📖 ፊልጲ 2:9–11 / ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ #ብስም #የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም #ልዕል_ዝበለ #ስምውን ዝሃቦ።
ንጎይታናን መድሓኒና ተብሂሎም ዝተዋህቡ ዝተፈላለዩ ስማት እኳ እንተሃለዉ፥ ግናኸ ምእንቲ ጽቡቕ ገይሩ ክርድኣና ኣብ ሰለስት ጉጅለታት ከፋፊልና ክንርእዮም ኢና። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
1⃣ ስእላዊ/ተዉለጥኣዊ ስማት (Metaphorical Names)
2⃣ ሰብኣዊ ስማት (Personal Names)
3⃣ ቅጽል/ ናይ መዓርግ ስማት (Title Names)
እዞም ኩሎም ስማት ናይ የሱስ፥ነቲ ፍሉይ ናይ ጎይታ የሱስ መንነቱ፥ባህርያቱ፥ መለለዩ ጠባዩ፥ሰማያዊ ተልእኾኡን ዕዮኡን ኣጉሊሖም ዘርእዩና እዮም። መጽሓፍ ቅዱስና ንየሱስ ብዝተፈላለዩ ስማት ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ንኣብነት፥ ንስእላዊ ስሙ ኣመልኪቱ፥ ንየሱስ ከም “እቲ ተኽሊ ወይኒ” “እቲ ኣፍ ደገ” ” እቲ መገዲ” ክብል ይጽዉዖ። ንሰብኣዊ ስሙ ኣመልኪቱ ድማ፥ “የሱስ” “እቲ መድሓኒ” ይብሎ። ንቅጽል ስሙ ኣመልኪቱ እዉን፥ “ክርስቶስ” “ወዲ ኣምላኽ” “ወዲ ሰብ” ዝብል ስያሜ ሂብዎ ኣሎ። ካብዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ስማት፥ ገለ ጎይታ በዓሉ ንርእሱ ዝሃቦ ስማት ክኾኑ እንከለዉ፥ እቶም ገሊኣቶም ድማ ካልኦት ሰባት ዝሃብዎ ስማት እዮም።
ከምቲ ቅርብ ኢልና ናይ ኣምላኽ ስማት ብምጽናዕ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ገጸ ባህርያት እነጽንዖን እንርድኦን፥ ከምኡ ድማ፥ ቅርብ ኢልና እንታይነት ናይ ጎይታ የሱስ ስማት ብምጽናዕ፥ ብዛዕባ ናይ ጎይታና የሱስ መንነቱ፥ ባህሪያቱ፥ ተልእኾኡን ዕዮኦን ኽንርድኦ ይኾነልና እዩ። ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተተመልኪትና፥ ስም ናይ ሓደ ሰብ ንኹለንትና ናይቲ ሰብ እዩ ዝገልጽ ነይሩ፥ ማለት ስሙ ንመበቆሉ፥ ንስልጣኑ፥ ንዉርሻኡ ከምኡዉን ንደረጃኡ እዩ ዘመላኽት ነይሩ።
ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናይ ስብእናኡን ዕዮኡን ሰረተ ትምህርቲ፥ ኣብቲ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝተዋህቡ ስማት ዝተመስረት እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ በቲ ስማቱ እዉን ተጾሚቁ ይቐርብ እዩ። ንኣብነት፦
➡ ናይ ጎይታ የሱስ ፍጹም ኣምላኽነቱን ፍጹም ሰብኣዉነቱን በቲ “ወዲ ኣምላኽ” “ወዲ ሰብ” “ወዲ ዮሴፍ” ዝብሉ ስማቱ ይግለጽ እዩ።
➡ ናይ ጎይታ የሱስ ባህርያቱን ተልእኾኡን ድማ በቲ “ሕያዋይ ጓሳ” “እንጌራ ህይወት” ዝብሉ ስማቱ ንኽንርድኦ ይንጽረልና እዩ።
➡ ናይ ጎይታ የሱስ ኣባል ናይቲ ስሉስ ሓደ ኣምላኽ ሙኻኑ ድማ፥ እቲ “ክርስቶስ” “ኣማኑኤል” “እቲ ቃል” ዝብሉ ስማቱ የግህድዎ እዮም።
ብሓፈሻኡ፥ እዞም ዝተፈላለዩ ስማት ናይ የሱስ፥ ኣብ መዓልታዊ ክርስትያናዊ መዛሙራትን ኣምልኾን ማእከላይ ዝኾነ ስፍራ ዝሓዙ እዮም። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 18፡10
“ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፥ ጻድቕ ናብኡ ጎይዩ የዕቁብ።” ከምዝብሎ፥ ንሕና እዉን ኣብ እንእዉጆም ኣዋጃት፥ ኣብ እንጽልዮም ጸሎታት፥ ኣብ እነጸንብሎም በዓላት፥ ኣብ እንዝምሮም መዛሙራት፥ ስማት ናይ የሱስ እዮም ዝብሕትዎምን ዘማእኽልዎምን። በቲ ዝብሓትዎ መጠን ድማ፥ እቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ፍሉይ ጽባቐ፥ ኽብርን ኣድላይነቱን ጎሊሑ ይርኤ።
ክንበባ ዘለወን ጥቅስታት
• ማቴ 16:13–17 • ማቴ 1:21–23 • ፊሊጲ 2:10 • የሃ 10:11–14
1⃣ #ስእላዊ ወይ #ተዉለጦኣዊ ስማት
=========================
ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊን ቅጽልን ስማት፥ ንጎይታ የሱስ ተወሳኺ ስእላዊ ወይ ተለዉⶏኣዊ ስማት ( Metaphorical Names) ኣለዉዎ እዮም። ማለት “ዘርኢ እታ ሰበይቲ” “እቲ ገንሸል ኣምላኽ” “እቲ እንጌራ ህይወት” “እቲ ብርሃን ዓለም” ወዘተ ብዝብሉ ስማት ክጽዋዕ ንረኽቦ። ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዝነበርኩ፥ እዞም ብስእላዊ መልክዕ ንጎይታ ዝተዋህብዎ ስማት፥ ናብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ “ስብእና”፥ “ዕዮ”፥ “መንነት” ከምኡዉን “ተልእኾ” እዮም ዘመላኹትና። ስእላዊ ስማት ናይ ጎይታ የሱስ ክንዝርዝሮም እንተድኣ ኢልና ኣዝዮም ብዙሓት እዮም እሞ፥ ገለ ካብኣቶም ካብ ዘፍጥረት ጀሚርና ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ክንርእዮምን ክንድህስሶም ኢና።
ኣብ መጀመርያ ዘፍጥረት ዘለዉ ገለ ምዕራፋት እንተድኣ ነቢብናዮም፥ ብዛዕባ እቲ ዓብይ ሓሳብ ወይ ስእሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቅ መረዳእታ ይህቡኻ እዮም። ንኣብነት፥ ኣብ ዘፍጥረት፥ “ዘርኢ እታ ሰበይቲ” ዝብል ሓደ ኣገዳሲ ስእላዊ ስም ወይ ሓሳብ ንረክብ ኢና። እወ እቲ ኣብ ዘፍ 3፡15 “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ #ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።” ዝብል ቃል፣ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስ “ብዘርኢ እታ ሰበይቲ” ዝኾነ ጎይታ ከምዝስዓር ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ወይ ፍጻሜ እዩ። እዚ ተስፋ ደጊሙ እዉን ንኣብርሃምን ንዳዊትን “ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እቲ ዘርኢ ዳዊት” ተብሂሉ ክዉሃቦም እንከሎ ንርእዮ። ብዝበለጸ ድማ፥ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፥ እቲ መጀመርያ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ተብሂሉ ዝነበረ፥ ንሱ እቲ ናይ ሓቂ “ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እቲ ብስጋ ካብ ዘርኢ ዳዊት” ሙኻኑ ኣብ ሮሜ 1፡3 ብኸምዚ ዝስዕብ ገይሩ ኸቐምጦ ንርእዮ፦ “ብዛዕባ ወዱ፡ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡” ይብል።
ኣብ ብሉይ ኪዳን፥ ካልኦት ንክርስቶስ የሱስ ዘመልክቱ ስእላዊ ስማት እዉን ነይሮም እዮም። እቲ መሲሕ ኮይኑ ምምጻእ ምእንቲ ከመልክት ኣብ ኢሰ 42 “እቲ ባርያ እግዚኣብሄር” ብዝብል ስም ይግለጽ። ነቲ ዕዉት ናይ ምብጃዉ ስርሑ ምእንቲ ከመልክት ኣብ ኤር 23፡5 “እቲ ጻድቅ ጨንፈር” ተብሂሉ ኣሎ። ከምኡዉን ነቲ ዝፋን ዳዊት ዝወርሶ ንሱ ክርስቶስ ሙኻኑ ምእንቲ ከመልክት፥ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ሮሜ 15፡12 “እቲ ሱር ዳዊት” ብዝብል ስእላዊ ስም ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፥ ልክዕ ከምዞም ኣብ ብሉይ ኪዳን ክንርእዮም ዝጸናሕና ፥ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቶም ዝተዋህቡ ዝተፈላለዩ ስእላዊ ስማት ኣለዉ እዮም። ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ጽቡቕ ስእሊ ምእንቲ ክህቡና ድማ ኣስዒብና ክንድህስሶም ኢና፦
ወንጌላት ንጎይታ የሱስ “እቲ ዘራኢ ዘርኢ” ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ (ማቴ 13፡3)። እቲ ናብታ ብደሙ ዝዓደጋ መርዓቱ ምእንቲ ናብ ኡ ክወስዳ ተመሊሱ ዝመጽእ ሙኻኑ ኣብ ማቴ 9፡15, 25 “እቲ መርዓዊ” ብዝብል ስእላዊ ስም ተገሊጹ ኣሎ። ከምቲ ደርሆ ንጨቋዊታ ብምሑቋፍ እተድሕኖም፣ ጐይታ የሱስ ድማ ከምኡ #ንምድሓን እስራኤል ዝተገልጸ ሙዃኑ ግናኸ ንሳቶም ከም ዘይተቐበልዎ ኣብ ማቴ 23:37 ከምዚ ዝስዕብ ይብል:–
📖 ማቴ 23:37
የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፣ ጐይታ የሱስ “እቲ ቓል” (1:1), “እቲ ብርሃን ነፍሲወከፍ ሰብ” (1:4), “እቲ ገንሸል ኣምላኽ” (1:29), “እቲ እንጌራ ህይወት” (6:35), “እቲ ብርሃን ዓለም” (8:12), “እቲ ደገ ኣባጊዕ” (10:2), “እቲ ሕያዋይ ጓሳ” (10:11), “እቲ ትንሳኤን ህይወትን” (11:25), “እቲ መገድን ሓቕን ህይወትን” (14:6), ከምኡ`ውን “እቲ ጉንዲ ወይኒ” (15:1) ዝብሉ ስእላዊ ስማት ሒዙ ኽግለጽ እንከሎ ነንብብ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን እዉን፥ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ስእላዊ ስማት ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ 1ቆረ 10:4 “እቲ ከዉሒ” ተብሂሉ ኣሎ። ኣብ ማቴ 21:24 “እቲ ዘድሕን እምኒ መኣዝን”፣ ኣብ 1ቆረ 10:4 “እቲ ምንጪ ምንጓፍን መንፈሳዊ ብልዕን” ተብሂሉ ኣሎ። ኣብ 1ቆረ 15:45 “እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም”፣ ኣብ ቆሎ 1:15 “እቲ መልክዕ ዘይርኤ ኣምላኽ”፣ ኣብ ቆሎ 1:14 ድማ “እቲ ቦኽሪ ወይ በዓል ስልጣን ኩሉ ፍጥረት” ተብሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ማለት ኣብ ራእይ ዮሃንስ ድማ፥ ንምሉእ መሎኮትነት፥ ኣምላኽነትን ምሉእ ሰብ ኣዉነትን ናይ የሱስ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ስእላዊ ስማት ኣለዉ እዮም። ክርስቶስ ኣብ ራእይ ዮሃንስ፥ ኣምላኽ ከም ሙኻኑ መጠን ንኹሉ ነገር ጠቕሊሉ ዝሓዘ ከምዝኾነ ዝገልጽ “እቲ ኣልፋን ኦሜጋን” ዝብል ናይ “መሎኮት ስም” ጎይታ በዓሉ ንርእሱ ሂብዋ ኣሎ። ጎይታ የሱስ እቲ ንምድሓን ደቂ ኣዳም ዝተገልጸን ፍጹም ሰብ ኾይኑ ደሙ ንሕድገት ሓጢኣት ከምዘፍሰሰ ዝገልጽ ድማ “እቲ ገንሸል” ዝብል ስም ተዉሃብዎ ኣሎ። ጎይታ የሱስ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ዝገዝእ ንጉስ ነገስታት ሙኻኑ ምእንቲ ኽግለጽ “እቲ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ” ብዝብል ስያሜ ተጸዊዑ ኣሎ። እቲ ናይ መጨረሻ ፈራዲ ሙኻኑ ድማ “እቲ ኣብ ጸዓዳ ፈረስ ተወጢሑ ዝመጽእ” ኢልዎ ኣሎ። ጎይታ የሱስ፥ እቲ ናይ ኩሉ ፍጥረት ተሃድሶ ዝገብር ጎይታ ሙኻኑ ምእንቲ ኽገልጽ ድማ “እቲ ብሩህ ኮኾብ ጽባሕ” ተብሂሉ ኣሎ።
መደምደምታ
========
እዞም ኩሎም ክንርእዮም ዝጸናሕና ስእላዊ ስማት ናይ ጎይታ የሱስ፥ ንኹሉ ናይ ጎይታ ትኽክለኛ ዝኾነ መንነቱ፥ስልጣና፥ ከምኡዉን ዕዮኡ ብዘይማትእ መገዲ ናብ ብርሃን ዘምጽኡ ዘገርሙ ስማት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ዂነታት እንተሎና፣ እዞም ስእላዊ ስማት ናይ ጐይታ የሱስ መልሲ ናይ ዂሎም ሕቶታት እዮም እሞ፣ በዚ ግሩም ስም ንኽሳዉድና ነቕንዕ። እቶም ግዱሳት ዝኾንኩም ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዋሂቦሙና ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ጥቕስታት ከነንብቦም እላቦ።
ክንበባ ዘለወን ኣገደስቲ ጥቕስታት
=====================
ዘፍ 3:15; ዘፍ 12:7; 2 ሳሙ 7:12; መዝ 118:22; ኢሰ 11:1–10; ኢሰ 28:16; ኢሰ 53:1–12; ኤር 23:5; ኤር 33:15; ማቴ 21:42; ማቴ 23:37; ዮሃ 1:1–5; ዮሃ 1:29; ዮሃ 6:35–51; ዮሃ 8:12; ዮሃ 9:5; ዮሃ 10:7–9; ዮሃ 10:11–14; ዮሃ 11:25; ዮሃ 14:6; ዮሃ 15:1–5; 1 ቆረ 10:1–5; ገላ 3:16; ቆሎ 1:15–20; ራእ 1:8; ራእ 5:1–5; ራእ 19:11–16; ራእ 22:16
ናብ #ሰብኣዊን #ቅጽልን ስማት ዝብል ምህሮ ይቕጽል…..
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ