ናይ መዝሙር ምንጪ እግዚኣብሄር በዓሉ እዩ። ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ እዉን ወሃቢ ሰማያዊ መዝሙራት እዩ። ስለዚ ኣርእስቲ ናይቲ መዝሙርና “መን የዉጽኣሉ?” ንዝብል ሕቶ ድሮ በቲ ወሃቢ መዝሙር ዝኾነ እግዚኣብሄር እዩ ተወሲኑ ዘሎ።
ኣብ ሰማይ፣ መዋዕዉዒ ናይ ሜድያ ገሊጹ ክዉድኣ ዘይክኣሎ፣ ሓንቲ ነንመዓልቱ ፈጺማ ሓዳስ እትኾነካ ናይ ኣምልኾን መዝሙርን ኣልቡም ወጺኣ ኣላ። እትዝርግሓሉ ጊዜን ሰዓትን ቦታን ተወሲኑላ ኣሎ። ኣቦ ሰሚዑ ዘይመንዋ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰሚዑ ዘይመንዋ፣ ቑጽሪ ኣልቦ ዝኾኑ ቅዱሳት መላእኽቲ ሰሚዖም ዘይመንዋ፣ ዂላቶም ብደም የሱስ ዝተሓጸቡ እዉን፣ እንተዘመርዋ ነንመዓልቱ እትሕድሶም እትምቅሮምን እያ። ካብዚ ዝተላዕለ፣ እታ ሓዳስ ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣልቡም፣ ሰራዊት ሰማይ ኸየቋረጹ ዝቅነዩላን ዘድህይላን ስለዝኾነት “እንኮ መወዳድርትን መዳርግትን” ዘይነበራን ዘይርከባን ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣልቡም እያ ኢሎም ብብዙሕ ሃንቐዉታን ናፍቖትን ኣርእስቲ ተዋሂብዋ ክትወጽእ ይጸባበይዋ ኣለዉ ። እምብኣር ኣርእስቲ ናይዛ ናይ ኣምልኾን መዝሙርን ኣልቡም ግና እንታይ ኮን ይኸውን?
ንመጀመርታ ዘገረመኒ ነገር፣ ደሃይ ቅኒት ናይዛ “ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣልቡም፣ ካብዞም ዝስዕቡ ዝተፈላለዩ 5ተ ኣንፈታት እዩ ክመጽእ ዝጀመረ:–
🔴 ካብቶም 24 ሽማግለታት
🔴 ካብቶም 4ተ እንስሳታት
🔴 ካብቶም ቑጽሪ ኣልቦ መላእኽቲ ሰማይ
🔴 ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ
🔴 ካብቶም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነብሩ
ቐጺሉ ዝገረመኒ ነገር ድማ፣ ነዛ ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣልቡም ንኽዝምርዋ ዕድል ዝተዋህቦም፣ እቶም ብደም እቲ ገንሸል እተዓደጉን እተሓጸቡን ሰባት ድኣ`ምበር፣ ቅዱሳት መላእኽቲ ኣይኮኑን። ስለዚ ኣታ ብደም እቲ ገንሸል ዝተዓደግካን ዝተሓጸብካን ህዝቢ ኤረ ክንደይ ዝተዓደልካ ህዝቢ ኢኻ! ብደሙ ምድሓንካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝኣኽለካስ፣ መላእኽቲ ሰማይ ከይተረፉ እንዳሰምዑ ኣዝዩም ንኽዝምርዎ ብሂጎም ሃረር ዝብልዎ መዝሙር እዉን ድማ ክትዝምሮ ንኣኻ ጥራይ ዕድል ክዉሃበካስ ብኸመይ ዝበልዎ ፍቕሪ እዩ ኣምላኽ ኣፍቂሩካ!!!
ስለዚ ኣርእስቲ ናይታ ኣልቡም እንታይ ኮን እዩ ክብሃል? እዞም ዝስዕቡዶ ይኾኑ:– “ተገይሩለይ” “ሓለዋይ” “ብሂጉኒ” “ጥሒሰ” “ሕሩይ ወለዶ” “እጽበየካ” “እርእይ ኣሎኹ” “በዚሑለይ” “ገሪሙኒ”….ወዘተ?። እዞም ኹሎም ንኣብነት ዝጠቐስክዎም ኣርእስትታት ብጣዕሚ ጥዑማትን ወለ ሓደ ኣበር ድማ ዘይብሎምን እኳ እንተኾኑ ነታ ኣርእስቲ እታ ኣልቡም ዝዳረግዋ ኣይመስለንን። ግናኸ መልሲ ናይ ሕቶይ ንጊዜኡ ኣወንዚፈዮ ክጽንሕ እሞ፣ ቕድመ ቐዳድም ንምግማታ ምእንቲ ክጥዕመኩም፣ ሓጻር ደሃይ ቅኒት እታ ናይ ኣምልኾን መዝሙርን ከስምዓኩም እየ።
ስለዚ ናብ ደሃይ ቅኒት እታ ኣልቡምና ምእንቲ ክንሰግር፣ ሕጂ ቐጺለ ብዛዕባ ኢሳቕን የሃንስ መጥመቅን ገለ ሓጸርቲ ሓሳባት ክዛረብ ፍቐዱለይ።
🔴 ኢሳቕ ንኣቦና ኣብርሃም ኣብ ዘፍ 22፣7 እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ገንሸል ኣበይ ኣሎ? ክብል ሓቲቱሉ ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ ኣብርሃም ዝነበረ መንፈስ እዚ ገንሸል ድማ ብኣፍ ኣብርሃም ገይሩ “ኣምላኽ ንመስዋእቱ በዓሉ ክሓልይ እዩ” ክብል ኣመላኺቱ ነይሩ እዩ። በዚ ጽላሎት ግብሪ መስቀል ድማ፣ እቲ ኸረን መስዋእቲ “ይሕለ” ዝብል ስያሜ ተዋህቦ። ትርጒም እቲ ይሕለ” ዝብል ኸረን ድማ “እቲ ገንሸል ቦታ እቲ ወዲ_ተስፋ ዝኾነ ኢሳቕ ተክአ” ንምባል እዩ ነይሩ።
🔴 እቲ ዘመን ምቕናዕ ተብሂሉ ተተስፍዩ ዝነበረ ዘመን ምስ መጸ ድማ፣ እቲ ብኣቦና ኢሳቕ “እቲ ንመስዋእቲ ዝኸዉን ገንሸል ድአ ኣበይ ኣሎ?” ተብሂሉ ቐሪቡ ዝነበረ ሕቶ መልሱ ረኸበ። ማለት፣ እቲ ብጽላሎት ኣብ ከረን_ይሕለ” ኣቅርንቱ ብቆጽሊ እሾኽ ገረብ ተታሒዘን ዝነበረ ገንሸል፣ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸዉን ስጋ” ኾይኑ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ክመላለስ ጀመረ። የሃንስ መጥመቅ ድማ ነዚ ቃል ዝነበረ እሞ፣ ኣብ ዘመን ምቕናዕ ድማ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸዉን ስጋ” ኾይኑ፣ ብጸጋን ብሓቅን ተመሊኡ ክመጽእ እንከሎ ምስ ረኣዮ፣ ነቲ ብኣቦና ኢሳቕ “እቲ ንመስዋእቲ ዝኸዉን ገንሸል ድአ ኣበይ ኣሎ?” ተብሂሉ ተሓቲቱ ንዝነበረ ሕቶ፣ ኣብ የሃ 1፣29 ብዓዉ ብዝበለ ድምጺ “እነሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቅ ገንሸል ኣምላኽ” ክብል መለሰ።
እሞ እዚ ዂሉ ካብ በልና፣ ኣርእስቲ ናይታ ኣብ ሰማይ እንዝምራ ናይ ኣምልኾን መዝሙርን ኣልቡምና እንታይ እዩ ክኸዉን? እስኪ ቅሩብ ገምት/ቲ 😘
መልሲ
🔴 እቶም ብደም እዚ ገንሸል ዝተዓደጉ፣ ዝተሓጸቡ፣ ዝጸደቑ፣ ዝተቀደሱ ድማ ናይታ ኣብ ሰማይ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ዘሎን እቲ ገንሸልን እትዝመር ኣልቡም “ኣርእስታ እንታይ ይዂን?” ተብሂሎም ተሓተቱ። ብደሃይ ቅኒት መላእኽቲ ሰማይን እቶም ኣርባዕተ እንስሳታትን ተሰንዮም፣ ብሓደ ዓዉ ብዝበለ ናይ ስምረት ድምጺ “ብቑዕ_እዩ_እቲ_ገንሸል” ክብሉን፣ እታ ኣልቡም ተኺፊታ ናይ ሰማይ ኣምልኾን መዝሙርን ክጅመርን ሓደ ኾነ። ኣቦን መንፈስ_ቅዱስን ድማ ተጠማሚቶም ብሓደ ኾይኖም ናብቲ ተሓሪዱ ዝነበረ ገንሸል ብምሉእ ሓጎስን ባህታን ጠመትዎ እሞ፣ እቲ ገንሸል ኲሉ ኽብርን ስግደትን ወሰደ።
እዛ “ብቑዕ እዩ እቲ ገንሸል” እትብል ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣልቡም ምስ ተጀመረት፣ ፈጺማ ዘይትዉዳእ፣ ዘይትቋረጽ፣ ዘይትምኖ ኾይና ተረፈት። በዛ ኣልቡም እዚኣ፣ ናይ ቅዱሳን መዝሙርን ኣምልኾን ዘይፈላለ ሓደ ኾነ። እቲ ኣብ ምድሪ እንከሎና “ኣምልኾን መዝሙርን ርእሶም ዝኽኣሉ በበይኖም እዮም። ኣምልኾ ሙዃን እዩ፣ መዝሙር ድማ ምባል እዩ” ዝብል ምህሮ ኣርባዕተ ነጥቢ ተገብረሉ። በዛ “ብቑዕ እዩ እቲ ገንሸል” እትብል ኣልቡም፣ እቲ መዝሙርን ኣምልኾን በዓሉ እቲ ገንሸል ኾነ። እቶም ቅዱሳን ዝነብሮ ናብራ፣ ናብራ እቲ ገንሸል ኮነ። ዝዝምርዎ መዝሙር ድማ እቲ ገንሸል ኾነ። ናይ ኩሉ ነገርን ፍጥረትን ማእከል፣ ርእሲ፣ ቦኽሪ ድማ እቲ ገንሸል ኾነ።
ዂሉ ቅኒትን ደሃይ መዝሙርናን ኣምልኾናን፣ የሱስ ክርስቶስ ገንሸል ዘጽኣትና ኢኻ። ፍስሃ ወ ሰላም፣ ጐይታ የሱስ ኣንታ ገንሸል ዘጽኣትና፣ ደጊም ንስኻ ኢኻ ኣርእስቲ ኣልቡምና።
ኣሜን ማራን ኣታ ጐይታ የሱስ ንዓ!!! ራእይ 4–5 ይነበብ!
ካብ ብልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉዂም
ሮቤል ነጸረኣብ