መንፈሳዊ #ዉህበታት
=·=·=·=·=·=·=·=·=
📖 1ይ ቆረ 12:1
ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና #ብዘይ #ፍልጠት ክትኰኑ #ኣይፈቱን እየ።
ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ፣ በዛ ጥቕሲ ጀሚሩ ክዛረበሉ ደልዩ ዘሎ ኣርእስቲ “መንፈሳዊ ዉህበታትን ኣጠቓቕምኦምን” ብዝምልከት እዩ። ንማሕበር ቆረንጦስ “ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ” ኢሉ ክዛረብ ዘገደድዎ ምኽንያታት ድማ ነይሮምዎ እዮም። ንኣብነት:–
➡ ገሊኦም ብዛዕባ መንፈሳዊ ዉህበታት እኹል ዝኾነ ፍልጠት ብዘይምንባሮም፣ ነቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ዉህበት እንተ ንሳቶም እንተ ኻልኦት ከይጥቐምሉ ብፍርሒ ይዝሕጡን የዝሕጡን ነይሮም። #ምኽልካል
➡ ገሊኣቶም ድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መንፈሳዊ ዉህበታት ሰኣን እኹል ፍልጠት ምህላዎም፣ ነቲ መንፈሳዊ ዉህበታት ንምህናጽ ማሕበር ምእንቲ ክኸዉን ብኣግባብን ስርዓትን ኣይጥቐምሉን ነይሮም። #ስርዓት_ኣልቦነት
➡ ገሊኣቶም ድማ፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዉህበታት ሓንቲ ፍልጠት ስለዘይነበሮም፣ ንገለ መንፈሳዊ ዉህበታት ካብ ሰይጣን ስለዝኾነ ንየሱስ እዮም ዝረግምሉ ዝብል ኣጉል መረዳእታ ነይርዎም። #ኣጉል_መረዳእታ
➡ ገሊኣቶም እዉን፣ ብጉልባብ መንፈሳዊ ዉህበታት፣ ነቲ ቐደም ዝነበሮም ናይ ጥልቂ ልምምድ ተመሊሶም ይገብርዎ ነይሮም። #ሰይጣናዊ_ልምምድ
መንፈሳዊ ዉህበታት
============
መንፈሳዊ ዉህበት ዝብል ቃል ብቋንቋ ግሪኽ #ካሪዝማታ “#cɦαɾเรɱαƭα” ይብሃል። እዚ ድማ ነቶም ቐጻሊ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን ናይታ ማሕበር ክርስቶስ ዝግለጹ መሎኮታዊ ንዝኾኑ ዉህበታት መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ቃል እዩ። እቶም ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 12:4–8፣ ኤፌ 4:11–13፣ ከምኡ`ውን ኣብ 1ቆረ 12:7–11ዝተዛረበሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት ዉህበታት እንተቆጺርናዮም፣ ዳርጋ ልዕሊ 18ተ ዝኾኑ እዮም። እቶም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጥቅሲ ማለት ኣብ 1ቆረ 12 ዘለዉ ድማ 9ተ ዉህበታት እዮም። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም:–
1⃣ ዉህበት “ቃል ጥበብ”
2⃣ ዉህበት “ቃል ፍልጠት”
3⃣ ዉህበት “እምነት”
4⃣ ዉህበት “ምፍዋስ”
5⃣ ዉህበት “ምስራሕ ተኣምራት”
6⃣ ዉህበት “ትንቢት”
7⃣ ዉህበት “ምልላይ መናፍስቲ”
8⃣ ዉህበት “ምዝራብ ቋንቋታት”
9⃣ ዉህበት “ምቱርጓም ቋንቋታት”
እዞም ክዝርዘሩ ዝጸንሑ ኣብ 1ቆረ 12:7–11 ዝርከቡ 9ተ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዉህበታት ድማ ምእንቲ ንምርዳኦም ክቐልል ተብሂሉ፣ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጉጅለታት ክምደቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት:–
Ⅰ. ናይ #ምዝራብ ዉህበታት:–
① ዉህበት “ትንቢት”
② ዉህበት “ምዝራብ ቋንቋታት”
④ ዉህበት “ምቱርጓም ቋንቋታት”
Ⅱ. ናይ #ሓይሊ ዉህበታት:–
① ዉህበት “ምፍዋስ”
② ዉህበት “ምስራሕ ተኣምራታት”
③ ዉህበት “እምነት”
Ⅲ. ናይ #ምግላጽ ዉህበታት:–
① ዉህበት “ምልላይ መናፍስቲ”
② ዉህበት “ቃል ጥበብ”
③ ዉህበት “ቃል ፍልጠት”
2ተ ዝተፈላለዩ #ኣረኣእያታት
==================
ብዛዕባ እቶም ኣብ ሮሜ 12፣ ኤፌ 4፣ ከምኡ`ውን 1ቆረ 12 ዘለዉ መንፈሳዊ ዉህበታት ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣረኣእያታት ወይድማ ሰረተ–እምነታት ከምዘለዉ ቅድሚ ዝኣገረ ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። ምኽንያቱ፣ ኩሉ እቲ ብዛዕባ እቶም ዉህበታት ክዉሃቡ እንርእዮምን እንሰምዖምን እነንብቦምን ዘሎና ርእይቶታት፣ ድሕረ ባይታ ኣለዎም እዮም። እቶም ክልተ ርእይቶታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም:–
1⃣ ደገፍቲ #ቐጻልነት ናይ ዉህበታት
2⃣ ደገፍቲ #ጊዚያዉነት ናይ ዉህበታት
ጉጅለ ደገፍቲ ቐጻልነት ዉህበታት
====================
እዞም ጉጅለ፣ ኩሎም እቶም መንፈሳዊ ዉህበታት ብጊዜን ቦታን ዘይተደረቱ ኾይኖም፣ ቐጻሊ ከምቲ ኣብ ጊዜ ሃዋርያት ዝነበሩ፣ ሕጂ`ውን ዝቕጽሉ ዘለዉ እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ስለዚ ኩሎም ቅዱሳን ኣመንቲ፣ ነቲ ጐይታ ንምህናጽ ማሕበሩ ኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዝህቦም ዉህበታት፣ ሃረር ምእንቲ ክብልዎም ብዛዕባኡ ክጽልዩ፣ ከምኡ`ውን ከማዕብልዎ ዘተባብዑን ዝምህሩን፣ በቶም ዉህበታት እዉን ቐጻሊ ዘገልግሉን ዝግልገሉን ጉጅለ እዮም።
ጉጅለ ደገፍቲ ጊዚያዉነት ዉህበታት
======================
እዞም ጉጅለ፣ ካብቶም ኩሎም መንፈሳዊ ዉህበታት፣ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ጊዜ ሃዋርያት #ተሓጺሮም ዝተረፉ ብሙዃኖም፣ ንሽዑ ኣብቲ ጊዜ ሃዋርያት ንጊዜኡ ዝተዋህቡ እምበር፣ ድሕሪኡ ዘሎ ጊዜ ዘይቕጽሉ እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ካብዚ እተላዕለ፣ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኣብ ጌጋ ልምምድ እዮም ዘለዉ ብምባል ቐጻሊ ክነቕፉዎም እዮም። ንኣብነት፣ ነብያት ይኹኑ ሃዋርያት ዝብሃሉ ዉህበታት ሕጂ የለዉን ኢሎም ስለዝኣምኑ፣ #ንሓቐኛታት ይኹን #ንሓሰዉቲ ሃዋርያትን ነብያትን ብኣልማማ እዮም ዝቋወምዎም። ብዛዕባ ዉህበታት ቋንቋታት እኳ ከይተረፈ ብርቱዕ ዝኾነ ተቋዉሞ የስምዑ። ነቲ ዉህበት ቋንቋታት ተብሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተጽሒፉ ዘሎ፣ ሰባት ክረዳድእሉ ዝኽእልሉ ምድራዊ ቋንቋታት ጥራይ እዮም ነይሮም ኢሎም ይኣምኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ናይ ጴንጠቆስታል ምንቕስቓስ ብኣልማማ “ናይ ጓሻ ሓዊ ምንቕስቓስ” ኢሎም ሰምዮምዎ ይርከቡ።
መደምደምታ
========
እሞ ኣየናይ ጉጅለ እዩ ኣብ ሓቂ ዘሎ፧ ነዚ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርትዒ ምላሽ ንምሃብ እምብኣር፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብቲ መእተዊ ጥቅስና ኢልዎ ዘሎ፣ ኲላትና ብዛዕባ እዞም መንፈሳዊ ዉህበታት ብዘይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ክንከዉን ከምኡ`ውን ድንግርግር ክንብል ንርእስና ፈጺምና ዘይንፈቕደላ ጊዜ ሕጂ እዩ። “መንፈስ ቅዱስን ዉህበታቱን” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ ደጋጊምና ብዕምቈት ክንምሃሮ ይግብኣና ኣሎ። ምኽንያቱ ብዘይፍልጠት ሙዃን መዓረ ክንደይ ሓደገኛ ሙዃኑ ኣብ ላዕሊ ብመጠኑ ዳህሲስናዮ ኣሎና።
ስለዚ፣ በቲ ጐይታ ብጸጋኡን ምሕረቱን ዝደገፈኒ፣ ብእኡ መጠን ቐጻሊ ብዛዕባ እዚ ምህሮ ኣዕሚቐ ክምህር ወሲነ ኣሎኹ። ኣብ ዝመጽእ 2ይ ክፋል ብዛዕባ “ዉህበት ምዝራብ ቋንቋታት” ከምኡ`ውን ብዛዕባ “ዉህበት ምቱርጓም ቋንቋታት” ኣስፊሔ ከቕርብ እየ። እዚ ዓይነት መእተዊ ሓሳብ ከይሃብኩ ክጅምር ስለዘይደለኹ እየ በዚ ጀሚረ ዘሎኹ።
📖 1ይ ጴጥ 4:10
ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ