ካበየኖት ኢኻ፧

ቕድሚ 3ተ ዓመት ኣቢሉ ይኸዉን፣ ብሓዉና ፓስተር ዶር ኣሳየሃኝ ንመሪሕነት ማሕበራት ተብሂሉ፣ ኣብ ሺሎ ስልጠና መሪሕነት፣ “#ባህርያት/Traits of #Character” ዝብል ኣርእስቲ ተሳቲፈ ነይረ። እቲ ዛዕባ ናይዚ ኣርእስቲ፣ ብዛዕባ 4ተ ዓይነት ባህርያት ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝድህስስ እዩ ነይሩ።
እዚ ኣርእስቲ፣ ብቐጥታ ምስ ስነ–ኣእምሮ (Psychology) እኳ ምትሕሓዝ እንተለዎ፣ ግናኸ ምስ መንፈሳዊ ህይወት፣ ኣገልግሎትን፣ መሪሕነትን እዉን ብጣዕሚ ርክብ ዘለዎ ሓሳብ ኾይኑ ረኺበዮ ኣሎኹ። ኣነ ብዉልቐይ፣ በቲ ዝነበረ ትምህርቲ ብዙሕ ዝተረባሕኩ፣ ከምኡ`ውን ንርእሰይ ክርእያ ዝሓገዘኒ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስልጠና እዩ ነይሩ። ሕጂ እዉን ኹላትኲም ምእንቲ ክትርብሕሉ ብዝብል ሃቐና፣ ካብቲ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ቃላት ጽሒፈ ዘዳለኽዎ ከካፍለኩም ደስ ይብለኒ።
4ተ ስነ–ባህርያት ናይ ሰባት
==================
1⃣ ዘይምብቕዖም ዘይፍለጦም ሰባት
2⃣ ዘይምብቕዖም ዝፍለጦም ሰባት
3⃣ ብቕዓቶም ዘይፍለጦም ሰባት
4⃣ ብቕዓቶም ዝፍለጦም ሰባት
Ⅰ. #ዘይምብቕዖም_ዘይፍለጦም
ɪⁿᶜᵒᵐᵖᵉᵗᵉⁿᵗ, ᴜⁿᶜᵒⁿˢᶜⁱᵒᵘˢ
===================
እዚኦም ዓይነት ሰባት፣ ብብዙሕ ሸነኾም ዘይብቑዓት ክነሶም፣ ግናኸ ናይ ዘይምብቕዖም ፈጺሙ ኣፍልጦ ዘይብሎም እዮም። ስለዚ ንርእሶም ኣብ ኩሉ ነገር ብቕዕቲ ገይሮም ዝቖጽርዋ ሰባት እዮም። እዚ ዓይነት ባህርይ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርቱዕ ጐኒ (ኣወታዊ) ከምኡ`ውን ድኹም ጐድኒ (ኣሉታዊ) ኣለዎ:–
ብርቱዕ ጐድኒ/🆂🆃🆁🅴🅽🅶🆃🅷
========================
1⃣ ብቐሊሉ ዘይብዳህ ባህርይን ጽዓትን ኣለዎም
2⃣ ብርቱዕ passion ኣለዎም
3⃣ ብሓደ ጊዜ ብርክት ዝበሉ መደባት ኽገብሩ ይኽእሉ
4⃣ መጠኑ ዝሓለፎ ትብዓት ኣለዎም
5⃣ ናይ ምምራሕ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝኾነ ድሌት ኣለዎም
6⃣ ዝኾነ ዝሃብካዮም ዕዮ ኣይክእሎን`የ ከይበሉ ይቕበሉኻ
7⃣ ዝኾነ ዓይነት risk ይወስዱ
ድኹም ጐድኒ/🅦🅔🅐🅚🅝🅔🅢🅢
=======================
1⃣ ንብዙሕ ዓይነት ግርጭት ምኽንያት ይኾኑ
2⃣ ብተሃዋኽ ከቢድ ዝኾኑ ጌጋታት ይፍጽሙ
3⃣ መብዛሕትኡ ጊዜ ምኽሪ/መዓዳ ኣይቕበሉን እዮም
4⃣ ናይ ተመሃራይ መንፈስ ፈጺሙ የብሎምን
5⃣ ኩሉ ጊዜ ብርቱዓት ነቐፍቲ እዮም
6⃣ ዘየድሊ ብርቱዕ ዋጋ ይኸፍሉ
7⃣ ንምክፍፋልን ንምፍልላይን ዓቢ ተራ ኣለዎም
Ⅱ. #ዘይምብቕዖም_ዝፍለጦም!
ɪⁿᶜᵒᵐᵖᵉᵗᵉⁿᵗ, ᴄᵒⁿˢᶜⁱᵒᵘˢ
==================
እዚ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ሰባት፣ ኣብ ብዙሕ ነገራት ብቕዓት ከምዝዉሕዶም ዝፍለጦም ሰባት እዮም። እዚ ዓይነት ባህርይ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኣወንታውን ኣሉታዉን ጐድንታት ኣለዎ:–
ብርቱዕ ጐድኒ/🆂🆃🆁🅴🅽🅶🆃🅷
========================
1⃣ ብጣዕሚ ትሕት ናይ ምባል ጠባይ የርእዩ
2⃣ ጽቡቕ ናይ ተመሃራይ መንፈስ ኣለዎም
3⃣ ንእትህቦም ምኽሪ/መዓዳ ብዕቱብ ይቕበልዎ
4⃣ ናይ ምዉድዳር መንፈስ የብሎምን
5⃣ ንናይ ዉልቖም ረብሓ ዝኸውን ሕቡእ ኣጀንዳ የብሎምን
6⃣ ናይ ስልጣን ህርፋን የብሎምን
ድኹም ጐድኒ/🅦🅔🅐🅚🅝🅔🅢🅢
=======================
1⃣ ብርእስኻ ኣትሒትካ ምርኣይ ይሳቐዩ
2⃣ ሓድሽ ነገር ክኸዉን እዩ ዝብል ትጽቢት ይዉሕዶም
3⃣ ንእትህቦም ዕዮ ብቐሊሉ ኣይቕበሉኻን እዮም
4⃣ ትብዓት ዘድልዮ ዉሳኔ ኣይወስዱን (Risk–Averters)
5⃣ ዘለዎም ዓቕሚ/ክእለት ኣይፈልጥዎን እዮም
6⃣ ርእሶም ከማዕብሉ ናይ በዓሎም ተበግሶ የብሎምን
Ⅲ. #ብቕዓቶም_ዘይፍለጦም
ᴄᵒᵐᵖᵉᵗᵉⁿᵗ, ᴜⁿᶜᵒⁿˢᶜⁱᵒᵘˢ
==================
እዚኦም ዓይነት ሰባት፣ ኣብ ብዙሕ መዳይት እኹል ዝኾነ ብቕዓት ዘለዎም ክነሶም ግናኸ ብቕዓቶም ዘይፈልጡ ሰባት እዮም። እዚኣቶም እዉን ናይ ገዛእ ርእሶም ብርቱዕን ድኹምን ጐድንታት ኣለዎም:–
ብርቱዕ ጐድኒ/🆂🆃🆁🅴🅽🅶🆃🅷
========================
1⃣ በቲ ዝኸውን ዘሎ ፍጹም ዕጋበት የብሎምን
2⃣ ዓቢ ዝኾነ ኣወንታዊ ለዉጢ ክኸዉን ይጽዕቱ
3⃣ ንናይ ኻልኦት ረብሓ ክብሉ ዓቢ ዋጋ ይኸፍሉ
4⃣ ብዙሕ ብሰብ ከይተረኣዩ ዓቢ ዕዮ ክዓዩ ይደልዩ
5⃣ ድሕሪ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ለዉጥታት ኣለዉ
6⃣ ንኻልኦት ክምርሑ ብጣዕሚ ፍቓደኛታት እዮም
7⃣ ምስ ዝበኽዩ ዝበኽዩ፣ ምስ ዝስሕቑ ዝስሕቑ እዮም
ድኹም ጐድኒ/🅦🅔🅐🅚🅝🅔🅢🅢
=======================
1⃣ ዓበይቲ ወርቃውያን ዕድላት ይኸስርዎም
2⃣ ካብ ዝተነኽነኸ ክእለቶም ሒደት ጥራይ ይጥቐምሉ
3⃣ ብርእሶም ተበጊሶም ኽገብሩ ጊዜ ይወስደሎም
Ⅳ. #ብቕዓቶም_ዝፍለጦም
ᴄᵒᵐᵖᵉᵗᵉⁿᵗ, ᴄᵒⁿˢᶜⁱᵒᵘˢ
=================
እዚ ዓይነት ባህርይ ዝተላበሱ ሰባት ድማ፣ ነቲ ኣብ ብዙሕ ሸነኽ ዘለዎም ብቕዓት ዝፈልጡ እዮም። እዚ ዓይነት ባህርይ ዘለዎም ሰባት ድማ፣ እዞም ዝስዕቡ ኣወንታውን ኣሉታዉን ጐድንታት ኣለዎም:–
ብርቱዕ ጐድኒ/🆂🆃🆁🅴🅽🅶🆃🅷
========================
1⃣ ብዙሕ ዝተኻዕበት ፍልጠት ኣለዎም
2⃣ ንኽመርሑ ዕቱብ ዝኾነ ድሌት ኣለዎም
3⃣ ብሰብ ዝርኣዩ ዓበይቲ ዕዮታት ክዓዩ ይደልዩ
4⃣ ንብዙሓት ዝጸልዉ ስእሊ (public image) ኣለዎም
ድኹም ጐድኒ/🅦🅔🅐🅚🅝🅔🅢🅢
=======================
1⃣ ንርእሶም ብጣዕሚ እዮም ዘምልኽዋ
2⃣ ስልጣን ዘይምርካቦም ኩሉ ጊዜ ይርብሹ
3⃣ ዝሃነጽዎ ከፍርስዎ ዝኽእሉ ሰባት እዮም
4⃣ ምስ ሰብ ዘለዎም ናይ ቐረባ ርክብ ሓርፋፍ እዩ
5⃣ ናይ ተመሃራይ መንፈስ ፈጺሙ የብሎምን
6⃣ ናይ ስነልቦና ዝኾነ ፍልጠት ይዉሕዶም
7⃣ ከምታ ብዉሽጦም ዘለዉዋ ኾይኖም ክርኣዩ ይሽገሩ
8⃣ ብቑጽሪ ሰባት እዮም ዝዉሰዱ (driven by crowd)
9⃣ ፍጹም ክግዝኡን ክእዘዙን ዝሽገሩ ሰባት እዮም
መደምደምታ
========
ሰብ ከም ሙዃንና መጠን፣ ካብ ናይዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና ዝተፈላለዩ 4ተ ጉጅለታት፣ ገለ ኣወንታዊ ገለ ድማ ኣሉታዊ ባህርያት ክህልወና ዝክኣል እዩ። ነዚ ኣሉ ዝብሎ ሰብ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ስለዚ ነቲ ኣወንታዊ ባህርይና ክንዕቕቦ፣ ነቲ ኣሉታዊ ባህርይና ድማ ምእንቲ ከነርሕቆ፣ ምስ ርእስና ሓቂ ክንኸዉን ይግብኣና።
ብሕልፊ ኣብ መሪሕነት ኾይንና፣ እቲ ብቕዓት እንዳሃለወና ግናኸ እቲ ባህርይና ዕረ እንተኾይኑስ እንታይ ረብሓ ኣለዎ። ከም መንፈሳዊያን ድማ እቲ ጸጋ ዝዓዘዘልና ሰባት ክነስና፣ ግናኸ ጥር እትብል ክርስቶሳዊት ባህርይ እንተዘይብልና እንታይ ረብሓ ኣለዎ። ብዙሓት ሰብ ጸጋ ኢና ዝብሉ ብባህርያቶም ግና ኽሱሳት ብዙሓት እዮም። እምብኣር፣ ነቲ ንፍርሃት ኣምላኽና ዝተማቐልናዮ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ከነንጸባርቖ፣ ምስ ጐይታ ዝተጣበቕና፣ ከምኡ`ውን ብናይ ክርስቶስ ባህርያት ክንስራሕ ፍቓደኛታት ንኹን ክብል እፈቱ።
ተባረኹ!
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Message, Teaching, Uncategorized

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *