ሮሜ_7 ብጣዕሚ ኣገዳሲት ምዕራፋ!

📖 ሮሜ 7:25 / ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።

ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ሙዃን ማለት ኣብ ንብረት እቲ ደረት–ኣልቦ ዝኾነ ጸጋ ኣምላኽ ምእታውን ምቕማጥን ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸጋ፣ ማለት ብኸምኡ ዝዉሃበካ ክእለት ኣምላኽ ምስ ኣቶኻ፣ ዝኸዉን ቐዳማይ ነገር እንተሎ፣ በዓልኻ ምንባር ደዉ ምባል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ደረት–ኣልቦ ዝኾነ ክእለት ኣምላኽ እዩ ኣባኻ ዝነብር። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣባኻ ህያው ኮይኑ ዝነብር መንፈስ ኣምላኽ እዩ ንኹሉ መዘወር ህይወትካ ክቆጻጸሮ ዝጅምር። እዚ ኣባኻ ክነብር ዝጀመረ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ፣ ነቲ ኣብ ስጋኻ ጠቢቑ ዝነበረ ሓይሊ ሓጢኣት ስዒሩ፣ ብጽድቅን ቅድስናን ዝተመልኤ ዕዉት ዝኾነ ህይወት ከመላልሰካ ይጅምር። ንስኻ ዘይትነብረሉ፣ እቲ ኣባኻ ዝሓደረ መንፈስ ዝነብረሉ ካልእ ዓይነት ህይወት ይኸውን ማለት`ዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ነዚ ነገር`ዚ ከም`ዚ ክብል ይገልጾ: –

📖 ገላትያ 2:20
ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

ስለዚ ንርእስኻ ክትብል ዘይትነብረሉ፣ ኣብ ክንዲ ርእስኻ ክትብል እዉን ዘይትሞተሉ እዩ ዝኸውን። እቲ ኣባኻ ዝነብር ክርስቶስ ይኸውን፣ እቲ ንስኻ እትነብሮ ድማ ብእምነት በቲ ዘፍቐረካን ምእንታኻዉን ነፍሱ በጃ ዘሕለፈልካ ወዲ ኣምላኽ ይኸውን። ካብዚ ወጻኢ፣ ካልእ ታሪኽ ዘይብልካ፣ ዳግም ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ዝኾንካ ካልእ ሰብ ትኸዉን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ህይወት ወይ መንነት ድማ ምግዱርነት ይኹን ዂነኔ ዝብሃል ፈጺሙ የልቦን። ስለ`ዚ እዩ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 8:1 “ሓደ`ኳ ብክርስቶስ እንተኣልዩ ኲነኔ የብሉን” እንዳበለ ንልቢ ዘዕርፍ ዝዛረብ።

ሎሚ ግና፣ ገለ ሰባት ብሰንኪ ብግብሪ ሕጊ ክጸድቁ ምድላዮም፣ ገለ እዉን ብክርስቶስ ኣሚኖም ክነሶም ግናኸ ነቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ጸጋ ብዘይምርዳኦም፣ ኣብ ምግዱርነትን ዂነኔን ዝብሓቶ ህይወትን መንነትን ተሸሚሞም ከይህልዉ እሰግእ እየ። ሰብ ሓድሽ ኪዳን ክነስኻ፣ ብንብረት ብሉይ ኪዳን ከይትህልዉ ደዉ ኢልካ ምሕሳብ የድልይ ዘሎ ኾይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። እምብኣር ካብዚ ተበጊሰ፣ ሎሚ ብዛዕባ ሮሜ ምዕራፍ 7 ከምኡ`ውን ሮሜ 8 ክህልወና ዝግብኦ ምርዳእ ከመይ ክኸዉን ከምዝግብኦ ኣልዒለ ክዛረብ ደስ ይብለኒ።

ብዛዕባ ሮሜ 7 ዘለዉ ክልተ #ኣረኣእያታት
==========================
ሮሜ 7 ሓንቲ ካብተን ዝበርትዓት ወይ ክፍሊ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ኣብዛ ምዕራፍ ብዙሓት ዓበይቲ መምሃራን ይኹን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣረኣእያታት ይዉግኑ።

1⃣ እቶም ሓደ ወገን፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 7ተ ብዛዕባ ድሕሪ ናብ ጐይታ ምምጻኡ ዝነበሮ ናይ ህይወት ምዕራፍ እዩ ዝዛረብ ይብሉ። ስለዚ ብጐይታ ዳግም ዝተወልደ ሓድሽ ፍጥረት እዉን ኣብ ኸምዚ ዝበለ ናይ ህይወት ምዕራፍ ይሓልፍ ክህሉ ንቡር እዩ ኢሎም ይምግቱ። ምኽንያቱ ንቕድስና ክንመጣር እንከሎና ካብ ስጋና ዝልዓለና ገድሊ ዘመልክት ምዕራፍ እዩ ይብሉ።

2⃣ እቶም ሓደ ወገን ድማ፣ ያእ ፈጺሙ ኣይፋሉን፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብዚ ናይ ሮሜ 7ተ ዓዉዲ ጽሑፍ፣ ሰብ ቅድሚ ናብ ሓድሽ ንብረት ናይ ጸጋ ብእምነት ምእታዉ፣ ኣብ ትሕቲ ንብረት ሕጊ ኮይኑ ብርእሱ ነቲ ትእዛዛት ፈጺሙ ምእንቲ ክጸድቕ ኢሉ ክነብር እንከሎ ዘሕልፎ ናይ ዉሽጢ ቃልሲ ወይ ወጥሪ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ይብሉ። ስለ`ዚ እዚ ካብ ንብረት ጸጋ ወጻኢ ዝኾነ ህይወት ምበር ፍጹም ኣብ ንብረት እምነትን ጸጋን እንዳሃሎኻ እትነብሮ ንብረት ኣይኮነን ኢሎም ይምግቱ።

ኣነን ንስኻትኩምን‘ከ ብዛዕባ ሮሜ 7ተ እንታይ ንብል፧

ናይ ገዛእ ርእሰይ ምርዳእ
================
ኣነ ብዉልቐይ፣ ሓደ ኣማኒ ብዛዕባ ሮሜ 7ተ ዝሕዞ መረዳእታ መዘወር ናይቲ ዝነብሮ ህይወት እዩ ዝብል ጽኑዕ መረዳእታ ኣሎኒ። ማለት ሮሜ 7ተ ክፋል ህይወት ክርስትና እዩ ዝብል መረዳእታ ሒዝካ እትነብሮ ቅዲ ህይወትን፣ ያእ ኣይፋሉን! ሮሜ 7ተ ፈጺሙ ነቲ ብእምነት ብጸጋ እትነብሮ ናብራ ዝዉክል ኣይኮነን ኢልካ እትነብሮ ቅዲ ህይወትን ሰሜንን ደቡብን እዩ ፍልልዩ ክብል እደፍር። ምኽንያቱ፣ ቅዲ ህይወትና ነጸብራቕ ወይ እዉን ዉጽኢት እቲ ሒዝናዮ ዘሎና መንፈሳዊ ምርዳእና እዩ። ስለ`ዚ ናይ ሮሜ 7ተ ምርዳእኻ/ኺ ኣብቲ እትነብሮ ቅዲ–ህይወትካ/ኪ ወሳንን ፈረቓን እዩ።

ብወገነይ፣ ሮሜ 7ተ፣ ፈጺሙ ክፋል እቲ ብንብረት ጸጋን እምነትን እንነብሮ ህይወትን መንነትን ሓድሽ ኪዳን ፈጺሙ ኣይኮነን ዝብል ምርዳእ ኣሎኒ። ሮሜ 7ተ፣ ሓደ ብእምነት ኣብ ጸጋ ዝነብር ዳግም ዝተወልደ ኣማኒ፣ ክነብሮን ክሓልፎን ዝኽእል ህይወትን መንነትን እዩ ዝብል ምርዳእ ፈጺሙ የብለይን። ማለት፣ ሓደ ካብ እምነትን ጸጋን ወጻኢ፣ ብገዛእ ርእሱ ትእዛዛት ብምሕላዉ ምእንቲ ክጸድቕን ንኣምላኽ ከስምርን ኢሉ ዝቃለስ ሰብ ዝነብሮ ዘይንቡር ህይወትን መንነትን እዩ በሃሊ እየ። ግናኸ፣ ካብ ዝኾነ ብጐይታ ሓወይ ወይ ሓብተይ ድማ በቲ ካልእ ምርዳእ ክብዳህ ይኹን ብጽሞና ክሰምዕ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ እዩ እሞ፣ ካልእ ምጉት ክሰምዕ ድልዉ እየ። ንምጒተይ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ የቕርበልኲም ኣሎኹ:–

ትሕዝቶ ምጉተይ
==========
ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ንመልእኽቲ ሮሜ ክጽሕፋ እንከሎ ኣብ ጐይታ ኣስታት 20–23 ዓመታት ገይሩ ነይሩ ዝብል ሓቅነት ዘለዎ ግምት ኣሎ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ናብ ጐይታ ምጽእ ዝበለለን 2–3 መዓልታት መንፈሳዊ ኣዒንቱ ተኸፊተን ራእይ ምርኣይ ከይተረፈ ዝጀመረ ሰብ እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ድማ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸረ፣ ናብ ምድሪ ደማስቆ ምስ ከደ ድማ፣ ብዝርኤዮን ብዝሰምዖን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ክኸዉን፡ ፍቓድ እቲ ዝጸዉዖ ዝፈለጠ፣ ነቲ ጻድቕ ዝርኣየ፣ ከምኡ`ውን ካብ ኣፉውን ብቐጥታ ቃል ዝሰምዔ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ (ግብ 22:14–15)።

ነዚ ካብ ክርስቶስ እምበር ካብ ሰብ ወይድማ ብቅዲ ሰብ ዘይተቐበሎ ምህሮ ጸጋ ድማ ንመጀመርያ ጊዜ ብጽሑፍ መልክዕ ቅድም ኹሉ ኣብ ገላትያ ብ48–49 AD ከስፍር ክጅምር ንርእዮ። ስለ`ዚ እቲ ኣብ ገላትያ ዘለዎ ናይ መጀመርያ ብዛዕባ ሕግን ጸጋን ዘለዎ ምርዳኡ እንዳረኣኻ፣ ኣብቲ ድሕሪ ገላትያ ድሕሪ 21 ዓመታት ዝኸዉን ዝጽሕፎ ዘሎ መልእኽቲ ሮሜ መጺኻ፣ ጳዉሎስ በቲ ኣብ ሮሜ 7ተ ተጻሒፉ ዘሎ ህይወትን መንነትን እዩ ነይሩ ምባል ፍጹም ርትዓዊ ኾይኑ ኣይስምዓንን። እቲ ዘገርም ነገር፣ ኣሹንካይ ኣብ ሓድሽ ንብረት እምነትን ጸጋን ኾይኑ፣ ኣብ ንብረት ሕጊ እንከሎ እኳ ከይተረፈ፣ በቲ ዝነበሮ ቅዲ ህይወት ደረቱ ክነፍሕ ምበር “እዋይ ኣነ ምግዱር” እኳ ክብል እንከሎ ኣይንርእዮን ኢና። እሞ ንእግረ መገደይ ነቶም ሃዋርያ ጳዉሎስ ናብ ጐይታ ድሕሪ ምምጻኡ ኣብ ስጋኡ ከቢድ ዝኾነ ሓጢኣት ገይሩ ኣብ ድኻም ስለዝነበረ፣ እቲ ኣብ ሮሜ 7ተ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓሳብ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወትን መንነትን እዩ እትብሉ ሰባት እዉን ፍጹም ጌጋ ዝኾነ ምጒት እዩ እብለኩም ኣሎኹ።

ገለ እዉን፣ ሓደ ኣማኒ ብጸጋ ኣምላኽ ናብ ሓደ ፍሉይ ናይ ቅድስና ደረጃ ምእንቲ ኽበጽሕ ክመጣጠር እንከሎ፣ ካብ`ቲ ብብልሒ ሓጢኣት ዝተተሓዘ ስጋኡ ኣብ ዉሽጡ ዝልዓሎ ዉግእ እዩ ሮሜ 7ተ ዝትርኽ ዝብሉ ከምዘለዉ ኣቐዲመ ጠቂሰዮ ኣሎኹ። ብመሰረቱ፣ ህይወት ሓድሽ ኪዳን በቲ ክርስቶስ ዝገበረካ መንነት እዩ ዝጅምር። ነዚ ብክርስቶስ ኣባኻ ዘሎ ሓድሽ መንነት ድማ ካብ ዉሽጢ ንግዳም ህያው ገይሩ ክዉን ዝገብር፣ በዓሉ እታ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ሕጊ ህይወት እዩ። ስለ`ዚ እቲ ካብ ንብረት ሕጊ ናብ ንብረት ጸጋ ዝተሰጋገረ ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መልእኽታቱ ከምዝገለጾ፣ እቶም መቐናቅንቱ ይኹኑ እቶም ንሱ ዘገልግሎም ዝነበሩ ቅዱሳን እኳ እንተኾኑ፣ ንህይወቱ ይኹን ኣገልግሎቱ ዝነቕፍሉ ምኽንያት ክረኽብሉ ዘይኸኣልሉ፣ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ጽድቅን ቅድስናን ህይወት ዝነብር ዝነበረ ሰብ እዩ። ነዚ ሓቂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብሰፊሑ ተመጻርይሉ ኣሎ። እሞ ከመይ ኢሉ ድኣ እዩ እሞ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ እቲ ኣብ ሮሜ 7ተ ዘሎ ምግዱርነትን ዂነኔን ኣብ ዉሽጡ እንዳሃለዎ፣ ነቲ ፍጽምና ዘለዎ ህይወት ዝነብሮ ነይሩ።

ቅዲ ጳዉሎስን ሮሜ 7ተን
================
ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ነቲ ብናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በጃነት፣ ብእምነት ጥራይ ብኸምኡ ብጸጋ ዝርከብ ግሩም ዝኾነ ምድሓን ከመይ ዝበለ ሙዃኑ ካብ ሮሜ 3:21 ክሳብ ሮሜ ምዕ 8 ብዕሙቐት ክገልጾ ንርእዮ። ማለት በዚ ዕዮ በጃነት፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ጸጋ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ሕድገት ሓጢኣት፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ትርፊ ጸጋን ዉህበት ጽድቅን፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ሰላም ምስ ኣምላኽ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ካብ ቁጥዓ ኣምላኽ ምድሓን፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ካብ ኲነኔ ሓራ ምዉጻእ ….ወዘተ ኣቲና ወይ ተቐቢልና ከምዘሎና ዘፍልጥ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ጸጋ ምህሮ ይምህር። ኣብ ሮሜ 7ተ ግና፣ ብሓደ ምኽንያት ነዚ ናይ ጸጋ ምህሮ ኣቋሪጹ፣ ብዛዕባ እንታይነት “ንብረት ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” ኣስፊሑ ክዛረብ ክደሊ እንከሎ ንርእዮ።

ነዚ ንምግባር ድማ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ ፈልዩ ነቶም ቕድሚ ናብ ጐይታ ምምጻኦም ኣብ ንብረት ሕጊ ዝነበሩ ኣመንቲ፣ ካብ ጸጋ ወጻኢ፣ ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትእዛዛት ብምፍጻም ክትጸድቅ ምፍታን ከመይ ዝበልዎ ምግዱርነት ሙዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ከረድኦም ዝደለየ ይመስል። በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ሮሜ 7:1 መኽፈቲት ኣፉ “ወይስ ኣሕዋተየ፡ #ነቶም #ሕጊ #ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ዝብል ነቶም ሕጊ ዝፈልጡ ንኣይሁድ ዘቶኮረ ሓሳብ እዩ። ምኽንያቱ፣ እቶም ኣህዛብ ብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን እዩ።

ስለዚ ሰበይቲ ክሳዕ ሰብኣያ ብህይት እንከሎ፣ ብሕጊ ቃል ኪዳን በዓል ቤታ እስርቲ ሙኻና፣ ሰብኣያ ምስ ሞተ ግና ካብቲ ሕጊ #ፍትሕቲ ሙዃና፣ ብምሳኣሌያዊን ስእላዊን ኣገላልጻ ይጅምር። ብድሕሪ እዚ ምሳሌ ምምጻኡ ድማ፣ ብዛዕባ እንታይነት ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን እኹል ዝኾነ መረዳእታ ምእንቲ ከቕርብ፣ ንርእሱ ኣምሲሉ “ኣነ” “በዓለይ” ዝብሉ ቓላት እንዳተጠቐመ ናብቲ መልእኽቱ ይኣቱ። እቲ “ኣነ” “በዓለይ” ብምባል ብዛዕባ ምግዱርነት እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” ምንባር ምዝራቡ፣ ኣነ እዉን ሕጂ ኸምኡ እየ ማለቱ ኣይኮነን። ግናኸ፣ እቲ ነቲ መልእኽቲ ዘንብብ ወይ ዝሰምዕ ሰብ እዉን፣ ነቲ መልእኽቲ ምስ ገዛእ ርእሱ ኣገናዚቡ ምእንቲ ክነቦን ክሰምዖን ስለዝደለየ ጥራይ እዩ “ኣነ” እንዳበለ ንርእሱ ብምሳሌ ዘቕርባ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ጳዉሎስ ዝጥቐመሉ ዝነበረ ቅዲ ኣጸሓሕፋ እዩ።

ክልተ #ኣገደስቲ ዛዕባታት ሮሜ 7ተ
=====================
እምብኣርከስ፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 7ተ ድሕሪ ሕጊ ኺዳን ሰብኣይን ሰበይትን መእተዊ ገይሩ ምዝራቡ፣ ቐጺሉ ዝዛረበለን ክልተ ኣገደስቲ ዛዕባታት እዘን ዝስዕባ ክልተ ጥቕስታት እየን:–

1⃣ 📖 ሮሜ 7:5
ኣብ ንብረት ስጋ #ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ #ነበረ።

2⃣ ሮሜ 7:6
#ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ #ተፈታሕና።

ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ነዘን ክልተ ናይ #ሕሉፍን ናይ #ሕጅን ኲነት ወይ ህይወት ወይ መንነት ኣማኒ ምእንቲ ከረድእ ክሳዕ ሮሜ ምዕ 8 ክኸይድ እንከሎ ንርእዮ።

እቲ ቐዳመይቲ (ሮሜ 7:5) ብዛዕባ ሕሉፍ ማለት ብዛዕባ እቲ “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” እትዛረብ እያ። ነዚኣ ኣስፊሑ ንኸረድእ ዝተዛረበሎም ጥቕስታት ድማ ሮሜ 7:7–25 እዮም። እታ ካልኣይቲ ዛዕባ (ሮሜ 7:6) ድማ ብዛዕባ እቲ “ሕጊ መንፈስ ህይወት” እያ እትዛረብ። ነዚኣ እዉን ኣስፊሑ ኣስፊሖም ንኸረድእ ዝተዛረበሎም ጥቕስታት ሮሜ 7:25–8:30 እዮም።

ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን
=============
📖 ሮሜ 7:5
ኣብ ንብረት ስጋ #ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና #ትምኒት_ሓጢኣት ይዓዪ #ነበረ።

እዚ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ዝብሃል፣ እቲ ነቲ ሰናይን መንፈሳውን ዝኾነ ትእዛዝ ኣምላኽ ንምፍራስ ኣብ ኣካላት ሰብ ዝነብር ወይ ዝገዝአ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ወይ ሕጊ እዩ። ሰብ ነቲ ሰናይ ዝኾነ ትእዛዝ ኣምላኽ ከስምሮ፣ ድሌትን ፍቓድን እኳ እንተሃለዎ፣ ግናኸ እዚ ካልእ ናይ ሓጢኣት ሕጊ፣ ነቲ ሰብ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ነገር ከይገብር ኣጽኒዑ ብምኽልካል፣ ብኣንጻሩ እቲ ነቲ ሰናይ ክገብር ዝተበገሰ ዘይደልዮ ንኽገብር ኣገዲዱ ዝደፍኦ ሓይሊ ናይ ሓጢኣት እዩ። ስለ`ዚ እቲ ሰናይ ክገብር ፈቒዱን ኣንቒዱን ዝነበረ ሰብ፣ ነቲ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ሓጢኣት ይገብር እሞ፣ ብሓጢኣቱ ድማ ክመዉት ዝገብር ናይ ሓይሊ ሓጢኣት እዩ።እቲ ሰብ ዘይኮነ መዓልታዊ ብገዛእ ፍቓዱ ዝነብር፣ እዚ ሕጊ ሓጢኣት እዩ ኣብ ዉሽጢ እቲ ኣካላት ሰብ ዝነብር። ካብዚ እዩ ድማ እቲ ናይ ምግዱርነት ህይወት ዝበልናዮ ዝምንጩ። ማለት፣ ካብ ቐጻሊ ዝደለኻዮ ዘይምግባር፣ ዘይደለኻዮ ድማ ምግባር ዝኸፍእ ምግዱርነት እሞ እንታይ ኣሎ፧

እቲ ሕጊ ሰናይን መንፈሳዊን እዩ
===================
እቲ ሕጊ ወይ ትእዛዝ ቅዱስን መንፈሳዉን ስለዝኾነ፣ ከመይ ኢሉ እዩ ጠንቂ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ዝኸዉን፧

ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ሮሜ 7:13 ያእ ኣይፋሉን፣ እቲ ጠንቅስ ሓጢኣት ምበር እቲ ትእዛዝ ፈጺሙ ኣይኮነን ይብል። ግናኸ ሓጢኣት ነቲ ክፋእ ዝኾነ ዕላማኡ ማለት ሞት ምእንቲ ከምጽእ፣ ነቲ ሰናይ ዝኾነ ትእዛዝ ተጠቂሙ እዩ ሞት ዘምጽእ ዘሎ ክብል ንክሱ ወይ ምጒቱ ብኸምዚ ዝስዕብ የቕርብ:–

📖 ሮሜ 7
13፤ እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ።

ስለ`ዚ፣ እቲ ሰናይ ዝኾነ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይኮነ፣ እቲ ክፋእን ሓያልን ዝኾነ ሓጢኣት እዩ ንሰብ፣ ማለት ናብ መግደራን ሞትን ዝወስዶ ዘሎ። እቲ ጸለም እምብኣር ናብቲ ሓጢኣት ምበር ናብቲ ትእዛዝ ኣይኮነን ክስንዘር ዘለዎ በሃሊ እዩ!

#ሕቶ:– እሞ ንምንታይ ዕላማ እዩ ድኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ሓጢኣት ብመገዲ ትእዛዙ ገይሩ ስርሑ ክሰርሕ ነቲ ሓጢኣት ፈቒድሉ፧

#መልሲ:– ኣምላኽ፣ እቲ ሓጢኣት መዓረ ክንደይ ክፉእ፣ መርዛምን ሓያልን ሓጢኣት ሙዃኑ ንኹላትና ቅሉዕ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ ፈቒዱ። ምኽንያቱ እቲ ትእዛዝ ኣይትስረቕ እንተዘይብልሲ፣ ምስራቕ ሓጢኣት ሙዃኑ ኣይምተፈልጠን። ስለዚ እቲ ሕጊ ሓጢኣት እዩ ዘፍልጥ ምበር ንሓጢኣት እትስዕረሉ ሓይሊ ግና የብሉን። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ሰብ ብክርስቶስ እንተዘይኮይኑ፣ ፈጺሙ ብሓይሉ ካብዚ ሓጢኣት ክድሕን ከምዘይክእል ምእንቲ ክፈልጥ ኢሉ እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እቲ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ትእዛዝ ሓጢኣት ሙዃኑ ክግለጽ ፈቒድሉ። ምኽንያቱ፣ እቲ ትእዛዝ ወይ ሕጊ ኣምላኽ ሰናይ እኳ እንተኾነ፣ ግናኸ ልዕሊ እቲ ንሞት ዝኸዉን ሓጢኣት ሓይሊ ስለዘይብሉ፣ ሰባት ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ከይፈተው ግዙኣት እቲ ሓይሊ ሓጢኣት ክኾኑ ኣብ ሮሜ 7:13–25 ብንጹር ንርእዮ። እስኪ ሮሜ 7:14 ምርኣያ:–

📖 ሮሜ 7
14-15፤ ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ ሽሕ እኳ እቲ ሕጊ ሰናይን መንፈሳውን እንተኾነ፣ ግናኸ ሰብ ብመገዲ እቲ ሕጊ ኣምላኽ ገይሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽሞን ክቕደስን ኣይክኣሎን እዩ። እቲ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምፍጻም ክቱር ዝኾነ ባህግን ፍቓድን ድሌትን እኳ እንተሃለዎ፣ ክንዮ እቲ ሓይሊ ሓጢኣት ፈንጢሱ ዝኸይድ ሓይሊ እቲ ሕጊ ስለ ዘየለ፣ እቲ ሰብ ከይፈተወ ኣደዳ እቲ ሓጢኣት፣ ከምኡ`ውን ኣደዳ እቲ ሞት እዩ ዝኸውን። ካብዚ ዝተላዕለ፣ እቲ ኣብቲ መንፈሳዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ተስፋ ዝገበረ ሰብ፣ ባርያ ሓጢኣት ኾይኑ እዩ ዝተርፍ። እዝስ ኣየገርምንዶ፧ ዘገርም እዩ፣ መዓልታዊ ናብራኡ “የዋእ ኣነ ምግዱር” እዩ ዝኸውን። ነቲ ዘይደልዮ እንዳገበረ እዩ በቲ ሓይሊ ሓጢኣት ዝእሰር። ነዚ ዓይነት ናይ ምግዱርነት ህይወት ፣ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ በቲ ኣብቲ ብግብሪ እንተጸደቐ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበረሉ ሕሉፍ ታሪኽ ህይወቱ ገይሩ ኣብ ሮሜ 7 ይምስክሮ ኣሎ።

እምብኣር፣ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኾይኑ፣ ፍቓድ ኣምላኽን ጽድቅን እኳ እንተጸምኤ፣ ግናኸ መመሊሱ እዩ ናብ ናይ “የዋእ ኣነ” ምግዱርነት ህይወት ዝሰጥም። እተን መዓልታዊ ዝደጋግመን ናይ መግዱርነት ቓላቱ ድማ እዘን ዝስዕባ ኣብ ሮሜ 7 ተጠቒሰን ዘለዋ እየን እሞ ነስተብህለለን:–

1⃣ የዋእ ኣነ፣ ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ (ቁ 14–15)
2⃣ የዋእ ኣነ፣ ነቲ ዝደልዮ ምግባር ተስኢኑኒ ኣሎ (ቁ 15)
3⃣ የዋእ ኣነ፣ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ (ቁ 14–15)
4⃣ የዋእ ኣነ፣ ትሕቲ ሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ‘የ (ቁ 15)
5⃣ የዋእ ኣነ፣ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ ሓጢኣት
ዘግብረኒ ዘሎ (ቁ 17)
6⃣ የዋእ ኣነ፣ ፍቓድሲ ኣሎኒ፣ ምግባር እቲ ሰናይ ግና
ስኢነዮ ኣሎኹ (ቁ 18–19)
7⃣ የዋእ ኣነ፣ ኣብ ስጋይ ሰናይ ከምዘየልቦ እፈልጥ‘የ (ቁ 18)
8⃣ የዋእ ኣነ፣ እቲ እከይ ዘበለ ከም ዚጠብቐኒ ሕጊ ይኾነኒ ኣሎ (ቁ 21)
9⃣ የዋእ ኣነ፣ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፣ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ እዉን ዚማርኸኒ ካልእ “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” ዝብሃል ኣባይ ኣሎ (ቁ 24)
1⃣0⃣ የዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፣ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ከድሕነኒ እዩ፧ (ቁ 24)

እዋይ ካብዚ ዓይነት ህይወትሲ መን እዩ ከድሕን ዝኽእል፧

እቲ ብግብሩን ብሕግን ምእንቲ ክጸድቕን ክቕደስን ክፍትን ዝኸረመ ሰብ፣ ምኽኣል ተስኢንዎ “የዋእ” ይብል ኣሎ። ኩሉ ዝፍተን ፈቲኑ፣ ካብ ሓይሊ ናይቲ ክፋእ ሓጢኣት ግና ፈጺሙ ክድሕን ኣይተኻእሎን። ኣብ ህይወት እቲ ምግዱር ሰብ፣ ካብ ሓይሊ እቲ ሰናይን መንፈሳዉን ዝተባህለ ሕጊ ኣምላኽ፣ ሓይሊ እቲ ክፋእ ሓጢኣት መመሊሱ ኣብ ልዕሊኡ በርትዔን መለኸን።

📖 ሮሜ 7:24
ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧
ሕቶ:– እሞ መን እዩ ካብ`ዚ ናይ ሞት ስጋ ዘድሕን፧ መን እዩ ካብዚ ክፋእ ዂነኔ ሓራ ዘዉጽእ፧

መልሲ:– ኣብ ካልኣይ ክፋል (ሮሜ 7:30–8:30) ይቕጽል ……..

ካብ ብልቢ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Audio Sbket

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *