📖 ቆሎሴ 2:9 / ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት #መለኮት #ብስጋ #ሐዲርዎ እዩ እሞ፡
ሕቶ:– ከመይ ኢሉ እዩ የሱስ፣ ምሉእ ኣምላኽ፣ ምሉእ ሰብ፣ ግናኸ ሓደ ስብእና (person) ዝኸውን፧ ወይድማ፣ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ምሉእ መሎኮትን ምሉእ ሰብኣዉነትን ኣብ ሓደ ስብእና ናይ ክርስቶስ ፍጹም ዝሓብር፧
እዚ ዘልዓልናዮ ሕቶ፣ ኣብ ስብእና ክርስቶስ መጺኻ ቐጻሊ ዝልዓል ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ክርስቶስ የሱሰ፣ እቲ ኣምላኽ፣ እቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ፥ እቲ ምሉእ መሎኮት፣ እቲ ምሉእ ሰብ፥ እቲ ፍጹም ዘየደናግርን ዘይፈላለይን ፍጹም ዉህደት መሎኮትን ሰብኣዉነትን ባህርይ ዘለዎ ሓደ ስብእና እዩ።
ከም ካልኣይ ኣካል ናይ ስላሴ፥ የሱስ እቲ እንኮ ዘልኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ ከም መሎኮት ስብእና፥ ምሉእ ባህርይ ናይ ኣምላኽ ዘለዎ ወዲ፥ ዘይሳቐይ ዘይመዉት እዉን እዩ። ነቲ ካብ ኣቦ ዝተዋህቦ ናይ ምድሓን ዕዮ ንኽፍጽም ግና፣ እቲ ወዲ፣ ባህርይ ናይ ሰብ ወሲዱ ዝሳቐይን ዝመዉትን ኮይኑ ነይሩ እዩ። ማለት፣ እቲ ብርእሱ መጀመርታ ካብ ዘይብሉ ዘልኣለም ዝነበሮ ባህርይ ወይ መንነት ናይ መሎኮት ፍጹም ከይተቋረጸ፥ እቲ ወዲ፣ ኣብ ማህጸን እታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ኣተወ እሞ፣ ነቲ ናይ ሰብኣዉነት ባህርይ ወሰዶን ለበሶን። ሽዑ ከም ሓደ ከማና ሰብ እዉን ኮነ።
ብናይ ሰብኣዉነት ባህርይኡ ፥ እቲ መሎኮታዊ ስብእና ዘለዎ ወዲ ኣምላኽ፣ ንሰብ ምእንቲ ከድሕን፣ ኣብ መስቀል ተሰቂሉን እቲ ንሕና ብሰንኪ ሓጢኣትና ክንሞቶ ዝግብኣና ሞት እዉን ሞይቱ እዩ። በዚ ሞት ድማ፣ ኹላቶም እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፣ በታ ብእኡ ዝኣምንዋ እምነት፣ ምስ ኣቦ ስሙር ዝኾነ ህይወትን ምሉእ ዝኾነ ሓድነትን ክህልዎም ገይሩ እዩ።
ወላኳ እዞም ከም #ፈጣርን #ፍጡርን ክልተ ባህርያት ናይ ክርስቶስ ዝተፈላለዩ ይኹኑ እምበር፥ ኣብ ሓደ ስብእና ፍጹም ሕቡራት እዮም። ንሱ በዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ግናኸ ምሉእ ዉህዳት ባህርይኡ ፥ከም ሓደ ሕቡር ስብእና ዘለዎ ኾይኑ፣ ኣብ ማእከልና፣ ምሳና ብምህላዉ፥ ግብሩ እንዳገበረ ከምኡዉን ምስ ደቂ–ሰባት ተወሃሂዱ ብሕብረት ተመላሊሱ እዩ።
እምብኣር፥ እዚ ክልተ ግናኸ ምሉእን ፍጹምን ዉሁድ ስብእና ወይ ባህርይ ናይ ጎይታ የሱስ፥ #ዘየደናግር፥ #ዘየለዋወጥ፥ #ተፈላልዩ ዘይርኤ፥ ከምኡዉን ፈጺሙ #ዘይፈላለ እዩ።
📖 ቆሎሴ 1:19
#ብዘሎ_ምልኣት #አብኡ #ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡
መደምደምታ
========
📖 ዮሃንስ 8:58
የሱስ ከኣ፥ #ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም #ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም #አሎኹ፡ በሎም።
ንኹሉ እቲ ክልተ ግናኸ ኣብ ሓደ ስብእና ፍጹም ዝተወሃሃደ ዘይፈላለይ ባህርይ ናይ ክርስቶስ ብኸፊሉ ክንርእዮ ጸኒሕና ኣሎና። ማለት የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ኣምላኽ–ሰብ ዝኾነ፣ ከምኡ`ውን ንዘልኣለም ኸምኡ ኾይኑ ዝነብር ስብእና ኣለዎ። ኩሉ እቲ ክብሃል ዝጸንሔ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት እተሞርከሰ እዩ እሞ፣ ብዝበለጸ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ጥቕስታት ክነንብቦም እምሕጸን።
ናይ የሱስ ምሉእ ኣምላኽነት ወይ መሎኮትነት ዝገልጹ ጥቕስታት ኣየኖት እዮም፧ ንዝብል ሕቶ ኣስፊሕና ክሳዕ እንድህስሶ፣ ንጊዜኡ ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት እዉን ኣንቢብናዮም ንጽናሕ:–ዮሃ 1:1,18, ዮሃ 20:28, ሮሜ 9:5, ቲቶ 2:13 ምስ 2ጴጥ 1:1 (ኣምላኽን መድሓኒን ዝብላ ቓላት ብሓባር ዝንበባ ኾይነን፣ ንሓደ ስብእና ማለት ንክርስቶስ ዘመልክታ ሙዃነን ኣስተብህለለን), እብ 1:8 ምስ መዝ 45:6።
ክንበባ ዘለወን ጥቕስታት
===============
ማቴ 1:20–23; ሉቃ 4:16–24;ማቴ 16:15–18; ዮሃ 5:30–46; ዮሃ 8:48–58; ዮሃ 17:1–26; ቆሎ 2:9; ዮሃ 11:25–27
ናብ #ስማት የሱስ ዝብል ምህሮ ይቕጽል…….
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ