Robel N. Debesay
ኣነ ብጐይታ ሓውኹም ሮቤል ነጸረኣብ ይብሃል። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑ እየ። ኣብ ፍራንክፈርት ዘላ ማሕበር ምሉእ ወንጌል ቤተክርስትያን ኤርትራ ፍራንክፈርት፡ ከም ሽማግለ ኮይነ የገልግልን ይግልገልን ኣሎኹ። ብብዝሒ ኣብ ትምህርቲ ወዲ መዝሙር፡ ማለት ንብጐይታ ዳግም ዝተወልዱ ሰባት ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ከስንቕን ከዕብይን እዩ እቲ መመሊሰ ዝደፍኣሉ ኣገልግሎተይ። ስለዚ እዚ ብስም “ቤት ትምህርቲ ማቴቴስ” ዝብል ናይ ስነ–ጽሑፍ ኣገልግሎተይ፣ ንትምህርቲ ወዲ መዝሙር ከምኡ`ውን ንጥብቅነት ወንጌል ዘድሃበ ክኸዉን ኢዩ። ኣብ ዝገብሮ ኩሉ ኣገልግሎት ድማ ምሉእ ኣሳልጦ ምእንቲ ክህልወኒ፡ ብጸሎት ደጉፊኒ ኢኹም። ሰናይ ምክትትታል።