ክርስቶስን እቲ ቅዱስ ጽሑፍን

📖 ራእይ 19:13 / ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ #ስሙውን #ቃል_ኣምላኽ እዩ።
ክርስቶስ፣ እቲ መጀመርታ ካብ ዘይብሉ ዘልኣለም ዝነበረ መሎኮታዊ ቓል እዩ። እዚ ቓል እዚ ድማ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረ ኣምላኽ እዩ። ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፣ንኹሎም ሓጢኣተኛታት ደቂ–ኣዳም ንምድሓን፣ ስጋ ኾይኑ፣ ከምኡ`ውን ብጸጋኡን ብሓቁን ተመሊኡ፣ እቲ ብዘይ ሕጊ ዝተገልጸ ጽድቂ ኣምላኽ ኾይኑ፣ ኣብ ማእኸልና ምሳና ኣማኑኤል ተብሂሉ ክመላለስ ንርእዮ።

ስለዚ ክርስቶስ ማለት እቲ ቓል ማለት እዩ! እቲ ቓል ማለት ድማ ክርስቶስ ማለት እዩ። ክልቲኣቶም ሓደ እዮም! እቲ ቓል ብመጀመሪያ ከምዝነበረ፣ ክርስቶስ እዉን እቲ ብመጀመሪያ ዝነበረ እዩ። እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ከም ዝነበረ፣ ክርስቶስ እዉን እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረ እዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ከምዝኾነ፣ ክርስቶስ እዉን እቲ ኣምላኽ እዩ። እምብኣር ኣስዒብና፣ እቲ ኣብ መንጐ እቲ ቓልን (Scripture) ኣብ መንጐ ክርስቶስን (the Savior) ካብ ዘሎ ፍጹም #ሓድነትን #ዉህደትን ዝተላዕለ፣ ከመይ ኢሎም ሓደ ከምዝኾኑ ክንድህስስ ኢና። ነዚ ንምግባር ድማ ሓንቲ ሕቶ ከነልዕል ኢና።

ሕቶ:– ቃል ኣምላኽን ክርስቶስ እቲ መድሓንን ከመይ ኢሎም እዮም ዝነጻጸሩ ከምኡ`ውን ሓደ ዝኾኑን፧ ኢልካ ምሕታት፣ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ምትእስሳር ብዝበለጸ መልክዑ ክትርድኦ እዩ ዝገብረካ። ስለዚ ቐጺልና፣ እቲ ኣብ መንጐ እቲ ጽሑፍን እቲ መድሓኒን ከመይ ኢሎም ሓደ ከምዝኾኑ ካብ መጽሓፍ ቕዱስና ገለ 22ተን ዝኾኑ ኣብነታት ንርኣዮም:–
1⃣ ክልቲኦም #ቃል_ኣምላኽ ተብሂሎም ይጽዉዑ
✧ እቲ ሓደ ዝተጻሕፈ ቃል እዩ (ዘጽ 31:18)
✧ እቲ ሓደ ድማ ህያው ዝኾነ ቃል እዩ (ዮሃ 1:14)
2⃣ ክልቲኦም #ዘልኣለማዊ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ ዘልኣማዊ እዩ (1ጴጥ 1:23)
✧ እቲ መድሓኒ ዘልኣለማዊ (እብ 3:18)
3⃣ ክልቲኦም ካብ #ላዕሊ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ ካብ ላዕሊ እዩ (መዝ 119:89)
✧ እቲ መድሓኒ ካብ ላዕሊ እዩ (ዮሃ 3:13)
4⃣ ክልቲኦም ንዝጠፍኤት ዓለም #ክባርኹ ዝመጹ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ሉቃ 11:28)
✧ እቲ መድሓኒ (ግብ 3:26)
5⃣ ክልቲኦም ካብ #ሰብኣዉነትን_መሎኮትነትን ተላቢሶም
✧ እቲ ጽሑፍ (2ጴጥ 1:21)
✧ እቲ መድሓኒ (1ጢሞ 3:16)
6⃣ ክልቲኦም #ብመላእኽቲ ዝተዓጀቡን ዝተገልገሉን እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ግብ 7:53, ገላ 3:19)
✧ እቲ መድሓኒ (ማቴ 4:11, ሉቃ 22:43)
7⃣ ክልቲኦም #ጌጋ–ኣልቦ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ምሳ 30:5)
✧ እቲ መድሓኒ (1የሃ 3:5)
8⃣ ክልቲኦም ምንጪ #ህይወት እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (እብ 4:12)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 4:16)
9⃣ ክልቲኦም ምንጪ #ብርሃን እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (መዝ 119:130)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 1:9)
1⃣0⃣ ክልቲኦም እቲ እንኮ #ሓቂ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (የሃ 17:17)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 14:6)
1⃣1⃣ ክልቲኦም ንነፍስና ሰማያዊ #መግቢ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ዘዳ 8:3)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 6:35)
1⃣2⃣ ክልቲኦም ንኹለንትናና #ዘንጽሁ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (የሃ 15:3)
✧ እቲ መድሓኒ (1የሃ 1:9)
1⃣3⃣ ክልቲኦም ኣብ ሰማዒኦም #ፍረ ዘፍርዩ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ማቴ 13:23, ያእ 1:18)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 15:5)
1⃣4⃣ ክልቲኦም ነባርን ብዙሑን #ሰላም ዝህቡ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (መዝ 119:165)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 14:27)
1⃣5⃣ ክልቲኦም ከም በሊሕ #ሰይፊ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ኤፌ 6:17)
✧ እቲ መድሓኒ (ራእ 19:15)
1⃣6⃣ ክልቲኦም #ግሩም ተብሂሎም ተሰምዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (መዝ 119:18)
✧ እቲ መድሓኒ (ኢሰ 9:6)
1⃣7⃣ ክልቲኦም #ሓይሊ ኣምላኽ ተብሂሎም ይጽዉዑ
✧ እቲ ጽሑፍ (ሮሜ 1:16)
✧ እቲ መድሓኒ (1ቆረ 1:24)
1⃣8⃣ ክልቲኦም ንዕዮኦም ብዓወት #ዝፍጽሙ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ኢሰ 55:10–11)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 17:4, 19:30)
1⃣9⃣ ክልቲኦም እንተተቐቢልካዮም #ዘድሕኑ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ያእ 1:21)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 1:12)
2⃣0⃣ ክልቲኦም ብረሲኣን ሰባት #ዝተነጸጉ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ማር 7:9)
✧ እቲ መድሓኒ (ኢሰ 53:3, የሃ 1:11)
2⃣1⃣ ክልቲኦም ብኢድ ረሲኣን #ዝተጠቕዑ እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ኤር 36:27–28)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 10:31)
2⃣2⃣ ክልቲኦም ደሓር ንረሲኣን #ክፈርድዎም እዮም
✧ እቲ ጽሑፍ (ሮሜ 2:12, 3:19)
✧ እቲ መድሓኒ (የሃ 5:22)

#ኣስተዉዕል/ሊ:– ክርስቶስ ከምቲ መጀመርያ ኣብ መእተዊ ሓሳበይ ኢለዮ ዘሎኹ፣ እቲ ዘልኣለማዊ ቓልን ኣምላኽን እዩ። ግናኸ ክርስቶስ ኩሉ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከቡ ፊደላት ግና ኣይኮነን። ኣብቶም ቅዱሳት ጽሑፋት “ሰይጣን” ዝብል ፊደል እኳ ከይተረፈ ኣሎ እዩ። ስለዚ፣ ክርስቶስ ፊደል ናይቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፣ ክርስቶስ መንፈስን ህይወትን ናይቶም ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ። ክርስቶስ ህልዉና፣ ማለት substance, reality, manifestation & fulfillment ናይቶም ኩሎም ብዛዕባኡ ዝተጻሕፉ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ።

መደምደምታ
========
ስለዚ ክርስቶስ ማለት እቲ ቓል ማለት እዩ! እቲ ቓል ማለት ድማ ክርስቶስ ማለት እዩ። ነቶም ጽሑፋት ዘይምፍላጥ፣ ንክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ። ንክርስቶስ ዘይምፍላጥ ድማ ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይምፍላጥ እዩ። ክርስቶስ እቲ መጀመርያ ዝነበረ፣ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረ፣ እቲ ኣምላኽ ዝኾነ ቓል እዩ።
📖 ዮሃ 1:1,14
ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ #ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ #ቓልውን #ኣምላኽ ነበረ። 14፤ እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
📖 ዮሃ 16:28
ካብ #ኣቦ #ወጺኤ ናብ #ዓለም #መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።
ናብ #ስማት ናይ ክርስቶስ ዝብል ምህሮ ይቕጽል……
ካብ ብልቢ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Uncategorized, Video Sbket

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *