ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሓትትን፧

📖 ኤር 29 12፤ ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። 13፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።
እንተደለዮናስ፣ ክንደልዮን ክንረኽቦን እንኽእል ኣምላኽ እምበር፣ ፈጺሙ ስዉር ዝኾነ ኣምላኽ ኣይኮነን እንስዕብ ዘሎና። ብዛዕባ ዝኾነ ዝኸበደና ወይ ሕቶ ዝኾነና ጉዳይ፣ ናብ ቕድሚኡ መጺእና “ኣባ ኣቦይ” ኢልና ምስ ኣድሃናዮን ሓተትናዮን ዝምልሰልና እምበር፣ ኮይንዎ ርእሱ ሰዊሩ ዝጠፍእ ኣምላኽ ኣይኮነን። ወዮ ድኣ ኣብ`ዚ ዘመን፣ በዓልና ንብርክና ዕጽፍ ኣቢልና ኣብ ክንዲ ምሕታት፣ #ሕተቱለይ #ጸልዩለይ #ንገሩኒ ይቐለልና ኮይኑ እምበር፣ ንሱስ ነቶም ዘድህይዎ ቐልጢፉ “ወየ” ኢሉ ዘድህዮም ኣምላኽ እዩ። ብርግጽ ሰባት ብጸሎት ክሕግዙኻ ጽቡቕ እዩ፣ ግናኸ ብዛዕባ ነገርካስ ቕድሚ ዝኣገረ ንስኻ ድኣ ብጸሎት ነቒሕካ ንኣምላኽካ ሕተቶ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ በዓሉ ንነብይ ኤርምያስ ኣብ ኤር 33:3 “#ጸውዓኒ እሞ #ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ #ክነግረካ እየ።” ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ድማ፣ ኣብ ፊሊጲ 4:5 “እግዚኣብሄር #ቐረባ እዩ!” ኢሉና ኣሎ። ንገሌና ግና፣ እግዚኣብሄር ያኢ ካብ ጉዳይና ኣዝዩ ዝርሐቐና፣ ኣገልገልቲ ግና ዝቐረባና ኾይኑ እዩ መሲሉና ዘሎ። ያእ ኣይፋሉን! ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ፣ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ ቐረባና! ንሱ በዓሉ ቐረባና ካብ ኮነ እምብኣር፣ ነፍሲወከፍና ባዕላትና ኣብ ቕድሚኡ ድፍእ ኢልና፣ ብዛዕባ ዝኸበደና ወይ ሕቶ ዝኾነና ክንሓቶን፣ ካብ መንፈሱ ድማ ክንሰምዕን የድልየና ኣሎ። በዓልኻ ዝመስሎ ነገር ፈጺሙ የልቦን።
ስለዚ ኣብ ክንዲ ካብ ሰብ ምጽባይሲ፣ በዓልኻ ሓቲትካ በዓልኻ ምጽባይ ይሕሸና። ምኽንያቱ፣ ካብ ሰባት ጥቕሚ ዘይብሉ ደሃይ ክትሰምዕን ጊዜኻን ህይወትካን እዉን ከተባኽን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነታ #ኦርጅናል ድምጽሲ፣ በዓልኻ ካብ ቃሉን ካብ መንፈሱን ድኣ ርኸባ። ኣብ መንጎኻን መንጎ ኣምላኽካንሲ፣ #ማእኸሎት ኣይተብዝሕ!!! ካብ ቓሉን ካብ መንፈሱን #ኣይተርሕቕ!!! ካብ ምስ ሰብ ምጥባቕሲ ምስ ኣምላኽና ምጥባቕ ድኣ ይበልጸና።

መደምደምታ
========
📖 ኤር 3፣23
ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Audio Sbket

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *