እቲ ኣዝየ ዘፍቅሮ ሃዋርያ

📖 ግብሪ ሃዋ 9: 15-16፤ ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ።
ኣብ ምድሪ፣ #ስለ ክርስቶስ ክብል ኢሉ፣ ብብዙሕን ከቢድን ዝኾኑ ስቕያት ዝሓለፈ ቁጽሪ ሓደ ሰብ እንተሎ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኩላቶም ሃዋርያት በቲ ዝበዝሓሎም ጸጋን ምሕረትን #ምእንቲ ክርስቶስ ዝነበሩ እኳ እንተኾኑ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ ግና ሓለፋ ኣለዎ እዩ። ሓደ ነገር ኢኻ ክትብሃልን፣ ነቲ ዝተባሃልካዮ ኾይንካዮ ክትመላለስን በበይኑ እዩ። ማለት፣ ሃዋርያ እየ ኽትብልን ሃዋርያ ኾይንካ ክትነብርን በበይኑ እዩ። እስኪ ሓደ ዓቢ ስእሊ እንተረኸብና፣ ነቶም ሃዋርያ ጳዉሎስ ስለ ወይ ምእንቲ ክርስቶስ ክብል ዝሓለፎም መከራታት ኣስዒብና ንርኣዮም እሞ፣ ንርእስና ዝጠቕመና ትምህርቲ ንዉሰድ:–
1⃣ ናይ ሞት ወይ ምቕታል ፈተነታት
=======================
➡ ምስ ደሓነ እሞ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹ ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀመረ ኣብ ደማስቆ ንኽቐትልዎ ኣኽቢቦምዎ ነይሮም፣ ግናኸ ኣምለጠ (ግብ 9:23–25, 2ቆረ 11:32–33)።
➡ ድሕሪ ናብ ጐይታ ምምጽኡ፣ ንዮርሳሌም ንመጀመርያ ጊዜ ንኽበጽሕ ምስ ከደ፣ ነቶም ካብ ጽርኢ ዝነበሩ ይምስክረሎም ነይሮም፣ ንሳቶም ድማ ሒዞም ክቐትልዎ መደብ ኣዉጽኡ፣ ግናኸ እቶም ኣሕዋት ሓቢኦምዎ ኣዉጺኦም ሰደድዎ (ግብ 9:29)።
➡ ብምኽንያት እቲ ሳልሳይ ዑደቱ ምዝርጋሕ ወንጌል ናብ ሶርያ ክኸይድ መደበ እሞ፣ እቶም ኣይሁድ ድማ ነዚ ፈሊጦም ክቐትልዎ ደለዩ፣ ንሱ ግና ብሜቆዶንያ ገይሩ ክምለስ ምኽሩ ቆረጸ (ግብ 20:3)።
➡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንከሎ፣ ኣይሁድ ካብቲ መቕደስ ኣዉጺኦም ንኽቐትልዎ ምዝባጡ ጀመሩ እሞ፣ ጭፍራ ናይቲ ምስሌነ ምስ መጸ ግና ምዝባጡ ሓደጉ (ግብ 21:30–31)።
➡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ መንጐ ፈሪሳዊያንን ሰዱቃዊያንን ብዛዕባ ትንሳኤ ህይወት ምስ ሰበኸ፣ ዓቢይ ዕግርግርን ባእሲ ኮነ፣ ንሃዋርያ ጳዉሎስ ሰዱቃዊያን መንዚዖም ከይቐትልዎ ድማ እቲ ሓለቓ ሽሕ ካብ ማእከሎም መንዚዑ ወሰዶ (ግብ 23:10)።
➡ ኣብ ዮርሳሌም ድሕሪ ንፈሪሳዊያንን ሰዱቃዊያንን ብዛዕባ ትንሳኤ ህይወት ምስባኹ፣ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ኣይሁድ ንሃዋርያ ጳዉሎስ ክሳብ ዝቐትልዎ ብጽኑዕ ተመሓሓሉ፣ ወዲ ሓብቱ ንጳዉሎስ ነዚ ዉዲት ምቕታል ሃዋርያ ጳዉሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ነገሮ እሞ፣ እቲ ሓለቓ ሽሕ ብሕቡእ ሰራዊት ኣሰንዩ ናብ ፊልክስ ክሰዶ መደበ (ግብ 23:12–22)።
➡ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን፣ ናይ ፌልጦስ ካብ ቂሳርያ ናብ ዮርሳሌም ኽድይብ ምዃኑ ምስ ሰምዑ፣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዓሉሉ እሞ ኣድብዮም ኣብ መገዲ ክቐትልዎ ደልዮም ፌልጦስ ንጳዉሎስ ሒዝዎ ኽድይብ ብተንኮል ሓተትዎ፣ ንሱ ግና ኣይፋል ናብ ቂሳርያ ዉረዱ በሎም (ግብ 25:1–5)።
2⃣ ናይ ብቅዱሳንን ብደቂ ዓዱን መሪር ጽልኢ ፈተናታት
==================================
➡ ብገለ ቅዱሳን ኣሕዋቱ ብዘይ ምኽንያት ይጽላእ ነይሩ (ፊሊጲ 1:14–18)።
➡ ብሰንኪ ወንጌል፣ ብደቂ ዓዱን ካልኦትን ብክቱር ክፉእ ቅንኢ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝኾነ ጽልኢ፣ ተቋዉሞን፣ ስም ምጽላምን ይበጽሖ ነይሩ። ንኣብነት:–
⏩ ኣብ ኣንጾክያ (ግብ 13:45, 50)
⏩ ኣብ ኢቆንዩም (ግብ 14:1–7)
⏩ ኣብ ተሰሎንቄ (ግብ 17:5, 2ተሰ 2:2, 14–16)
⏩ ኣብ ቬርያ (ግብ 17:13)
⏩ ኣብ ቆረንጦስ (ግብ 18:6, 12)
➡ ኣብ ልስጥራን ደርቤን እቶም ኣይሁድ ብዳርባ ኣእማን ፈጽፊጾም፣ ሞይቱ ኢሎም ደርብዮምዎ ኸዱ (14:19)።
➡ ሰይጣን ብሓይሊ ብዝጥቐመሎም ሰባት እዉን ኣዝዩ ብርቱዕ ዝኾነ ተቋዉሞን ዉዲትን ጸቕጥን በጽሖ (ግብ 13:8, 16:16–18, 2ቆረ 12:7, 1ተሰ 2:18)።
➡ ኣብ ከተማ ፊሊጲ፣ ብኸቢድ ማለት ኽዳኑ ቀንጢጦም ብሸመል ተቐጥቂጡን ብጽኑዕ ተኣሲሩን እዩ (ግብ 16:19–24)።
3⃣ ናይ ጸርፊ፣ ምንሻዉን፣ ምስክር ሓሶትን ፈተናታት
================================
➡ ሃዋርያ ጳዉሎስ ብዛዕባ ክርስቶስን ትንሳኤ ምዉታትን ኣብ ኣቴንስ ምስ ሰበኸ፣ ብዙሓት ፈላስፋታትን ካብቲ ህዝብን እዚ ዓጃዉ እዩ እንዳበሉ የናሽዉዎን የላግጽሉን ነይሮም (ግብ 17:18, 32)።
➡ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ቅድሚ ፌስጦስ ተኸሲሱ ብዛዕባ ናብ ጐይታ ኸመይ ኢሉ ከምዝመጸ ክመጻረ እንከሎ፣ ፌስጦስ ንጳዉሎስ ኣእምሮኻ ስሒትካ ኣሎኻ፣ እቲ ትምህርትኻ ናብ ጽላለ ኣድሂቡልካ ኣሎ ክብል ኣብ ማእከል እቲ እኩብ ህዝቢ ኣናሽይዎ እዩ (ግብ 26:24–25)።
➡ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፣ ልክዕ ከም ናይ ጐይታ የሱስ ፣ ብብዙሕ ናይ ሓሶት ምስክራት ተኸሲሱን መከራ ጸጊቡን እዩ (ግብ 24:5–9, 25:7)። ብተወሳኺ ድማ ብማዕበል ባሕርን ብምንካስ ተመንን እዉን ተፈቲኑ ነይሩ እዩ (ግብ 27:14–20, 28:3–4)።
4⃣ ናይ ማእሰርትን በይንኻ ምትራፍን ፈተናታት
=============================
➡ ሓዉና ሃዋርያ ጳዉሎስ ብዘይካ እዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና መከራታት፣ ኣብ ብዙሓት ቤት ማእሰርትታት እዉን ምእንቲ ምስክር ጐይታ የሱስ ተዳጊኑ እዩ። ንኣብነት:–
⏩ ኣብ ቂሳርያ (ግብ 24:27)።
⏩ ኣብ ሮማ (ኤፌ 6:20, ፊሊጲ 1:13, 2ጢሞ 1:8,
2ጢሞ 2:9, ፊል 1:9)።
➡ ብብዙሓት ካብቶም ዝጽዓረሎም መገላግልቱ እዉን ይጥለም እሞ፣ ኮይንዎ በይኑ ዝተረፈሉ ጊዜ ነይሩ ( 2ጢሞ 4:10, 16)።
መደምደምታ:–#ዕላመት የሱስ ኣብ #ስጋ ጳዉሎስ
================================
📖 2ይ ቆረ 1
6፤ ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ።
📖 2ይ ቆረ 4
8፤ ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ 9፤ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10፤ ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና።
📖 2ይ ቆረ 6
4፤ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡5፤ ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ 6፤ ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ 7፤ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ 8፤ ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡
📖 2ይ ቆረ 11
24፤ ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ።
25፤ ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዓልኩ። 26፤ ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። 27፤ ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ። 28፤ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ።
📖 ገላ 6
17፤ ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር አሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።
እምብኣር፣ ካብቲ ብክርስቶስ፣ ኣብ ክርስቶስን ዝኣተናዮ ጸጋ፣ ናብ #ሰለ_ክርስቶስ፣ #ምእንቲ_ክርስቶስ፣ #ንክርስቶስ ዝኾነ ህይወት ንምንባር ክንለማመድ ወይ እዉን ድልዋት ክንኸዉንን ጐይታ ይደግፈና። ኣሜን!
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Teaching, Video Sbket

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *