እቲ ክልተነት የሱስ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ ማለት የሱስ ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበሮ ኣምላኽነት ከየቋረጸ ካብታ እቲ ቃል ስጋ ዝዀነላ እዋን ከኣ እቲ ሰብነቱ ከየቋረጸ ክሳዕ ድሕሪ ትንሳኤኡ እኳ፡ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ምንባሩ ዘይልወጥ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ። ንሱ ኣምላኽ ክነሱ ሰብ ዝዀነ/God-Man ድማ እዩ። ርእሱ ኣትሒቱ ነቲ ኣምላኽነቱ ከም ምምንዛዕ ከይረኣየ ፍጹም ሰብ ብምዃኑ፣ ፍጹም ኣምላኽነቱ ኣይተበትከን።
ክርስቶስ የሱስ ቐደም ኣምላኽ ዝነበረ ድሓር ከኣ ሰብ እተለወጠ ኣይኰነን። ወይ’ውን እቲ ኣምላኽነቱ ሰብነት እተሓወሶ እሞ፣ ኣይሰብ ኣይኣምላኽ፣ ሕውስዋስ ዝዀነ ባህርይ ዘለዎ ማለት እውን ኣይኰነን። ግናኸ ከምቲ ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝበልዎ፣ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን hypostatic union (no mixture union) እዩ። ብዝበለጸ፣ የሱስ ፍጹም ሰብ ክነሱ፣ ኵሉ እዋን እዉን ኣምላኽ ከምዝዀነ ኣብ ዮሃ 8፡58፣ 10፡30፣ 11፡43፥ ማቴ 14፡18-21፥ ሉቃ 24፡45 ንወከስ።
እምብኣር፣ ክርስቶስ የሱስ ከምቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ እተራእየን እተዳህሰሰን፣ ኣእምሮ ደቀ መዛምርቱ እዉን ዝስሓበን ዘገረመን፡ እዚ ክልተነት ማለት ፍጹም ኣምላኽነትን ፍጹም ሰብነትን ሒዙ ክምለሰና እዩ። ማለት ኣመጻጽእኡ ደኣ ብፍሉይ ግርማን ክብርን ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ምድሪ ደጊሙ እዉን፣ ንኣምላኽነቱን ሰብነቱን ኣጣሚሩ እዩ ን1000 ዓመታት ዚኣክል ዚነግስን ዝገዝእን።
ስለዚ፣ ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ልጥፎይ፣ ብዛዕባ ኩለንትና ሰብነት ሰብ፣ መንፈስ፣ ነፍሲ፣ ስጋ ሙዃኑ ዝርኣናዮ፣ ሎሚ እዉን እቲ ኹለንትና ሰብነት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዉን፡ መንፈስ፣ ነፍሲ፣ ስጋ ሙዃኑ ክንርእዮ ደልየ ኣሎኹ። ጐይታና ክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ትንሳኤኡ ኮነ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብ3ተ ኹለንትናኡ ተገሊጹ ኣሎ እሞ ብቃል ኣምላኽ ንርኣዮ:–
1⃣ ናይ የሱስ #ስጋ
============
ሀ) #ምድራዊ ስጋ (ኣበር–ኣልቦ ስጋ)
📖 ዮሃንስ 4
6፤ ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ #ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
📖 ማቴዎስ 4
2፤ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ።
ለ) #ሰማያዊ ስጋ (ድሕሪ ትንሳኤ)
📖 ዮሃንስ 20
17፤ የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ።
📖 ዮሃንስ 20
20፤ እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ #ኣእዳዉን #ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ።
📖 ዮሃንስ 20
27፤ ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ #ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ #ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ።
2⃣ ናይ የሱስ #ነፍሲ
==============
📖 ማቴዎስ 26
38፤ ሽዑ፡ #ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም።
📖 ማርቆስ 14
34፤ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም።
3⃣ ናይ የሱስ #መንፈስ
===============
📖 ማርቆስ 2
8፤ የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ #ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧
📖 ማርቆስ 8
12፤ ንሱ ድማ ብመንፈሱ #ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ አሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ።
📖 ዮሃንስ 11
33፤ ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ #ተኪዙ እናሕነቕነቐ፡
📖 ዮሃንስ 13
21፤ የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ #ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መስከረ።
መደምደምታ:– ኹለንትና ሰብነት የሱስ ድሕሪ ትንሳኤ
==================================
📖 ሉቃስ 24
36፤ እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።
38፤ ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39፤ #ኣነ ባዕለይ ምዃነይ #ኣእዳወይን_ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ #ንኣይ #ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ #ንመንፈስሲ #ስጋን #ዓጽምን የብሉን እሞ፡ #ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40፤ እዚ ኢሉ #ኣእዳዉን_ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41፤ ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ #ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኩም፡ በሎም። 42፤ ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ። 43፤ #ተቐቢሉ ኣብ #ቅድሚኦም #በልዔ።
ካብ ብልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ