ሰዊሩኒ‘ዩ  ተሰዊረዮም

📖 1ይ ሳሙ 23:14 / ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን።
ኣብዚ 2ሳሙ ምዕራፍ 23፣ እቲ መሳደዲ ሳኦል ነቲ ቕቡእ ዳዊት ምስ 600 ዝኾኑ ሰቡን ንምቕታል፣ ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ኣዋዲዱ ዓቢይ ስርሒት ዝገበረላ ምዕራፍ እያ። ንጉስ ሳኦል፣ ብዛዕባ ዳዊት ካበይ ወጺኡ፧ ኣበይ ኽኣ ኣትዩ፧ ብደቒቕ ኣጽኒዖም ሓበሬታ ዝህብዎ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ነይሩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ግና፣ ንባርያኡ ዳዊት፣ ካብቶም ፈተዉቱ መሲሎም ናብ ኢድ ሳኦል ኣሕሊፎም ንኽህብዎ ዝተሰለፉ ዕሱባት ይኹን፣ ካብ ኢድ ሳኦል እዉን ብፍሉይ ሓለዋ እዩ ዝሕልዎ ነይሩ። እወ፣ እቲ ቃል በዓሉ እኳ፣ “ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ #ኣይሀቦን።” ክብል ንርእዮ።

ድሕሪ ብዙሕ ፈተነታት፣ ካብ መዓልታት ሓንቲ መዓልቲ ግና፣ እቶም ዕሱባት ሰለይቲ ናይ ሳኦል፣ ብርግጽ ዳዊትን ሰቡን፣ ኣብቲ ኣብ በረኻ ማዖን ዘሎ ከረን ከምዘለዉ ነገርዎ እሞ፣ ናብቲ ከረን መጺኡ ንዳዊትን ሰቡን ክሃድሙ ከምዘይኽእሉ ገይሩ ኣኽበቦም። ሳኦልን ሰራዊቱን ነታ ኸረን እንዳዘሩ ንዳዊት ምስ ሰቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎም ድማ ስድሪ እትኸዉን ተረፈቶም። ዳዊት ድማ ብቕልጡፍ ካብ ኣዕንቲ ሳኦል ናብ ሓንቲ መሰወሪት ንኽትኮኖ፣ ኣምላኹ ዘዳለዋ ከዉሒ ተሓብኤ። ወዮ ሳኦል፣ ዳዊት ጥቕኡ ክነሱስ፣ በታ መሕብኢት ከዉሒ እምኒ ተሰዊርዎ ፈጺሙ ምርኣዩ ሰኣነ። ግናኸ፣ ሳኦል ምስ ሰራዊቱ ንዳዊትን ሰቡን ኽገብጥዎም ሓንቲ ስድሪ እትኸዉን ጥራይ እያ ተረፋቶም ነይራ።
ኣብ መንጐ ከምዚ ዝበለ ናይ ሞትን ህየትን ህሞት፣ ሰማይ ሃንደበት ጣልቓ ኣተወ። እቲ መሰወሪ ከዉሒ ንዳዊት ክስዉሮ ብሰማይ ተኣዘዘ። ንሳኦል ድማ፣ መርድእ ነጊሮም ንድሕሪት ገጹ ኽምለስ ዝገብሩ ልኡኻት ሰማይ ኣዘዘ። ሽዑ ሓደ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ። ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ። ካብ`ዚ ዝተላዕለ፣ ዳዊት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፣ ነቲ ካብተን ሕሱም ቕንኢ ዝተመልኣ ኣዒንቲ ሳኦል፣ ካብተን ሕሱማት ኣእዳዉ ሳኦልን ዝሰወሮ መሰወሪ ከዉሒ “ሴላዕ ማሕልቆት” ወይ ድማ ብኢንግሊይዘይና “a hidding rock” ብዝብል ሓድሽ ስያሜ ሰመዮ። እወ ብርግጽ፣ እቲ ኸዉሒ መሰወሪኡን መሕቢኢኡ ኾይንዎ።
ስለ`ዚ ቅዱሳን ኣሕዋተይ፣ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ መዝ 125፣3 “በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነበርን እዩ።” ከምዝብል፣ ኣነን ንስኻትኩም`ውን ልክዕ ከም`ዚ ናይ ዳዊት፣ ካብ እተን እኩያት ኣዒንቲ፣ ርኹሳት ኣእዳዉ፣ ከምኡ`ውን ቶንኮለኛታት ኣእጋር እቲ እኩይ ጸላኢና፣ ብሰማይ ሑልዋት ኢና። ነቲ መሰወሪና ኸዉሒ ጥሒሱ ዝኣቱ ሓይሊ ሓደ`ኳ የልቦን። እቲ ኸዉሒ ሴላዕ ማሕልቆትና ማለት መሰወሪና፣ መኸወሊና፣ ሃዲምና እነዕቕበሉ ሞዕቆቢና እዩ እሞ፣ ብሰማይ ሕልዋት ኢና። ሃሌሉያ!
መደምደምታ
========
📖 1ይ ሳሙ 23
26፤ ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ። 27፤ ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ። 28፤ ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ #ምስዓብ_ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ #ሴላዕ-#ማሕልቆት (α ɦเdเɳɠ ɾσcҡ) ኢሎም ሰመይዋ። 29፤ ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ #ጽኑዕ_ቦታታት ዔን-ገዲ #ተቐመጠ።
ከም መልኣኽ መርድእ ክፋእ ንኽገብረካ ንዝስዕበካ ጸላኢኻ፣ መርድእ ልኢኹ ካብ ምስዓብካ ዝመልሶ ሓላዊ ኣብ ሰማይ ኣሎካ እሞ፣ ንኽሳድካ ኣቕንዓዮ።
ካብ ብልቢ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Message, Teaching

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *