረታዊ ምህሮ እዩ።

ክንበባ ዘለወን ጥቕስታት
================
• የሃ 1:1–3
• ቆሎሴ 1:15–20
• ፊሊጲ 2:5–11
ናብ #ስብእና ክርስቶስ ዝብል ምህሮ ይቕጽል……
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Audio Sbket, Short Input

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *