📖 ዮሃንስ 2፣11 / የሱስ ነዚ መጀመርታ #ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። #ክብረቱ_ኸኣ_ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።
ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ውልቃዊ ነገረይ ክሓስብ ጀሚረ፡ ሽዑ ኣይጸናሕኩን፣ ከናፍረይ ከፊተ ናብ ጎይታ ምጽላይን ንሓልዮተይ ናብኡ ምዉዳቕን ቐጸልኩ። እቲ ዝጽልዮ ዝነበርኩ ድማ፣ “ኣታ ጎይታ፡ በጃኻ እባ ኣብ’ዚ ነገረይ ገለ ግበር…ወዘተ” ዚብል እዩ ነይሩ። ከምኡ እንዳበልኩ እንከሎኹ፣ ሓደ ቃል ኣብ ልበይ መጸኒ። እቲ ቓል ድማ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ፣ ጎይታ የሱስ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ ቐዳማይ ተኣምራቱ ዘመልክት እዩ ነይሩ።
እቲ ቓል ክመጽእን፣ እቲ ኸቢዱኒ ዝጸንሔ ነገር ክንእስን ሓደ ይኸውን እሞ፣ ካብ ኣፈይ ከም ፋርስ #ምስጋናኡ ብሓይሊ ፈንጢሱ ወጸ። ለካ፣ እቲ ኣብ ልብና ዝኸብደና ነገርሲ መግለጺ ክብረቱ እባ እዩ፧ ዚብል ጭቡጥ ርትዒ ኣብ ልበይ ብፍሉይ መገዲ ብምምጻኡ፡ ሽዑ ንሽዑ እምነት መልኣኒ እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ነገረይ ቋንቋ እግዚኣብሄር ክእመንን ክዛረብን ጀመርኩ።
እወ ኣብ ልዕሊ እቶም “እቲ ጎዲሉ፣ ጊዜ ሓሊፍዎ፣ ከመይከ ድኣ ክኸውን እዩ፣ ወይለይ …. ወዘተ” እንብሎም ጉዳያት፣ ጎይታ ተኣምራቱ ይገብርን ክብረቱ ይገልጽን እዩ። ብርግጽ እቲ ኣብቲ ዓቢ ኸረን ዝኾነ ጉዳይ ዘሩባቤል፣ “ኣታ ዓቢ ኸረን መን ኢኻ፣ ኣብ ቕድሚ ዘሩባቤል ጎልጎል ኽትኸዉን ኢኻ” ኢሉ ዝተዛረበ ጎይታ፣ ንኣይ እዉን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳየይ፣ ባዕለይ ከምዚ ኢለ ብዓውታ ኽዛረቦ፣ ንኣፈይ በዘን ቓላት መልኦ :–
‘ኣታ ጉዳየይ ስማዕ! ጎይታ ኣብ ልዕሌኻ ተኣምራቱን
ክብረቱን ኽገልጽ እዩ።.. ዎ ጎይታይ፣ እዚ ጉዳየይ
መግለጺ ተኣምራትካን ክብረትካን ገይርካ
ተጠቐመሉ….ሃሌሉያ ተመስገን’
እምብኣር፣ ደቂ ሰባት ከም መጠን ነበርቲ’ዛ ምድሪ ምዃንና ፣ ንልብና ኽብድ ብዝብልዎ ዂነታት ክንሓልፍ ዝክኣል እዩ። ግናኸ እቲ ጉዳይ ንልብና እንዳሓዞ ምእንቲ ከይዓብይን ድማ ከብቅዕን፣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ናብ ልብና ዝመጽእ ወይ ዝልኣኽ መልእኽቲ ንረክብ ኢና። ማለት ጎይታ ቃሉ ልኢኹ ካብቲ ጕድጓድ ዚዅዕተልና ነገር የዉጽኣና እዩ። ከምኡ`ውን ንልብና ካብ በቲ ጉዳይ ምጭናቕ የናግፎ እዩ። ቃሉ ይኹን እቲ ኻብ ከናፍርና ዚወጽእ ናይ ምስጋና መዝሙርን፣ ነቲ ከቢድ ጉዳይና #ኣላሽ የብልዎ እዮም። እቶም ምእንቲ ከጨንቁና ዝኸቡና ዓበይቲ ኣኽራናት፣ ብቓሉ፣ ብመንፈሱን ምስጋናኡን ከይተፈለጦም ይግዕዙ እዮም።
መደምደምታ
========
ብሓቂ ጎይታ ኣብቲ “ኦሮማይ ተወዲኡ ዝተባህለሉ ነገር መርዓ፡ ተረኺቡ፣ ነቲ መቐረት፡ ሕብርን ሽቱን ዘይነበሮ ማይ፡ ናብ ኣዝዩ ጥዑም፡ ንምርኣዩ ዜብህግን ምኡዝ ሽቱን ዘሎዎ ወይኒ እዩ ዝቐየሮ። ድማ ኣኺሉስ ዚተርፍ ወይኒ ብምልዋጡ፡ ክብረቱ በዚ ገለጸ! ሕጂ`ውን ኣብ ነገረይ፣ ኣብ ነገርካ/ኪ፣ ኣብ ነገርና፣ ተኣምራቱ ኪገብርን ኽብረቱ ኪገልጽን እዩ። ድማ ጣዕሚ ዝሰኣንናሉ ነገርና ጣዕሚ ዘለዎ፡ ሕብሩ እተደወነ ነገርና ደሚቑን፣ እቲ ሽቶ ዘይነበሮ ነገርና ድማ ምኡዝ ሽቶ ክርስቶስ ናብ ምዃን ለዊጡ፡ ክብሩ ኣብ ህይወትና ከርኢ እዩ።
እወ እቲ ንዝሞተ ራብዕቲ ዝገበረ ሬሳ “ኣበይ ኣንቢርኩሞ፧” “ኣዉጽእዎ” ኢሉ “ብስሙ ጸዊዑ” ካብ ሞት ዘተንስእ ጎይታ፣ ሎሚ እዉን ህያዉ እዩ። ነታ ዝሞተት “ኣይተልቕሱላ” “ደቂሳ እያ ዘላ” “ኣንቲ ጓለይ ተንስኢ” ኢሉ ካብቲ #ዉሒጡ ሒዝዋ ዝነበረ ሞት ኣተንሲኡ “ዝብላዕ ሃብዋ” ዝብል ጎይታ፣ ሕጂ`ውን ሓይሉ ኣይደኸመን! የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልአለም ንሱ እዩ። ኣሜን! ሃሌሉያ!
📖 ዘካ 4፣7
ኣታ ዓብዪ ኸረን፣ #መን_ኢኻ፥ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል #ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ፣ #ጸጋ #ንእኡ፣ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፣ ኢሉ ነገረኒ።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉዂም
ሮቤል ነጸረኣብ