ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ዝገልጹ ገጸ ባህርያት

ከምቲ ኣብ መጀመርያ ጥቅስ ጥራይ ኣቢለዮ ዝሓለፍኩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ዝዉንኖም ገጸ–ባህርያት ወይ ፍጽምና ኣለዉ እዮም። ንምጥቃስ ዝኣክል:–
🔴 ኲሉ ናይ ምፍላጥ ፍጽምና/Omniscient
🔴 ኲሉ ናይ ምኽኣል ፍጽምና/Omnipotent
🔴 ኣብ ኲሉ ስፍራ ብሓደ እዋን ምህላዉ/Omnipresent

1⃣ ኩሉ ፈላጥነት መንፈስ ቅዱስ
=====================
ቅዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ሙዃኑ መጠን፣ ልክዕ ከም ናይ ኣምላኽ ዝበለ ገጸ ባህርያት ወይ ፍጽምና ከምዘለዎ እዩ ዝገልጹልና። ንኣብነት፦
📖 1ቆረ 2፤10–11
10፤ #እቲ #መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ #ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ #ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። 11፤ እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን #መንፈስ_ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ #ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ #ዚፈልጦ የልቦን።
ኣብ የሃ 16፤13 እዉን ጎይታ የሱስ በዓሉ ንኹሉ ፈላጥነት መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 ዮሃንስ 16፣13
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ #ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ #ሓቂውን #ኪመርሓኩም እዩ።
ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ስለዝኾነ “ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ” እዩ! ንምዝኽኻር ንሰዉር ሚስጥር ሃናንያን ሰጲራን ናብ ብርሃን ዘምጽኤ እዉን መንፈስ ቅዱስ እምበር ጴጥሮስ ኣይኮነን! መንፈስ ቅዱስ ኲሉ ዝፈልጥ እዩ!
2⃣ ኲሉ ከአልነት መንፈስ ቅዱስ
=====================
መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ዝህብ ኣምላኽ እምበር፣ ሓይሊ ኣይኮነን ኢለ ቅዱስ ድፍረት ክደፍር ፍቐዱለይ። መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ጥራይ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ከምዘለዉ ኣቐዲመ ከሲሰ ኣሎኹ። ኣብ ጊዜ ሃዋርያት ኣብ በዓል ሓምሳ፣ ከም ተምሳል ዝተመቓቀል ልሳን ሓዊ ብምምጻኡ፥ በቃ ኾይንዎ መንፈስ ቅዱስ “ሓይሊ ወይ እስትንፋስ” ጥራይ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ምህላዎም የሕዝነካ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኲሉ ዝኽእልን ከምኡ`ውን ኲሉ ዘኽእል “ሓይሊ ዝህብ” እምበር ንሱ በዓሉ “ሓይሊ ጥራይ” ከም ዘምዘይሙዃኑ እንሆ እዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ኣረጋጊጾሙልና ኣለዉ፦
ኣብ ሉቃስ 1፡35፥ እቲ ኣምላኽ ስጋ ሰብ ኣብ ምልባሱ መንፈስ ቅዱስ ብዝገብሮ ሓይሊ ምዃኑ ተገሊጹ ንረኽቦ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማርያም ወሪዱ ንድንግል ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ምፍላጥ ዉላድ ዘዉልዳ ሓይሊ ከምዝገብር እዩ መልኣኽ ገብርኤል ንማርያም ዘበሰራ። ንሱ “ሓይሊ እቲ ልዑል” ከጽልለልኪ ምባሉ፥ “መንፈስ ቅዱስ ማለት እቲ ልዑል ብሓይሉ ከምዘጽልለላ” እሞ ወዲ ከም እትወልድ እዩ ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ፦
📖 ሉቃስ 1፣35
እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ #መንፈስ_ቅዱስ #ኪወርደኪ #ሓይሊ_ልዑልውን #ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
ኣብዚ ጥቅሲ ገሊኣቶም ነዚ ሓሳብ ብምዉሳድ “መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እዩ” እዮም ዝብሉና። እቲ ትኽክለኛ ትርጉሙ ግና “መንፈስ ቅዱስ እቲ ልዑል ኣባኺ ሓይሉ ከጽልል እዩ” ንምባል እዩ። ብሓጺሩ ሓይሊ እቲ ልዑል ማለት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ዝህብ ልዑል ኣምላኽ እምበር ሓይሊ ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማህጸን ማርያም ብዝገበሮ መሎኮታዊ ሓይሊ እዩ፣ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ክኸዉን ዝኽኣለ!
ብተወሳኺ እዉን ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ንኣገልግሎቱ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፥ እቲ ኹሉ ኣገልግሎቱ በቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝገበሮ ሓይሊ ዕዉት ከምዝነበረ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 ሮሜ 15፡17–19
17-19፤ እምብኣርሲ #ብሓይሊ #መንፈስ_ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ #ወንጌል #ክርስቶስ ብምሉእ #ሰበኽክዎ።
ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሰባት ምልዋጥ ይኹን ኣብ ልቢ ሰባት ርትዒ ኣብ ምፍጣር ሓይሊ ከምዝገብር ወይ ድማ ሓይሊ ከምዘለዎ ብንጹር ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ስለዘሎ፣ ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንኣንበብቲ ይሓድገልኲም ኣሎኹ፦
የሃ 16፡8–11
የሃ 3፡5–8
ማቴ 19፡26
እዞም ኩላቶም ክንርእዮም ዝጸናሕና ጥቅስታት ንኩሉ ኸኣልነት መንፈስ ቅዱስ እዉን ብዝተፈላለየ መልክዑ የርእዩና እዮም። ምኽንያቱ ንኣምላኽ እምበር ንሰባት ዘይክኣሎም ነገር ንምግባር “መንፈስ ቅዱስ” ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ከምዘለዎ ኢና ክንዕዘብ ጸኒሕና። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ #ሓይሊ ኣይኮነን! ብኣንጻሩ፣ መንፈስ ቅዱስ እቲ ኹሉ ዝክኣሎ ኣምላኽ እዩ! ስሙ ይባረኽ!

3⃣ ዘለኣለማዉነት መንፈስ ቅዱስ
=====================
መንፈስ ቅዱስ ናይ ዘለኣለም መንፈስ እምበር ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝነበረ ጥራይ ዝመጸ ኣይኮነን። ኣብ ዘለኣለም ዝነበረ፥ ንዘለኣለም ድማ ዝነብር ኣምላኽ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ከድሕነና ክብል ንርእሱ ከም መስዋእቲ ገይሩ ንኸቅርብ ዝኽኣለ በዚ ዘለኣለማዊ መንፈስ ቅዱስ ሙዃኑ ኣብዚ ዝስዕብ ጥቅሲ ንርኣዮ፦
📖 እብ 9፡14
ደም ክርስቶስ ብናይ #ዘለኣለም #መንፈስ (eternal Spirit) ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
ብመሰረት እብራዊያን 1፡10–11 እንተሪእና፥ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ኩሉ ጊዜያዊ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ግና እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ እዩ።

4⃣ ፈጣሪነት መንፈስ ቅዱስ
==================
መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ስለዝኾነ ፈጣሪ ድማ እዩ። መቸም ኣምላኽ ጥራይ እዩ ፈጣሪ እንተበልና ኩላትና ወይ መብዛሕትና ክንሰማማዕ ባህርያዊ ይመስለኒ። መንፈስ ቅዱስ ፈጣሪ እዩ እንተ ኢልና ግና እቶም ብስሉስነት ኣምላኽ እንኣምን እዩ ጽቡቕ ዝርድኣና። እዚ ዘይልወጥ ሓቂ፣ ነቶም ንኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ዘይኣምኑ ሰባት ዕግሽግሽ እዩ ዝብሎም። ኣቐዲሞም ብዝተማሃርዎ ናይ ሰባት ፍልስፍና ድማ፣ ነዛ ትኽልቲ ሓቂ ይመሳመስዋን ይጻረርዋን ኣለዉ! ብዝኾነ ዕግሽግሽ እንተ በሎም ይኹን እንተ ዘይበሎም፥ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ! ፈጣሪ እዩ! ብዝበለጸ፣ ኣብ ምፍጣርን ምሕዳስን ዓለም ይኹን ንምፍጣር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ፥ መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ፈጣሪነት መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 ዘፍ 1፡2
ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። #መንፈስ_ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።
📖 እዮብ 26፡13
#ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣ
ኣብዚኣ ሓንቲ ሕቶ ክሓትት፦ እዞም ብልምዲ ከም “Only Jesus” ብምባል እንፈልጦም ሰባት፥ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ከም “ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ዝነበረ ቃል” ተገሊጹ ዘሎ፥ የሱስ ክርስቶስ ሙዃኑን ኣምላኽ ሙዃኑን እዉን እንዳኣመንሉ፥ ንምንታይ እዮም ነቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ እሞ ኣብ መስርሕ ምፍጣር ዝዋሳእ ዝነበረ “ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ዝነበረ እስትንፋስ” ከምኡዉን “ኣብ ሰማያት ዝዝንቢ ዝነበረ” መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃኑ ዘይኣምንዎ?
መልሱ ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዝነበርኩ ብናይ ሰባት ፍልስፍና ንኣእምሮኦም ርግጥ ኣቢሎም ስለ ዝዓጸዉዎ እዮ። ወላ ከተረድኦም እንተፈተንካ ድኻም እዩ ትርፉ። ካብ ንኸምዚኣቶም ከተረድኦም እትደክም፥ ነቶም ንሓቂ ዘይፈለጥዋ ዘለዉ ወንጌል ክትሰብኽን ክትምህርን ኣዝዩ ይበልጽ። ንፈሊጡ ዝጠፍኤ፥ በዓሉ ክምለስ ምሕዳጉ እዩ ዝሓይሽ! ነታ ሓቂ ክፈልጥዋ እሞ ሓርነት ክወጹ ጎይታ የዕንቲ ልቦም ይኽፈት! ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ሙዃኑ ዘይምፍላጥ፣ ንኣምላኽ በዓሉ ዘይምፍላጥ እዩ!

5⃣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ኣመንቲ
==========================
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ኣመንቲ ዝጻወቶ ተራ እሞ ኣዝዩ እዩ ንልብኻ ዝምስጥ። እዚ ኣርእስቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቁጽሪ ዘይብሉ ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ እቶም ቐንዲ ኣገድስቲ ዝኾኑና ግና ከቕርቦም ክፍትን እየ። ከምቲ ኣቐዲምና፣ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ በዓሉ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምልዋጥ ይኹን ምርታዕ ልቢ ሰብ ዝተዛረቦ ኣብ የሃ 3፡5–8 ርእይና ነይርና ኢና። ምስ ናይዚ፣ ልክዕ ከም ናይ ጎይታ የሱስ ገይሩ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ እዉን ብዛዕባ ክእለት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምልዋጥ ሰብ ኣመልኪቱ፥ ኣብ ቲቶስ 3፡5 ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ፦
📖 ቲቶስ 3፡5
ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን (by Holy Spirit) እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።
ብተወሳኺ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንስኦ፥ ከምኡዉን ንኣና ኣመንቲ ካብ ሞት ምትንሳእ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ሙዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት መስኪሮም ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪቱ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 8፡11 ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 ሮሜ 8፡11
ናይ እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ #መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ አልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ #መንፈሱ (his Spirit) ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።

6⃣ መንፈስ ቅዱስን ቅድስና ኣመንትን
========================
እዚ ገዛእ ርእሱ ዝኽኣለ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፣ ክሳዕ ብትምህርቲ ዘቕርቦ ነዘን ዝስዕባ ጥቕስታት እሓድገልኩም:–
ህዝ 36፣27, ኤር 31፣33, ሮሜ 3፣4, 1ተሰ 4፣7–8, ገላ 5፣16
ወዘተ።
7⃣ መንፈስ ቅዱስን ቅዱሳት ጽሑፋትን
========================
መንፈስ ቅድስ ኣብ ምሃብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንቅዱሳን ኣዝዩ ብቐዳማይ ዝስራዕ ዕዮ እዩ ዝዓይይ። እቶም ንህይወት ምእንቲ ክኾኑና ዝተጻሕፉልና ቅዱሳት ጽሑፋት፣ ደራሲኦም ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ 2ጢሞ 3፡16 ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 2ጢሞ 3፡16–17
እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ #መንፈስ #ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
ጴጥሮስ እዉን ልክዕ ምስ ናይ ጳዉሎስ ዝመሳሰል እዉን ኣብ 2ጴጥ 1፡21 ከምዚ ዝስዕብ ክብል ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምሃብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊጽዎ ንረኽቦ፦
📖 2ጴጥ 1፡21
ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም #ብመንፈስ #ቅዱስ ተመሪሖም (moved by Holy Ghost) ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
ኣብዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና 2ተ ጥቅስታት እምብኣር፥ እቲ መንፈስ ኣብቶም ጸሓፍቲ ዝገብሮ ጽልዋን መርሒነት እዩ ዘመልክት። ነቲ ሰማያዊ/መሎኮታዊ ቃል ኣምላኽ፣ ብዝርድኦም ቃንቃ ሰብ ገይሩ፣ ኣብ ልብን ኣእሞሮን እቶም ጽሓፍቲ ዝጽሓፈ ንሱ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቶም ጽሓፍቲ፣ መንፈስ ቅዱስ ብዝበሎምን ብዘብርሃሎምን ብዝገለጸሎምን ተመሪሖም እዮም ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽሓፍ ዝኽኣሉ እምበር ብገዛእ ርእሶም ኣይኮኑን ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጽሓፉ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርዳእ ይኹን ፈጠራ ኣይኮኑን ዝጽሓፍዎ።

8⃣ መዓርነት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦን ወድን
=============================
እዚ ድማ ካብቶም መንፈስ ቅዱስ ስብእና ዘለዎ ኣምላኽ ሙዃኑ ዝምስክር ሓደ ትኹል ሓቂ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኽነቱ፥ ብባርህሪኡ፥ብመሎኮቱ፥ ከምኡዉን ብፍቓዱ ምስ ኣቦን ወድን መዓረ እዩ። ነዚ ሓቂ ንኣብነት ኣብቲ ዓቢ ተልእኾ ተብሂሉ ዝፍለጥ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስና፥ መንፈስ ቅዱስ መዓረ ኣቦን ወድን ተጠቂሱ ኣሎ።
📖 ማቴ 28፡19–20
ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም #ኣቦን #ወድን #መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
ሃዋርያ ጳዉሎስ ሓዉና እዉን ኣብ መዕጸዊ መልእኽቱ ኣብ 2ቆረ 13፡14 ከምኡውን ኣብ 1 ቆረ 12 ብዛዕባ ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ፥ ብዛዕባ ስሉስ ኣካል ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡን ምሂሩን ኣሎ። እምብኣር እስኪ ሕጂ እቲ ንጹር ዝኾነ ሓሳባት ካብ ኣፍ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ንተዓዘብ፦
📖 2ቆረ 13፡14
ጸጋ ጐይታና #የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ #ኣምላኽን ሕብረት #መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
1ቆረ 12፡4–6 (ንኣንባቢ ይሓድጎ)
ሓዉና ሃዋርያ ጴጥሮስ እዉን ኣብ መኽፈቲ ደብዳቤኡ፥ ሰላምታ ንምቅራብ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
📖 1ጴጥ 1፡2
ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር #ኣቦና #ብቕድስና #መንፈስ (of the Spirit) ንምእዛዝን ብደም #የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።

9⃣ ስብእና (Personality) መንፈስ ቅዱስ
============================
መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ዘለዎ ስብእና እምበር ሓይሊ ከምዘይሙዃኑ ኣቐዲምና ሪእናዮ ኣሎና። ኣብቶም ክንድህስሶም ዝጸናሕና ብርክት ዝበሉ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስና፥ መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ዘለዎ ኣካል ሙዃኑን፣ በቲ ዝዉንኖ መንነቱ ዝሰርሖም ዕዮታት እዉን ፍጹም ኣምላኽ ሙዃኑ ተገንዚብና ኣሎና ክብል እኽእል።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፥ መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ዘለዎ ኣካል ሙዃኑ ዘመላኽቱሉና ንመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቡ ቅጽል ስማት ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ጎይታ የሱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ዘለዎ ኣካል ሙዃኑ “እቲ ኻልእ መጸናንዒ” “ንሱ” “ካባይ ክወስድን ክነግረኩምን እዩ” “ንኣይ እዉን ከኽብረኒ እዩ” ብምባል ንናይ መንፈስ ቅዱስ ኣካላዊ ህልዉና ኣነጺሩልና ኣሎ። ብዝበለጸ፣ እስኪ የሃ 16፡13–14 እንታይ ከምዝብል ንርኣዮ፦
📖 የሃ 16፡13–14
13፤ እቲ #መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ #ንሱ #ዝሰምዖ ዘበለ እዩ #ዚዛረብ እምበር፡ #ካብ #ርእሱ #ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ #ንሱ ነቲ #ዚመጽእ #ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን #ኪመርሓኩም እዩ። 14፤ #ንሱ ኻባይ #ኪወስድን #ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ #ኬኽብረኒ እዩ።
ሃዋርያ ጳዉሎስ ሓዉና እዉን ኣብ ኤፌ 1፡14 ንኣካላዊ ህልዉና መንፈስ ቅዱስ ንምምልካት “ንሱ” “ዕርቡን ርስትና እዩ” ብምባል ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣካል ዝገብሮ ግብሪ እንታይ ሙዃኑ ይገልጾ ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ኣምላኽ ዝገብር ኣካላዊ ህልዉና ዘለዎ ኣምላኽ እዩ።
ብተወሳኺ፥ ጎይታናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እዉን ደጊሙ ደጋጊሙ፣ ብዛዕባ ኣካላዊ ህልዉና መንፈስ ቅዱስ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣጋጣሚታት ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ ምህሮኡ ወይ ዘረባኡ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣካል ዘለዎ ኣምላኽ ከም ሙዃኑ መጠን፥ ልክዕ ንእኡ ተኪኡ ብምምጻእ ልክዕ ከም ናቱ፣ ብኣካላዊ ህልዉና ምስቶም ደቀመዛሙርቲ ኾይኑ ዝሰርሖ ዕዮታት እንታይ ከምዝኸዉን ኣብዘን ዝስዕብ ጥቅስታት ተወከሱ፦
የሃ 14፡16
የሃ 15፡26
የሃ 16፡7
1የሃ 2፡1
የሃ 17፡4
ከምቲ ኣቐዲምና ሕልፍ ኢልናዮ ዝነበርና፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ኣምላኽ መጠን ድማ፣ ምስ ኣቦን ወድን ብሓንሳብ ተጠቂሱ ኣሎ። ንምዝኽኻር ኣብ ዓቢ ተልእኾ ኣብ ማቴ 28፡19 ከምኡዉን ኣብ 2ቆረ 13፡14 ምስ ኣቦን ወድን ተጠቂሱ ኣሎ። ኣስዒብና እዉን ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስና ምስ ኣቦን ወድን ክጥቀስ እንከሎ ክንርእይ ኢና፦
📖 ይሁዳ 1፣20–21
。。。。。。。
20፤ ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ #ብመንፈስ_ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ 21፤ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና #የሱስ_ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ #ኣምላኽ ሐልውዋ።
📖 1ይ ጴጥሮስ 1፣2
。。。。。。。
ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር #ኣቦና #ብቕድስና #መንፈስ (መንፈስ ቅዱስ) ንምእዛዝን ብደም #የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።
📖 ግብሪ ሃዋ 2፣33, 38
。。。。。。。。。
33፤ ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል #ምስ #በለ፡ ተስፋ #መንፈስ_ቅዱስ ከኣ ካብ #ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ።
📖 ገላትያ 4፣6
。。。。。
ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ #ኣምላኽ #ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ #ኢሉ ዚጽውዕ #መንፈስ #ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።
📖 2ይ ቆረንቶስ 1፣21-22
。。。。。。。。。
ግናኸ እቲ #ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን #መንፈስ ዝሃበና #ኣምላኽ ንሱ እዩ።
ጎኒ ጎኒ እዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና ጥቕስታት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ዓዉደ ንባባት እዉን ተወከሶም (ሮሜ 15፡13, ኤፌ 3፡14–17፥ 2ተሰ 2፡13–14)።

1⃣0⃣ መንፈስ ቅዱስን ኣገልግሎት ወድን
===========================
ኣብ ኣገልግሎት ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዉን መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦ ብማዕረ ተጠቂሱ ኣሎ። ኣብ ናይ ጎይታ የሱስ ማይ ጥምቐት፥ ኣቦ ካብ ላዕሊ ሰማይ ክዛረብ እንከሎ፥ መንፈስ ቅዱስ እዉን ካብ ላዕሊ ሰማይ ንምስክር ኣብ ልዕሊ ወዲ ከም ተምሳል ርግቢ ይዓርፍ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ እዉን፥ ንመጥመቕ የሃንስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ይነግሮ ወይ ይገልጸሉ ነይሩ እዩ ( ማቴ 3፡17–17 ተወከስ)። ጎይታ የሱስ እዉን በዓሉ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ “ምዉጻእ ኣጋንንቲ” ክዛረብ እንከሎ፥ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣቦን ጠቂሱ ከምዚ ክብል ይዛረብ፦
📖 ማቴዎስ 12፣18
。。。。。。。
እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ #ኣብኡ #መንፈሰይ #ክሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽአሎም እዩ።
መንፈስ ቅዱስ እምብኣር ምስ ኣቦን ወድን ሓቢሩ ክጽዋዕ ምኽኣሉ፣ በዓሉ ኣምላኽ ስለዝኾነ እዩ።
ካልእ፥ መንፈስ ቅዱስ እዉን ከም ስብእና ዘለዎ ኣምላኽ ሙዃኑ መጠን፣ ምስ ባሮት እግዚኣብሄር ኣብ ዕዮ ምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢሩ ክዓይይ ንርእዮ ኢና። ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝተገብረ ዓብይ ዋዕላ ሽማግለታትን ሃዋርያትን ህዝብን፥ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝተላዕለ ተኣፋፊ ጉዳይ ኣብ መዕለቢ ከብጽሕዎ ምእንቲ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፣ መንፈስ ቅዱስ ብህልዉናኡ ቐዳማይ ተሰምዩ ንረኽቦ፦
📖 ግብሪ ሃዋ 15፣28–29
。。。。。。。。。
ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ #ንመንፈስ_ቅዱስን #ንኣናን #ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።
እዚ ክፍሊ ንባብ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ ሰብ ሓቢሩ ዝዓይይ ሙዃኑ ዘርእይ ክፍሊ ንባብ እዩ። ንሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልጠት፥ ፍቓድ ከምኡዉን ስሚዒት ዘለዎ ስብእና እዩ። ንኣብነት ኣብ የሃ 14፣26 መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ፥ ነቶም ደቀመዝሙር ከም ዝምህሮምን ነቲ ዝተማሃርዎ ድማ ከም ዘዘክሮምን፣ ጎይታ የሱስ በዓሉ መስኪሩሉ ኣሎ። ከምኡዉን ሃዋርያ ጳዉሎስ፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝደለዮ ገይሩ፣ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ከምዝሰርሕ ንምምልካት ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦
📖 1ይ ቆረንቶስ 12፣11
。。。。。。。。
እዚ ዂሉ ኸኣ #ንሱ እቲ ሓደ #መንፈስ ከም #ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ #ዚገብሮ።
መመሊሱ እዉን ሃዋርያ ጳዉሎስ፥ መንፈስ ቅዱስ ስምዒት ከምዘለዎ ኣርጊጹ ስለዝፈልጥ፥ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ኤፌ 4፡30 “ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተግህይዎ” ይብሎም። መንፈስ ቅዱስ ዝሕጎስን ዝጉህይን ሰብእና ዘለዎ ኣምላኽ እዩ!!!
ብተወሳኺ እዉን ብዛዕባ ንመንፈስ ቅዱስ ምጉሃይ ዝምልከት ኣብ ግብ 5፡3~4፥ 1ተሰ 5፡19፥ ግብ 7፡51 ማቴ 12፡31፥ ማር 3፡29 ክትዉከስዎ ንነበብቲ እሓድገልኩም ኣሎኹ ።

#⃣ መደምደምታ
===========
እምብኣር መንፈስ ቅዱስ፥ ስብእና ዘለዎ ኣምላኽ ሙዃኑ ብዂሉ ሸነኹ ጽቡቕን ንጹርን ገይርና ዳህሲስናዮ ኽንከዉን ተስፋ እገብር። እወ መንፈስ ቅዱስ፣ ንሱ ኩሉ ዝፈልጥ፥ ኣብ ኩሉ ዝነብር፥ኩሉ ከኣሊ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ ምባል እምብኣር፣ ንብሩኽ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ሙዃኑ ዘይምፍላጥ ማለት ንኣምላኽ በዓሉ ፈጺምካ ዘይምፍላጥ ማለት እዩ። ዎ‘ ብሩኽ መንፈሰ ቅዱስ፣ ኣንሕና ግና ኣባና እትነብር ስለዝኾንካ፣ ምሳና እዉን እትነብር ስለዝኾ ንፈልጠካ ኢና! ካብ ልብና ነፍቅረካ ኢና! ብመንፈስና ነምልኽካ ኢና! We Love You Holy Spirit ♥!!!

ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Uncategorized

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *